ርሑስ ቀውዒ! ርሑስ ምጅማር ትምህርቲ!

ካብ ዊኪፐድያ፣ ናጻ ኢንሳይክሎፐድያ

ርሑስ ቀውዒ! ርሑስ ምጅማር ትምህርቲ!:

እንሆ እምበኣር ዕረፍቲ ክረምቲ ተወዲኡ፡ ቀውዒ ኣትዩ፡ ቤት ትምህርቲ ተኸፊቱ።

መምህራን ስራሕና፡ ተመሃሮ ከኣ ትምህርትኹም ጀሚርኩም።

ጽቡቕ ምጅማር ይግበረልና!

ኣዳለውቲ እዚ መርበብ'ዚ ብዝተኻእለ መጠን ንዓኻትኩም ይጠቅም ይኸውን

ኢልና ዝገመትናዮ ነገራት ከነዳልወልኩም ክንፍትን ኢና።

መምህራንን ወለድን ተመሃሮን ከኣ በብወገንኩም ብዝተኻእለኩም መጠን፡

ይጠቅም እትብልዎ ጽሑፋት ይኹን ርእይቶታት ምስ እትሰዱልና፡

ትሕዝቶ መርበብና ሃብታም ኪኸውን ይኽእል። ስለ'ዚ ሓገዝኩም ኣይፈለየና።