ትምህርቲ ትግርኛ ብርሑቕ

ካብ ዊኪፐድያ፣ ናጻ ኢንሳይክሎፐድያ

ትምህርቲ ትግርኛ ብርሑቕ:

ኣብ ሽወደን፡ ኵሉ ቈልዓ ቋንቋ ኣደኡ ኪምሃር መሰል ኣሎዎ። ግን ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ገለ ተመሃሮ ኪምሃሩ ዕድል ኣይረኸቡን። ነዚ መፍትሒ ንምፍጣር፡ ትካል ምምዕባልን ምምሕያሽን ትምህርቲ ዝሓለፈ ዓመት ንፈተነ ተባሂሉ፡ ትምህርቲ ቋንቋ ኣደ ብርሑቕ ብሾብዓተ ቋንቋታት ተዋሂቡ። ሓንቲ ካብ'ዘን ቋንቋታት እዚኣተን ትግርኛ ኢያ። ኣብዚ ፈተነ’ዚ ዝተኻፈሉ ኣብ ክሪስትያንስታድ ዚርከቡ ተመሃሮ ኢዮም። ከምቲ ተሓሲቡዎ ዝነበረ፡ ንዕብይ ዝበሉ ተመሃሮ፡ ብኮምፕዩተር እናተሓገዙ ኪምሃሩ ኢዩ። ግን ኣብኡ ዚርከቡ ተመሃሮ ካብ ደቂ ፮ ዓመት ክሳዕ ፮ይ ክፍሊ ዚምሃሩ ኢዮም ነይሮም። ካብቶም ዝተመዝገቡ ፪፯ ተመሃሮ ፩፱ ተኻፊሎሞ። ነቲ ነገር ንምቅላል፡ መምህር ኣብ ወርሒ ሓደ ግዜ እናኸዶም፡ ዝተረፈ ግዜኦም ከኣ ብወለዶም እናተሓገዙ ኪምሃሩ ጸኒሖም። እዚ ቀዳማይ ፈተነ’ዚ ዝሓለፈ ሰሙን ተዛዚሙ።


ኣብቲ መዛዘሚ መዓልቲ፡ ኣኼባ ስድራ-ቤት ተገይሩ። ነቲ ዝሓለፈ ትምህርቲ ገምጋም ተገይሩሉ። ስድራ-ቤታት በቲ ዝተዋህበ ትምህርቲ ሕጉሳት ከም ዝዀኑ ገሊጾም። ግን ሓደ ግዜ ኣብ ወርሒ ኣዝዩ ውሑድ ስለ ዝዀነ፡ ኣብ ሰሙን ሓደ ግዜ ኪረኽቦም ዚኽእል መምህር ኪግበረሎም፡ እቲ ዝጸንሐ መምህር ከኣ፡ ኪህቦም ዝጸንሐ ኣመሃህራ መታን ከይቋረጾም፡ ገለ ገለ መዓልታት እናመጸ ሓገዙ ኬወፍየሎም ሓቲቶም።

ስድራ-ቤታትን ኣካየድቲ ስራሕን በቲ ዝቐረበ ሓሳባት ተሰማሚዖም፡ ተመሳጊኖም ተፈላልዮም። ቀጻሊ ትምህርቲ ኣብ ወርሒ መስከረም ኪጅመር ኢዩ።