ኣስመራ
From Wikipedia
[edit] Headline text
'አስመራ' ዝዓበየትን ርእሲ ከተማን ኤርትራ እያ። ኣስታት 579 ሽሕ ዝኸውን ህዝቢውን ይቅመጥዋ። ካብቶም ቀንዲ እዱስትርያዊ ፍራያት ዐለባ፡ ዝተዐሸገ ስጋ፡ ቢራ፡ ሳእኒን ኣሕልታትን ይርከብዎም።
[edit] ታሪኽ
አስመራ አብ መበል ዐሰርተው ክልተ ክፍለ ዘመን ካብ ኣርባዕተ ማይቤት እያ ተመስሪታ ። ከም ዝዝንተው ፈለማ ገዛ ጉርቶም፣ ገዛ ሸለለ፣ ገዛ ሰረንሰር ን ገዛ አሰምዐ ዝተባህሉ አርባዕተ ማይ ቤት ይነብሩ ነይሮም ። ዝተጠቅሱ ማይ ቤታት አብ ሓደ ተጠርኒቦም ኣብ ከባቢኦም ንዝነብሩ ጎሓሉት ክስዕሩ ክኢሎም ። ድሕሪ ዚ ዓወት እዚ ኸኣ ነቲ ቦታ አርባዕተ አስመራ ዝብል ሓድሽ ሽም ሃብዎ። እቲ ምስኡ ጠቢቑ ዝዓበየ ብ ኢጣልያውያን ዝኸተመ ክፍሊ ኸኣ አስመራ ተባሂሉ ክፅዋዕ ጀመረ ። እታ ጥንታዊት ክፋል ግና ክሳብ ሕጂ ደቀባት ይሰፍርዋን ኣርባዕተ ኣስመራ ተባሂላ ትጽዋዕን ኣላ። ኣስመራ ብ 1889 ወርርቲ ሓይሊ ጥልያን ኣትዮም ኣኸቲሞቀይሕ ባሕሪ ናብ ከተማ ምጽዋዕ ዝበጽሕ መስመር ባቡር ተዘርጊሑ ።