ኣፍሪካን ትራይፓኖሶሚያሲስ

ካብ ዊኪፐድያ፣ ናጻ ኢንሳይክሎፐድያ
African trypanosomiasis
ፍሉይነት infectious diseases
ዊኪፐድያ ሕክምናዊ ምኽሪ ኣይህብን እዩ ሕክምናዊ መጠንቀቕታ 

{{#ifeq:|

ኣፍሪካን ትራይፓኖሶሚያሲስ ወይ ኣደቃሲ ሕማም[1]፡ ንሰባትን ካልኦት እንስሳታትን ዜጥቅዕ ሕማም ፓራሳይት/ጽግዕተኛ እዩ። ትራይፓኖሶማ ብሩሰይብዚብሃል ጽግዕተኛ ጅር/ስፒሽስ ዚስዕብ እዩ። [2] ሰባት ዘጥቅዑ፡ ክልተ ዓይነታት ኣለዉ፥ ትራይፓኖሶማ ብሩሰይ ጋምቤንስ (T.b.g) ከምኡውን ትራይፓኖሶማ ብሩሰይ ሆደሴንስ (T.b.r.) እዮም። [1] T.b.g፡ ንልዕሊ 98% ናይቲ ዝርኤ ሕማማት ዜስዕብ እዩ።[1] ክልቲኦም ፓራሳይታት፡ መብዛሕቱ ግዜ፡ ብመንከስቲ እተለኽፈት ጽንጽያ ጸጸ ዝምሓላለፉ ኮይኖም፡ ኣብ ገጠራት ድማ ኣዝዮም ግኑናት እዮም። [1] 

ኣብቲ መባእታዊ ደረጃ’ቲ ሕማም፡ ረስኒ፡ ሕማም ርእሲ፡ ሰሓን ቃንዛ መላግቦን የጋጥም። [1] እዚ ድማ ድሕሪ መንከስቲ ኣብ ውሽጢ ሓደ ክሳዕ ሰለስተ ሳምንታት ክርኤ ይጅምር።[3] ድሕሪ ሳምንታት ክሳዕ ኣዋርሕ ድማ ዕግርግር፡ ዘይምርጋእ/ዘይምውህሃድ፡ ድንዛዘን ድቃስ ምስኣንን ዚኣመሰለ ዜጋጥም ካልኣይ ደረጃ ይጅምር።[1][3] ነጸርታ፥ ኣብ ቅምሶ ደምወይ ኣብ ሱር ዕያገነዳ (ሊይምፍ ኖድ) ኣብ ዝርከብ ፈሳሲ ንዘሎ ፓራሳይት ብምርካብ ይካየድ።[3] መርፍእ ሽምጢ (ፈሳሲ ካብ ሽምጢ ብምውሳድ ዚግበር መርመራ)፡ ኣብ መንጐ’ቲ ናይ መባእታን ካልኣይን ደረጃ ሕማም ዘሎ ፍልልይ ንምርእይ መብዛሕቱ ግዜ ኪግበር የድሊ እዩ።[3]

ምክልኻል ብርቱዕ ሕማም፡ T.b.g እንተሎ ንምፍላጥ መርመራታት ደም ብምግባር፡ ነቶም ኣብ ሓደጋ ዝርከቡ ክፍልታት ህዝቢ ዚግበር ነጸርታ ዜጠቓልል እዩ።[1] እቲ ሕማም ኣብ ዝጀመረሉ ፈለማ እዋንን ምልክታት ጸገማት መትኒ ከርኢ ቅድሚ ምጅማሩን ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ነቲ ሕማም ንምሕካም ዚቐለለ ይኸውን።[1] ኣብ መባእታ ደረጃ ንዚርከብ ሕማም ዚግበር ሕክምና፡ ብመድሃኒትፐንታሚዲን ወይ ሱራሚንይኸውን።[1] ኣብ ካልኣይ ደረጃ ንዚርከብ ሕማም ዚግበር ሕክምና፡ ንT.b.g ተባሂሉ ዚውሰድ ንኢፍሎርኒቲን ወይ ንኒፉርቲሞክስ ከምኡውን አፍሎርኒቲን ዜጣመረ መድሃኒት ዜጠቓልል እዩ።[3] መላርሶፕሮል ንኽልቲኡ ዚሰርሕ እኳ እንተኾነ፡ ከቢድ ጐድናዊ ሳዕቤናት ስለዘለዎ፡ ንT.b.r.ጥራይ ብፍላይ ዜገልግል እዩ።[1]

እዚ ሕማም’ዚ፡ ኣብ 36 ሃገራት ዚርከቡ ከባቢ 70 ሚልዮን ንዚኾኑ ኣብ ሓደጋ ዚርከቡ ክፍልታት ህዝቢ ኣብ ዘለውዎ ገለ ከባቢታት ትሕተ-ሳህራ ኣፍሪቃብቐጻሊ ዜጋጥም እዩ።[4] ኣብ 2010፡ ንኣስታት 9,000 ሰባት ሞት ከስዕብ ከሎ፡ ካብቲ ኣብ 1990 ዝነበረ 34,000 መጠነ-ሞት ግን ጐዲሉ እዩ።[5] ከባቢ 30,000 ዚኸውን ህዝቢ ድማ ኣብዚ እዋን’ዚ ተለኺፉ ይርከብ፣ ኣብ 2012 ድማ ካብቲ ዝነበረ መልከፊታት፡ ኣብ ልዕሊ ሓደስቲ 7000 ኣጋጢሙ።[1] ካብዚ ዘጋጥመ ሕማማት፡ እቲ ልዕሊ 80%፡ ኣብ ደሞክራስያዊ ሪፓፕሊክ ኮንጐዜጋጠመ እዩ። [1] ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ እዋን፡ ሰለስተ ዓቢ ለበዳታት ኣጋጢሙ፣ እቲ ቀዳማይ ካብ 1896 ክሳዕ 1906 ኣብ ዘሎ ግዜ ብቐንዱ ኣብ ዩጋንዳ  ከምኡውን ኣብ ተፋሰስ ኮንጐ ዜጋጠመ ኪኸውን ከሎ፡ እቲ ክልተ ድማ ኣብ 1920ን 1970ን ኣብ ሓያለ ሃገራት ኣፍሪቃ ዜጋጠመ እዩ።[1] ከም ላም ዝኣመሰሉ ካልኦት እንሳታት፡ ነቲ ሕማም ክስከሙን በቲ ሕማም ክልከፉን ይኽእሉ እዮም። [1]

መወከሲታት[ኣመዓራርይ | ኮድ ኣመዓራርይ]

  1. a b c d e f g h i j k l m n Lua error in ሞድዩል:Citation/CS1 at line 4390: attempt to index field 'date_names' (a nil value).
  2. MedlinePlus Encyclopedia Sleeping sickness
  3. a b c d e Lua error in ሞድዩል:Citation/CS1 at line 4390: attempt to index field 'date_names' (a nil value).
  4. Lua error in ሞድዩል:Citation/CS1 at line 4390: attempt to index field 'date_names' (a nil value).
  5. Lua error in ሞድዩል:Citation/CS1 at line 4390: attempt to index field 'date_names' (a nil value).