ውላደይ ኣብ ቅድመ-ትምህርቲ ምዝራብ እንተ

ካብ ዊኪፐድያ፣ ናጻ ኢንሳይክሎፐድያ

ውላደይ ኣብ ቅድመ-ትምህርቲ ምዝራብ እንተ:

ኣቋረጾ፡ እንታይ ክገብር?

ቍሩብ ጽንሕ በል እሞ ተዓዘብ። ኣብ ገለ እዋን፡ ቈልዑ ኣብ’ቲ ቋንቋ ኣደኦም ዘይዝውተሮ ቅድመ ትምህርቲ ምስ ጀመሩ፡ “እዋን ስቕታ” ተባሂሉ ዚጽዋዕ ተረኽቦ የጋጥም ኢዩ። እቲ ቈልዓ ኸኣ ንነዊሕ እዋን ብሽወደን ሓንቲ ቃል እኳ ኣየውጽእን። ኣብ’ዚ እዋን”ዚ፡ ብኻልእ ኵነታቶም፡ ቅሱናት፣ ብኻልእ ኣገባብ ድማ ሓሳባቶም ዚገልጹ - ንኣብነት ንዝደለዩዎ እናኣርኣዩን እናኣመልከቱን - ኣብ ቤቶም ከኣ ብቋንቋ ኣደኦም ምዝራብ እንተ ዘየቋሪጾም፣ ጸገም የለን ማለት’ዩ። ቅልጡፍ ምልክት እኳ እንተ ዘይተራእየ፡ ኵሉ ግዜ ፍልጠት ናይ’ቲ ሓዲሽ ቋንቋ እናኣዋህለሉ ኢዮም ዚኸዱ። ቈልዑ ድሕሪ’ቲ “እዋን ስቕታ”፡ እኹል ፍልጠት ናይ’ቲ ሓዲሽ ቋንቋ ምስ ኣዋህለሉ ኢዮም ኪዛረቡ ዚጅምሩ። ብዝዀነ ነኣሽቱ ቈልዑ፡ ቋንቋ ኣደኦም ኣብ ቤት ትምህርቲ ቅቡልን ዚዝረበሉን ምዃኑ ምስ ተዓዘቡ ኢዮም ፍዅስ ዚብለሎም።