ብሕማም ሓሰኻ ጊኒ
ብሕማም ሓሰኻ ጊኒ | ||
---|---|---|
Using a matchstick to remove a guinea worm from the leg of a human | ||
ፍሉይነት |
infectious diseases helminthology tropical medicine | |
ሕክምናዊ መጠንቀቕታ | ||
{{#ifeq:|
ድራኩንኩልያሲስ (Dracunculiasis)፡ ብሕማም ሓሰኻ ጊኒ (GWD) ዚፍለጥ ኮይኑ፡ ብሓሰኻ ጊኒ ዚመጽእ ለበዳ እዩ። [1] ሰብ፡ ብላርቫሓሰኻ ጊኒ እተበከለ ቊንጪ ማይ ዘለዎ ማይ ብምስታይ ይልከፍ።[1] ኣብ ፈለማ፡ ምልክታት የብሉን።[2] ከባቢ ሓደ ዓመት ምስ ገበረ ግን፡ እታ ኣንስተይቲ ሓሰኻ ኣብ ቆርበት፡ መብዛሕቱ ግዜ ድማ ኣብ ታሕተዋይ ልስሉስ ክፍሊ ኣካላት ማይ ምዕጐ ስለእትገብር፡ እቲ ሰብ፡ ኣቐንዛዊ ስምዒት ቃጸሎ የማዕብል። [1] እታ ሓሰኻ ድማ ድሕሪ ውሑድ ሳምንታት ካብ ቆርበት ትወጽእ።[3] ኣብዚ ግዜ’ዚ፡ ንኽትከይድ ወይ ክትሰርሕ ኣጸጋሚ ኪኸውን ይኽእል።[2] እዚ ሕማም፡ ሞት ንኸስዕብ ግን ኣዝዩ ዘይልሙድ እዩ።.[1]
ወዲሰብ፡ እቲ ብሓሰኻታት ጊኒ ዚጥቃዕ እተፈልጠ እንኮ እንስሳ እዩ።[2] እዚ ሓሰኻ፡ ካብ ሓደ ክሳብ ክልተ ሚሊ ሜትሮ ስፍሓት ዘለዎ ኮይኑ፡ በጽሒ ኣንስተይቲ ድማ ካብ 60 ክሳብ 100 ሰንቲሜትሮ ንውሓት ኣለዋ (ተባዕትዮ ግን ኣዝዮም ሓጸርቲ እዮም)። [1][2] እቲ እንቛቚሖታት ድማ ካብ ሰብ ወጺኡ ክሳዕ ሰለስተ ሳምንታት ክነብር ይኽእል እዩ።[4] ቅድሚኡ ግን ብቚንጪ ማይ ክብላዕ ኣለዎ።[1] ኣብ ውሽጢ ቊንጪ ማይ ዘሎ ላርቫ፡ ክሳዕ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ክጸንሕ ይኽእል።[4] ስለዚ፡ እቶም ሓሰኻ ኣብ ሓደ ቦታ ንኽጸንሑ፡ እቲ ሕማም ኣብ ነፍስወከፍ ዓመት ኣብ ደቂሰብ ክህልዉ ኣለዎ።[5] ነጸርታ’ዚ ሕማም’ዚ፡ መብዛሕቱ ግዜ፡ ብመሰረት ምልክታትን ሓበሬታን እቲ ሕማም ኺካየድ ይኽእል።[6]
ምክልኻል፡ ኣቐዲምካ ነቲ ሕማም ብምንጻር፡ ደሓር ድማ ነቲ ዝሓመመ ሰብ ነቲ ቊስሉ ኣብ ዝስተ ማይ ንኸይገብር ብምኽልካል ኣዩ።[1] ካልእ ጻዕርታት ድማ፥ ኣገልግሎት ጽሩይ ማይ ከምዚመሓየሽ ምግባር፣ ጽሩይ ኣብ ዘይኮነሉ ግዜ ድማ ብመጻረዪ ማይ ምጽራይ የጠቓልል። [1] መብዛሕቱ ግዜ፡ ብሻሽ ምጽራይ እኹል እዩ።[3] እተበከለ ዝስተ ማይ፡ ነቲ ላርቫ ንምቕታል ተመፎስ (temefos) ተባሂሉ ብዚጽዋዕ ከሚካል ኪፍወስ ይከኣል እዩ።[1] ነቲ ሕማም፡ መድሃኒት ወይ ክታበት የብሉን።[1] ቀስ ኢልካ ብዕንጨይቲ ነቲ ሓሰኻ ብምጥቕላል ኣብ ገለ ሳምንታት ከተጥፋኦ ይከኣል እዩ።[2] እቲ ሓሰኻ ኪወጽእ ከሎ ዝፈጠሮ ቊስልታት ድማ ብባክተርያ ክልከፍ ተኽእሎ ኣለዎ።[2] እቲ ሓሰኻ ምስ ወጸ፡ ንኣዋርሕ ዚጸንሕ ቃንዛ ብቐጻሊ ኪህሉ ይኽእል እዩ።[2]
ኣብ 2013፡ በቲ ሕማም እተለኽፉ 148 ሰባት ነይሮም።[1] እዚ ድማ ካብቲ ኣብ 1986 ዝነበሩ 3.5 ሚልዮን ሕሙማት ጐድሉ።[2] ኣብ ኣፍሪቃ፡ ኣብ 4 ሃገራት ጥራይ ይርከብ፣ ካብቲ ኣብ 1980ታት ዝነበራ 20 ሃገራት ድማ ጐዲሉ ይርከብ። [1] እታ ብብዝሒ እተጠቕዐት ሃገር፡ ደቡብ ሱዳን እያ።[1] እዚ ሕማም’ዚ ድማ ክጠፍእ ዘለዎ ብፓራሳይት ዚመሓላለፍ ናይ መጀመርታ ሕማም ዳርጋ ኮይኑ ኣሎ።[7] ሕማም ሓሰኻ ጊኒ፡ ካብ ጥንቲ ይፍለጥ ነይሩ። [2] ኣብቲ ብ1550 ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ እተዳለወ ሕክምናዊ ጽሑፍ ግብጺ ኢበርስ ፓፕይሩስ (Ebers Papyrus) ተጠቒሱ ይርከብ። [8] ድራኩንኩልያሲ ዚብል ስም፡ "ስቓይ ደቀቕቲ ድራጎናት" ካብ ዚብል ላቲን ዚመጸ እዩ፣[9] እቲ “ሓሰኻ ጊኒ” ዚብል ስም ድማ ኤውሮጳውያን ኣብ 17 ክፍለ-ዘመን ኣብ ገማግም ምዕራብ ኣፍሪቃ ኣብ ዘላ ጊኒ እቲ ሕማም ምስርኣይዎ ዘውጽእዎ ስም እዩ።[8] ንሓሰኻታት ጊኒ ዚመስል ጅር (ስፒሽስ) ድማ ኣብ ካልኦት እንስሳታት ነቲ ሕማም የመሓላልፍ።[10] እዚ ግን ናብ ደቂሰብ ኣይመሓላልፍን እዩ።[10] እዚ ድማ ምስ ርሱዕ ትሮፒካዊ ሕማም ይምደብ።[11]
- ↑ a b c d e f g h i j k l m Lua error in ሞድዩል:Citation/CS1 at line 4390: attempt to index field 'date_names' (a nil value).
- ↑ a b c d e f g h i Lua error in ሞድዩል:Citation/CS1 at line 4390: attempt to index field 'date_names' (a nil value).
- ↑ a b Lua error in ሞድዩል:Citation/CS1 at line 4390: attempt to index field 'date_names' (a nil value).
- ↑ a b Lua error in ሞድዩል:Citation/CS1 at line 4390: attempt to index field 'date_names' (a nil value).
- ↑ Lua error in ሞድዩል:Citation/CS1 at line 4390: attempt to index field 'date_names' (a nil value).