ዊኪፐድያ:Quick index

ካብ ዊኪፐድያ፣ ናጻ ኢንሳይክሎፐድያ

መእተዊ[ኮድ ኣመዓራርይ]

ካልስዩም ሓደ ካብ ኣገደስቲ ባእታታት ናይ ኣቑጽልቲ። ኣዕጽምቲ። ኣስናንን ሽፋናት ምዃኑ ይፍለጥ፣ ካልስዩም ኣብ ከርሲ መሬት ካብ ዘለው ባእታታት ብብዝሒ ህላውነቱ ሓምሻይ ደረጃ ይሕዝ፣ ባህርያዊ ካልስዩም ብዝተፈላለዩ መልክዓት ዝርከብ ኮይኑ እምኒ ኖራ። ጂፕሱም(ንኵርሽ ዝመስል ማዕድን)ን ፍሎራይትን ምጥቃስ ይከኣል፣ ብመንደልቭ [[2]] ኣብ ዝተዋደደ ዝርዝር ባእታታት(ፐረዲክ ቴብል) ድማ ካልስዩም ኣቶማዊ ቍጽሩ 20። ኣቶማዊ ክብደቱ 40.078 ኤ.ኤም.ዩ(ኣሃዱ ኣቶማዊ ክብደት) ሒዙ ኣብቲ ኣብ መሬት ንዝርከቡ ኣልካሊናውያን ብረታት ዝሓቍፍ 2ይ ጉጅለ ተጠቒሱ ኣሎ፣ ካልስዩም ዝብል ስም ካብ ናይ ላቲን ቃል ዝተዋህቦ ኮይኑ ‘ካልሲ’ ማለት ‘እምኒ ኖራ’ ማለት’ዩ፣ 3.5% ካብ ከርሲ መሬት ድማ በዚ ብረት ዝቖመ’ዩ፣ ካልስዩም ኩባዊ ቅርጺን ብሩራዊ ሕብሪ ዝውንን። መጠናዊ ትሪ ዘለዎ ብረታዊ ባእታ’ዩ፣ ዝመከሉ ሙቐት 839 ዲግሪ ሰንቲግረድ ክኸውን ከሎ ዝሃፈሉ ሙቐት ድማ 1484 ዲግሪ ሰንቲግረድ ይበጽሕ ::

ርኽበት ካልስዩም[ኮድ ኣመዓራርይ]

ካልስዩም ኣብ 1808 እዩ ተዳህሲሱ፣ ዳህሳሲኡ ድማ ሰር ሃምፍረይ ዳቪ ዝተባህለ እንግሊዛዊ ክኢላ ስነ-ቀመምን መሃዝን’ዩ፣ ነቲ ርኽበት። ሕውስዋስ ኖራን ሜርኲሪ ኦክሳይድን ብመስርሕ ኤለትሮሊስስ(ንሓደ ሳብስታንስ ዘቝሙ ቀመማት ብኤለትሪካዊ ኳረንቲ ዝፈላሊ መስርሕ) ብምሕላፍ ዝጨበጦ’ዩ፣ እቲ ኣብ ኤለትሮሊስስ ዝተመርኮሰ ምርምሩ ንማግኒዝዮም። ቦሮንን ባርዩምን ክድህስስ ባብ ዘርሓውሉ’ዩ፣ ድሒሩ’ውን ብኤለትሮሊስስ። ሶዲዩም።ፖታስዮም። ካልስዩም። ማግኒዝዮም። ባሪዩም። ቦሮን ዳቪ ላምፕን ፍሉጥ ሰብ ክኸውን ክኢሉ’ዩ፣

ጥቕምታት ካልስዩም[ኮድ ኣመዓራርይ]

ቀዳማይ ጥቕሚ ካልስዩም ንሰብነትና እዩ፣ ኣብ ዕቤትን ምዕባለን ኣዕጽምቲ ዘለዎ መሰረታዊ ኣገዳስነት ከይተዘንግዐ ጭዋዳታትን መትኒታትን ብግቡእ ክዓዩ የድሊ፣ ብተወሳኺ። ኣብ ምርጋእ ደምን ልቢ ንእተሰላስሎም ዝተፈላለዩ ንጥፈታት ምክትታልን ይጠቅም፣ ዋሕዲ ናይዚ ኣገዳሲ ባእታ ዝኾነ ካልስዩም ግዳይ ዝተፈላለዩ ሕማማት ክንከውንን ከም ‘ኦስተኦፕረሲስ’(ተሰባሪ ዓጽሚ) ን ‘ሂፖካልሰሚ’(ዘይንቡር ዋሕዲ ካልስዩም ኣብ ደም - ኵሊት ብግቡእ ክትዓዪ ዘይምኽኣል ወይ ሕጽረት ቫይታሚን ዲ) ከጋጥመና ይዕድም፣ ኣስከሬን ህይወታውያን ድሩቕነት ዝህልዎ። እንቋቝሖ ኣዕዋፍን ከም ናይ ኣረነ ዝኣመሰለ ሽፋን እንስሳታትን ዝተሩን ድማ ካልስዩም ካርቦኔይት ስለዘለዎም’ዮም፣ ንዕቤት

ኢንዱስትርያዊ ጥቕሚ[ኮድ ኣመዓራርይ]

ዘይሓጺናውያን ባእታታት ምጽራይ ከምዘድልዮም ይፍለጥ፣ እዚ ናይ ምጽራይ መስርሕ ከኣ ብሓገዝ ካልስዩም ይፍጸም፣ ካልስዩም ንኦክስጅንን ሳልፈርን ሓያል ስሕበት ኣለዎ፣ ስለዚ። ካብ ሓያለይ ሓጺናውያንን ዘይሓጺናውያንን ባእታታት ኦክስጅን። ሳልፈርን ካርቦንን ንምእላይ ይጠቅም፣ ብዘይካ’ቲ ኣብ ምትራር ዓረር(ሊድ) ዘለዎ ኣበርክቶ ናይ ኣለሚንዩም። በሪልዩም። ነሃሲ። ዓረርን ማግኒዝዮም ሕዋስ ብረታት ኣብ ምስራሕ’ውን ይጠቅም’ዩ፣ ኣብ ምፍራይ ኖራ። ሕጡብ። ሲሚንቶ። ጥርሙዝ። ቀለም። ወረቐት። ሽኮር። መሬጸን ወዘተ. ድማ ቀንዲ ባእታ’ዩ፣ ዝተፈላለዩ ውሁዳት ካልስዩም ኣብ ዝተፈላለዩ ዓይነታት መግቢ። ፋርማቻውን መድሃኒታውን ኢንዱስትሪ ጠቐምቲ እዮም፣ ‘ኦይስተር’ ከም መግቢ እንስሳታት ኣገዳስነት ዘለዎ ብካልስዩም ካርቦኔት ዝተተኽተኸ ብምዃኑ’ዩ፣ ጸባ ቀንዲ ምንጪ ካልስዩም ብምዃኑ ብዝተፈላለዩ ዓይነትት መግቢ ተመስሪሑ ይቐርብ ኣሎ፣