ተጋሩ
መልክዕ
ህዝቢ ትግራዋይ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ መበቆል ዝኾነ ሴሚቲክ ተዛረብቲ ሓበሻ ብሄር እዩ። ኣብ ጨንፈር ቋንቋ ሰሜን ኢትዮ-ሴማዊ ዝኾነ ኣፍሮኤስያዊ ቋንቋ ትግርኛ ይዛረቡን ብፊደላት ግዕዝ ዝተጻሕፈን ከም ቀንዲን ሓደ ካብቶም ሓሙሽተ ወግዓውያን ቋንቋታት ኢትዮጵያ ኮይኑ የገልግል። ትግርኛ እውን ቀንዲ ቋንቋ ናይቶም ኣብ ኤርትራ ዝነብሩ ህዝቢ ትግርኛ እዩ።
ብመሰረት ሃገራዊ ቆፀራ ህዝቢ 2007 ዓ/ም ተጋሩ ኣስታት 4,483,000 ውልቀ ሰባት እንትኾኑ ኣብቲ እዋን ካብ ዝነበረ ጠቕላላ ብዝሒ ህዝቢ ኢትዮጵያ 6.07% እዩ።[ምንጪ ኣብዚ ዘድሊ እዩ]