ስነ-ኮኾብ

ካብ ዊኪፐድያ፣ ናጻ ኢንሳይክሎፐድያ
(ካብ አስትሮኖሚ ተሰጋጊሩ)

ስነ-ኮኾብ (አስትሮኖሚ) ናይ አፅናፈ ዓለምን አብ ውሽጡ ዝርከቡ ነገራትን ዘፅንዕ ናይ ምርምር ክፋል እዩ። አስትሮኖሚ ዘፅንዕ ስብ አስትሮኖመር ተባሂሉ ይፅዋዕ። አስትሮኖመራት ዝርኤ ብርሃን ጥራይ ዘይኮነ ከም ናይ ሬድዮ ሞገዳት ዝአመሰሉ ዘይረአዩ ናይ ሓይሊ ዓይነታት ብዝርኢ ተለስኮፕ ዝተባህለ መሳርያ ን ሰማያት የጽንዑ። አብ ቀረባ ዝርከቡ ከም ጸሓይ (ምልክት: ☉)፣ ፕላነትትን (☿ ♀ 🜨 ♂ ♃ ♄ ⛢ ♆)፣ ኮመትትን (☄)፣ ከምኡውን አዝዮም ርሑቕ ዘለዉጋላክሲ ዝተባሃሉ ናይ ጠፈር አካላትን ካልኦት አብ አዝዩ ርሑቕ ቦታ ዝርከቡ ናይ ጠፈር አካላት ብዑምቀት የፅንዑ።