ኣነባብራ

ካብ ዊኪፐድያ፣ ናጻ ኢንሳይክሎፐድያ

ኣነባብራ ኣናብስ ከም ሓደ ዓቢ ስድራ-ቤት ኰይኖም ኢዮም ዚነብሩ። ሓንቲ ጕጅለ ወይ ዕስለ ካብ 20 - 30 ዚዀኑ ኣናብስ ይህልዉዋ። ሓደ ተባዕታይ ጥራይ ከኣ ይህሉዋ። ኣብ ገሊአን ጕጅለታት ግን ክሳብ ኣርባዕተ ተባዕትዮ ኪርከቡ ይኽእሉ። እዚኣቶም ግን ወይ ኣሕዋት ወይ ከም ኣሕዋት ኰይኖም ዚነብሩ ኢዮም። እቲ መራሒ ግን ኵሉ ግዜ ሓደ ኢዩ። እቶም ካልኦት ናቱ ተኣዘዝቲ ኢዮም።

ኣንበሳ ነቲ ሕዙእ ቦታ ናይ'ታ ወገኑ ኣጽኒዑ ይሕዝ። ካልእ ተባዕታይ ኣንበሳ ኣብ'ቲ ቦታኡ ኪኣቱ ኣይፍቀደሉን። እተን ዋዕሮታት እንተዀና'ውን ካልኦት ዋዕሮታት ኪኣትወአን ኣይፈቕዳን። እንተ ኣትዮሞም ግን ዓቢ ባእሲ ይልዓል። ክሳዕ ዚዳኸሙ ከኣ ይቃለሱ። ሽዑ እቲ ዝሰዓረ ነታ ዕስለ ይውንና፡ እቲ ዝተሳዕረ ኣንበሳ ከኣ ካብኣ ይስጐጕ።