ገለ መግለጽታት ቃላት

ካብ ዊኪፐድያ፣ ናጻ ኢንሳይክሎፐድያ

ገለ መግለጽታት ቃላት:

ካልኣይ ቋንቋ - እቲ/እቶም ድሕሪ ቀዳማይ ቋንቋ ዚውሃብ/ቡ ቋንቋ/ታት ኢዩ/ዮም። ኣብ መንጎ ቀዳማይን ካልኣይን ቋንቋ ዘሎ ዶብ ንምፍላይ ኵሉግዜ ቀሊል ኣይኰነን። ገና ብቘልዓኡ ተወሳኺ ቋንቋ ንዝተማህረ ቈልዓ ብዚምልከት፡ እቲ ቘልዓ ክልተ ቀዳሞት ቋንቋታት ኣሎዎ ኪብሃል ይክኣል።

ቀዳማይ ቋንቋ - እቲ/እቶም መጀመርታ እቲ ቘልዓ ዚምሃሮ/ም ቋንቋ/ ታት ኢዩ/ዮም።

ቋንቋ ሃገር - እዚ ኣምር’ዚ፡ ምስ’ቲ ብ1977 ኪትኣታተው ዝጀመረ ጽገና ቋንቋ-ሃገር ዝተባህለ ተተሓሒዙ ዝቘመ’ዩ። "ትምህርቲ ቋንቋ-ሃገር" ሕጂ "ትምህርቲ ቋንቋ-ኣደ" ተባሂሉ ይጽዋዕ ኣሎ። ሓደ ካብ ወለዲ ወይ መጕ ዚት፡ ቋንቋ-ኣደኦም ዘይሽወደን ምስ ዚኸውን፣ እሞ መዓልታዊ ምስ ውላ ዶም በቲ ቛንቋ’ቲ ዚዛረቡ ምስ ዚዀኑ፣ ቈልዑ ትምህርቲ ቋንቋ-ኣደ ኪወስዱ መሰል ኣሎዎም።

ቋንቋ ብዙሓን - እቲ ዝዓበየን ዓብላልን ቋንቋ ናይ’ታ ሃገር። ኣብ ሽወ ደን ቋንቋ ሽወደን’ዩ ቋንቋ-ብዙሓን።

ቋንቋ ውሑዳን - እቶም ብገለ ክፋላት ናይ’ቲ ህዝቢ ዚዝረቡ ቋንቋታት። ኣብ ሽወደን ሓሙሽተ ወግዓውያን ቋንቋታት-ውሑዳን ውሽጢ-ሃገር ኣለዉ፡- ፊንላንዳዊ፡ ዪዲሽ፡ መአንኬሊ፡ ሮማኒ ቺብ፡ ሳሚ። ካልኦት፡ ሓደስቲ እታው ዚዛረቡሎም፡ ኣዝዮም ብዙሓት ቋንቋታት-ውሑዳን፡ ከም ዓረብ፡ ዳንማርክ፡ ኩርድ፡ ፐርስያዊ፡ ቱርኪ፡ ሶማል ዝኣመሰሉ ድማ'ለዉ።

ቋንቋ ኣደ - ሰፊሕ ኣምር ኰይኑ፣ ኣውራ ግን እቲ/ቶም ኣብ ቤት ዚጽ ናዕ/ንዑ ቀዳማይ/ሞት ቋንቋ/ታት ማለት’ዩ።

ድርብ ቋንቋነት - ንኽልተ ወይ ዝያዳ ቋንቋታት፡ ብድምር ንምግላጽ እንጥቀመሉ’ዩ።