ተጠቃሚ:LNF-MGL1

ካብ ዊኪፐድያ፣ ናጻ ኢንሳይክሎፐድያ

[1][2][3][4][5]ንሕና ግና ነቲ ንኣይሁድን መዓንቀፊ፡ ነህዛብን ዕሽነት ዝዀነ እተሰቕለ ክርስቶስ ንሰብኽ ኣሎና።

                                                     LNF-MGL1
  1. ስምኦን ከኣ ባረኾም፡ ነዲኡ ማርያም ድማ፥ እንሆ፡ እዚ ንብዙሓት ኣብ እስራኤል ንምዳቖምን ምትንሳኦምን ንትእምርቲ ምጽራርውን ንቡር እዩ።
  2. ጥበብ ጠቢባን ከጥፍእ እየ፡ ምስትውዓል እቶም ኣስተውዓልቲውን ከፍርስ እየ፡ ዚብል ጽሑፍ እዩ እሞ፡ ቃል መስቀል ነቶም ዚጠፍኡ ዕሽነት እዩ፡ ንዓና ንንድሕን ግና ሓይሊ ኣምላኽ እዩ።
  3. እቲ ስጋዊ ሰብ ነቲ ኣብ መንፈስ ኣምላኽ ዘሎ ኣይቅበሎን፡ ብመንፈስ ዚምርመር ስለ ዝዀነ፡ ንእኡ ዕሽነት እዩ እሞ፡ ኬስተውዕሎ ኣይከኣሎን እዩ።
  4. ኣብቲ መዝገብኩም ዘለዎ ኣብኡ ድማ ልብኹም ይኸውን እዩ እሞ፡ ጥሪትኩም ሽጡ ምጽዋትውን ሃቡ፡ ሰራቒ ኣብ ዘይቀርቦ፡ ነቐዝ ኣብ ዘየጥፍኦ ዘይበሊ ማሕፉዳን ዘይጐድል መዝገብን ኣብ ሰማይ ዕቘሩ።
  5. ስለምንታይ፧ ከመዮ፡ እንሆ፡ ኣብ ጽዮን እምኒ መዓንቀፍን ከውሒ መንሳተትን ኤንብር ኣሎኹ፡ ብእኡ ዚኣምን ከኣ ኣይኪሐፍርን እዩ፡ ዚብል ጽሑፍ ዘሎ፡ ካብ ግብሪ እምበር፡ ካብ እምነት ስለ ዘይደልይዎ፡ ብእምኒ መዓንቀፊ ተዓንቀፉ።