ራሰል ዶሚኒክ ፒተርስ

ካብ ዊኪፐድያ፣ ናጻ ኢንሳይክሎፐድያ

ምሉእ ስሙ ፒተርስ ይበሃል። ብ29 መስከረም 1970 ካብ ኣቦኡ ኤሪክ ፒተርስን ኣዲኡ ኣውሪን ፒተርስን ኣብ ቶሮንቶ - ካናዳ ተወሊዱ። ኣብ ትምህርቱ ብሰንኪ ህንዳዊ መበቆሉ ኵሉ ግዜ ይጽረፍ ዝነበረ ራስል፡ መከላኸሊ ክዀኖ ብምባል ቦክሲንግ ከም ዝተማህረ እዩ ዝሕብር። ራሰል፡ ኣብ 1990ታት ፍሉጥ ዲጄይ ናይ ቶሮንቶ ከም ዝነበረ’ውን ይፍለጥ። እዚ ሕጂ ስሙ ሰማይ ኣዕሪጉዎ ዘሎ ሞያ ኮሜዲ፡ ኣብ 1989 ኣብ ቶሮንቶ እዩ ጀሚርዎ። ኣብ 1992 ነቲ መምህረይ ኢሉ ዝሰምዮ ጆርጅ ካርሊን ረኸቦ’ሞ፡ ነታ “ኣብ ዝኾነ ግዜን ቦታን ኣብ መድረኽ ደይብ፡” እትብል ምኽሩ ኣብ ልቡ ሓዛ። ኣብ ዝገበሮም ቃለ-መሕትታት እውን ምኽሪ ናይ ካርሊን ብዙሕ ከም ዝሓገዘቶ እዩ ዝዛረብ። ራሰል፡ ኣብ 2004 ኣብ ቴለቪዥን ካናዳ ዘቕረባ ምርኢት ኣብ መርበብ ሓበሬታ ‘ዩትዩብ’ ምስ ተዘርግሐት ብዝያዳ ተፈላጥነት ከጥሪ ከኣለ። ቀጺሉ ኣብ 2007 ኣብ ካናዳ ኣብ ዝገበሮ ምርኢት ልዕሊ 30 ሽሕ ትኬት ተሸጠ’ሞ፡ ብብዝሒ መሽጣ ትኬት ኣብ መላእ ካናዳ ዓቢ ስም ክሕዝ ከኣለ። ቀጺሉ’ውን ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ምርኢት ዘካየደ ራሰል፡ ዝለዓለ ቁጽሪ ተዓዘብቲ ክረክብ ብምኽኣሉ ኣብታ ሃገር ክብረ-ወሰን ክሰብር ከኣለ። ኣብ ኣውስትራልያ ዘቕረቦ ምርኢት’ውን ዝለዓለ ቁጽሪ ተዓዘብቲ ስለ ዝረኸበሉ፡ ዓቢ ስም ኣትረፈ። ብመሰረት መጽሔት ‘ፎርክስ’፡ ካብ ሰነ 2009 ክሳብ ሰነ 2010 ኣስታት 15 ሚልዮን ዶላር ዘእተወ ራሰል፡ ምስ’ቶም ኣብ ዓለም ዘለዉ ኮሜድያውያን ክወዳደር እንከሎ ካብቶም ዝለዓለ ኣታዊ ዝግሕጡ እዩ። ብዘይካ’ዚ፡ ኣብ 2008 ልዕሊ 5 ሚልዮን ዶላር ብምእታዉ፡ ዝለዓለ ኣታዊ ዝረኸበ ኮሜድያን ተባሂሉ ብፍሉይ ተጠቒሱ እዩ። ናይ ዝተፈላለዩ ኣህዛብ ኣዘራርባን ኣደማምጻ ቃላትን ዝኽእል ራሰል፡ ዝበዝሐ ስርሓቱ ኣብ ዓሌት፡ ብሄርን ባህላዊ ልምድታትን ዘተኰረ እዩ። ናብ ጸርፊ ዘድሃበ ኮመድያዊ ስርሓት ስለ ዘቕርብ፡ ንብዙሓት ሰባት የቘጥዕ እዩ። ራሰል፡ ብ10 ሰነ 2010 ሞኒካ ዲያዝ ንዝተባህለት ጎርዞ ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ሎስ ኣንጀለስ ናይ መርዓ ሕቶ ኣቕረበላ። ድሕር’ዚ ኣብ ውሽጢ 10 መዓልቲ ስነ- ስርዓት መርዓ ፈጸሙ። ኣብ ታሕሳስ 2010 ድማ ክሪስትያን ሜሪ ፒተርስ ዝተባህለት ጓል ተቦኮረ። ኣብ 2006 ‘out sourced’፡ ኣብ 2008 ‘red white and brown’፡ ኣብ 2011 ድማ ‘the green cord tour’፡ ከምኡ’ውን ኣብ 2013 ‘notorious’፡ ኣብ 2016 ‘almost famous’ ዝተሰምያ ኣዝየን ፍሉጣት ስርሓት ራሰል እየን። ናብ ዓዲ-እንግሊዝ፡ ኣመሪካ፡ ኣውስትራልያ፡ ኒውዝላንድ፡ ኣየርላንድ፡ ኣፍጋኒስታን፡ ሽወደን፡ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ህንዲ፡ ፍሊፕንስ፡ ቬትናምን ካልኦት ሃገራትን ብምኻድ ኮሜድያዊ ስርሑ ኣብ መድረኽ ወጽዩ ዘቕረበ ራሰል፡ ሕጂ’ውን ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ብምኻድ ስራሑ ናብ ህዝቢ ኣብ ምቕራብ ከም ዝርከብ ይሕብር።