መጽሓፍ ቅዱስ
መጽሓፍ ቅዱስ ብእኩባት ቀንዲ ሃይማኖታዊ ጽሑፋት ናይ እምነት ኣይሁዳውያንን ክርስትናን ዝቖመ እዩ። ኣብ ታሪኽ መጽሓፍ ቅዱስ እታ ቀዳመይቲ ዝበዝሐት ዝተሸጠት መጽሓፍ እያ።
ትሕዝቶን መስርዕን መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዝተፈላለየ ስለ ዝኾነ፥ ሓንቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ የላን። ታናኽ (tanakh)፥ መጽሓፍ ቅዱስ ናይቶም ቀንዲ ኣይሁዳውያን ኣብ 24 መጽሓፍቲ ይምቀል። ሳምራውያን ዝበሃሉ ውሑዳት ክፋል ኣይሁድ ግና 5 መጽሓፍቲ ጥራይ ኣለዎም። እተን 24 ጽሑፋት ኣይሁዳውያን ኣብ 39 መጽሓፍቲ ተመቒለን ንናይ ክርስትያን ብሉይ ኪዳን የቑማ። ቁጽሪ ምሉእ ጽሕፋት ናይ ክርስትና መጽሓፍ ቅዱስ፥ ካብ 66 መጽሓፍቲ ናይ ወንጌላውያን፥ ክሳዕ 81 መጽሓፍቲ ናይ ኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ተዋሃዶ ቤተ ክርስትያን ይፈላለ።
መጽሓፍ ቅዱስ ኣይሁድን ክርስትናን [edit]
መጽሓፍ ኣይሁድ ታናኽ፥ ኣብ ሰለስተ ክፋላት ይምቀል። (1) ሓሙሽተ መጽሓፍቲ ሕጊ (torah)፥ መጀመርታ ታሪኽ እስራኤላውያንን ሕጎምን፥ ኪዳን ምስ ኣምላኽ እስራኤልን ይሕዛ። (2) Nevi'im (ነብያት) ናይ ጥንቲ ታሪኽ እስራኤልን ይሁዳን ስራሕ ነብያትን። (3) Ketuvim (ጽሑፋት) ግጥምታትን ናይ ፍልጠት ጽሑፋትን፥ ከም በዓል መዝሙር ዳዊትን እዮብን።
ናይ ሃይማኖት ክርስትና መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ክልተ ይምቀል። ቀዳማይ ብሉይ ኪዳን ኮይኑ 39 መጽሓፍቲ ናይ እብራይስጢ ጽሑፋት ይሕዝ፡ ካልኣይ ከኣ ሓድሽ ኪዳን ኮይኑ 27 መጽሓፍቲ ድማ ኣለዎ። ወንጌላት፥ ቀዳሞት ኣርባዕተ መጽሓፍቲ ሓድሽ ኪዳን፥ ብዛዕባ ህይወት ክርስቶስ የዘንትዋ። ንሰን መሰረት እምነት ክርስትና እየን።
ወላ'ኳ ጽሑፋት መጽሓፍ ቅዱስ ኣይሁድ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ክርስትና 'ተሃለዋ፥ መስርዐን ዝተፈልየ አዩ። እቲ ናይ ኣይሁድ ጽሑፍ ብምምላስ ህዝቢ እስራኤል ናብ የሩሳሌምን ናብ ቤት መቕደስን ይውዳእ፥ መወዳእታ መጽሓፍ ኣብ ብሉይ ኪዳን ክርስትና ግን ትንቢት ሚልክያስ እያ።
ካብቲ ኣብ ቀደም ዝተጻሕፈ እሞ ክሳዕ ሕጂ ጸኒሑ ዝተረኽበ ጽሑፋት መጽሓፍ ቅዱስ ክርስትና፥ ኣብ ራብዓይ ክፍለ ዘመን ብቛንቃ ግሪኽ ዝተጻሕፈ እዩ። ክሳዕ ሕጂ ዝጸንሐ ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይሁድ ከኣ ብቛንቃ ግሪኽ ዝተቶርጎመ ካብ ራብዓይ ክፍለ ዘመን ኣትሒዙ ዝጸንሐ እዩ። ዝነውሐ ዝጸንሐ ምሉእ ጽሑፍ: ክፋል ናይቲ ቀንዲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይሁድ ተባሂሉ ዝሕሰብ፥ ማለት ልክዕ ናይ መጀመርታ ቃላት ዝሓዘ፥ ክሳዕ ፍርቂ ክፍለ ዘመን ይግምገም።
ድሕሪ ምምስራት ሃይማኖት ክርስትና ብቀዳማይ ክፍለ ዘመን፥ ኣብተን ቀዳሞት ሰለስተ ክፍለ ዘመናት፥ ሽማግለታት ኣብያተ ክርስትያናት ናይ ወንጌል ጽሑፋትን መልእኽትታት ሃዋርያትን ኣኪቦም ነዚ ሕጂ ሓድሽ ኪዳን ተባሂሉ ዝፍለጥ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ክርስትና ኣቖሙ። ብኸምዚ ዝተገልጸ መሰረት ብሉይ ኪዳንን ሓድሽ ኪዳንን ብምሕባር መጽሓፍ ቅዱስ ይበሃል። ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ክርስትያናዊ ሃይማኖታት ኣይኖት ጽሑፋት ኣብ ብሉይ ኪዳን ክጽምበራ ከም ዘለወን ወይ ቀንዲ ቅዱሳት ጽሑፋት ዝቑጸራ ክርክር ኣሎ። ወንገላውያን ነቲ ናይ እብራይስጢ መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ ከም ቀንዲ (ቆነኔ) ይቕበልዎ፡ ሮማዊት ካቶሊኽን ምብራቓዊት ኦርቶዶክስን ግና ካልኦት መጽሓፍትን (deuterocanonical books) ከምኡ ውን እኩባት መጽሓፍቲ ኣይሁድን ከም ቀንዲ ቆነናዊ ጽሑፋት ይቕበልወን። ንሓድሽ ኪዳን ዘቑማ መጽሓፍቲ እዘን ዝስዕባ እየን፤ ኣርባዕተ ወንጌላት፡ ግብሪ ሃዋርያት፡ መልእኽትታት ከምኡ ውን ትንቢት የውሃንስ እየን።