ብዮሃና ፍስሃየ

ካብ ዊኪፐድያ፣ ናጻ ኢንሳይክሎፐድያ

ብዮሃና ፍስሃየ:

ሓደ መዓልቲ ሓንቲ ማንቲል ካሮቲ ክትደሊ ወጺኣ።

ሽዑ ሓደ ጐብየ ረኺባ።

ጐብየ - እንታይ ትደልዪ ኣለኺ?

ማንቲለ - ኣይግድሸካን ኢዩ!

ጐብየ - ካሮቲ ምሽ! ክትቅልጥፊ ኣለኪ!

ማንቲለ - ንስኻ ትቕልጥፍ ማለት ድዩ? ክንወዳደር ጽባሕ ሰዓት ሰለስተ ኣብዚ ንራኸብ።

ጐብየ - ሕራይ!

ንጽባሒቱ ንግሆ ጐብየ ተሲኡ ስፖርት ጌሩ፡ ማንቲለ ግን ደቂሳ ስለ ትስዕር መሲሉዋ። ሰዓት ሰለስተ ምስ ኮነ ተራኺቦም። ማንቲለ ኩለን ትፈልጠን ማንቲለታት ኣምጺኣተን፡ መታን ምስ ደኸመት ክሕግዛኣ። ኩለን ማንቲለታት ድሕሪ ስንጽሮታትን ገረብን ተሓቢአን መታን ጐብየ ከይርእየን።


ተዅላ ነቲ ቅድድም ጀሚሩሎም።

ተዅላ - ሰለስተ! ክልተ! ሓደ! ንቐሉ!

ሽዑ ነቒሎም። ኩለን ማንቲለታት እታ ሓንቲ ማንቲለ ክትመጽእ እናተጸበያ በብተራ ጐየን። ጐብየ ስቕ ኢላ ጐያ ጐያ። ኩለን ማንቲለታት በብተራ ምስ ጐየያ እታ ሓንቲ ጠፊኣ። ሽዑ ጐብየ ሓሊፋተን ከይዳ። ስዒራ!