ነብርን ወኻርያን

ካብ ዊኪፐድያ፣ ናጻ ኢንሳይክሎፐድያ

ኣሰላሙዓለይኩም ወራሕመቱላሂ ወበረካትሁ!!

ዓቒዳ/እምነት

ፍትዋት ሙእሚኒን የሕዋተይ ሎምዓንቲ መሰረታውያን ዓንድታት እምነት (ኢማን) ኣብ እስልምና ክንርኢ ኢና፣ እቶም እምነ-ኩርናዕ እስልምና ዝኾኑ ሽዱሽተ ዓንድታት እምነት እዞም ዝስዕቡ ኢዮም፥ እምነት ብሓደ ኣላህ እምነት ብመላእኽቱ እምነት ብመጻሕፍቱ እምነት ብልኡኻቱ (ነቢያቱ) እምነት ብመወዳእታ መዓልቲ (ብህይወት ድሕሪ ሞት) ከምኡ ድማ እምነት ብቕድመ-ድንጋጌ (ሕማቕን ጽቡቕን ኩሉ ብፍቓድ ኣላህ ከም ዝፍጸም ምእማን ዝብሉ ኢዮም፣) ቀጺልና ሓደ ብሓደ ንርኣዮም፥

  • 1. እምነት ብ ሓደ ኣላህ

እቲ ነቢይ ሙሓመድ (ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም) ዘመሓላለፎ ቀንድን መሰረታውን ምህሮ “እምነት ኣብ ሓደነት ኣላህ” ኢዩ፣ እዚ ኣምር’ዚ ብኢስላማዊ ቛንቛ “ተውሒድ” ተባሂሉ ይፍለጥ፣ እምነ-ኩርናዕ ናይ ድሕነት ካብ ጀሃነም ድማ ኢዩ፣ ሓደነታዊ ኣምልኾ ኣላህ ክበሃል ከሎ ንኣላህ ብዘይ ዝኾነ ዓይነት ወሰኽ ንውልቁ ምምላኽ ማለት ኮይኑ፤ “ ኢስላማዊ ከሊማህ ” ተባሂሉ ድማ ይፍለጥ።

ኢስላማዊ ከሊማ ነቲ “ላኢላሃ ኢላ’ላህ” ዝብል ኣምር ዝውክል ኮይኑ፡ ብትግርኛ ክንትርግሞ ከለና፡ “ብዘይካ ሓደ ኣላህ ካልእ ኣምላኽ የለን” ማለት ኢዩ፣ እዛ ምዕርግቲ ሓረግ እዚኣ ዓንዲ ሕቖ ናይ እስልምና እያ፣ እዛ ከሊማ እዚኣ ከኣ ንእምነትን ክሕደትን ኣላህ ብንጹር እትፈሊ ዶብ’ያ ክትበሃል ትከኣል፣ በዛ ኢስላማዊት ከሊማ ብምእማን ኣብ ዓለምን ድሕሪ ሞት ዘሎ ህይወትን ዓወት ምጉንጻፍ ይከኣል፣ ነዚኣ ኣዝያ ውቕብቲን ረዛንን ሓረግ ምንጻግ ድማ ብዓቢኡ ነቲ ዘልኣለማዊ ህይወት ምኽሳርን ኣብ ገሃነም-እሳት ምንባርን የኸትል፡

እዛ ከሊማ ንእምነትን ክሕደትን እትፈላሊ ዶብ’ያ ካብ በልናያ፡ ብዘይ ኣፍልጦ “ለለ…” ናይ ዝበልካ ግን ኣይኮንን፣ ነቲ ሰረተ-እምነት ብንቕሓት ምቕባልን ኣብ ግብራዊ ህይወትካ ብምልኣት ምስዓብን የድሊ፣ ምኽንያቱ “መግቢ” “መግቢ” ኢልካ ብቃልካ ናይ ዝደጋገምካ ጥራሕ ጥምየትካ ኣይዕንገልን ኢዩ፣ ወይ ስም መድሃኒት ፈውስኻ ብቃልካ ብምጥቃስ ጥራሕ ካብ ሕማምካ ክትሓዊ ኣይትኽእልን ኢኻ፣ ብተመሳሳሊ እዛ ከሊማህ እዚኣ ጽቡቕ ጌርካ ክሳዕ ዘይተረዳእካያ እቲ ዘድሊ ለውጢ ኣብ ህይወትካ ከተምጻልካ ኣይትኽእልን ኢያ፣ ለውጢ ክመጽእ ዝኽእል ንሙሉእ ትርጉም ናይቲ ሰረተ-እምነት ብምጭባጥ ብቃልን መንፈስን ምስ እትትግብሮ ጥራሕ ኢዩ።

ሓዊ ከም ዘቃጽል ስለ እንፈልጥ ካብኡ ንርሕቕ፣ መርዚ ከምዝቐትል ስለ እንርዳእ ካብኡ ንኽልከል፣ ብተመሳሳሊ ንተውሒድ (ኣምልኾ ሓደ ኣላህ) ብግቡእ ብምርዳእ፤ ክሕደት፡ ኢ-ዚሄርነትን ብዙሐ-ዚሄርነትን ከነወግድ ንኽእል፣ ዝርዝራዊ ትርጉም ኢስላማዊ ከሊማህ ብቋንቛ ዓረብኛ “ኢላህ” ማለት እቲ ኣምልኾ ወይ መግዛእቲ ዝግበኦ ማለት ኢዩ፣ ኣላህ ድማ ውልቃዊ ስም ናይ ኣምላኽ ኢዩ፣ በቲ ደርማሳዊ ሓይሉን ዕብየቱን ተደሪኽና ብትእዛዙ መሰረት ብትሕትና ንሰግድን ንምብርኸኽን፣ ኢላህ ዝብል ኣምር ነቲ ዘይጽንቀቕ ሓይሊ ዘለዎ ጎይታ ዘመልክት ኮይኑ፡ ኩሉ ፍጡር ዘበለ ናብኡ ይጽጋዕን ይምርኮስን፣ ንዑኡ ግን ናይ ዝኾነ ኣካል ደገፍ ኣየድልዮን፣ ነቲ ኢላህ ዝብል ኣምር ዝእምቱ ኣብ ካልኦት ቋንቋታት’ውን ይንጸባረቁ ኢዮም።

ንኣብነት ብ ቋንቋ ፐርሺያ “ኩሑዳ”፡ ብህንዲ “ደቫ”፡ “ጋድ” ድማ ብእንግሊዘኛ። ኣብ ታሪኽ ደቂስብን ጥንታዊ ቅርስታትን ተሞርኪስና ምስ እንምርምር፡ ኩሎም እቶም ዝሓለፉ ኣህዛብ ዘምልኽዎ ኣምላኽ ወይ ኣማልኽቲ ነይርዎም ኢዩ፣ ካብቲ ድሑር ዝበሃል ፍልማዊ ሕብረተሰብ ክሳዕ እዚ ሕጂ ዘለናዮ ኣመና ዝሰልጠነ ሕብረተሰብ። ነናቱ ዝኣምነሉ ኣምላኽ/ኣማልኽቲ ዘይነበሮ የለን፣ ንሓደ ነገር ኣምላኽካ ጌርካ ንዑኡ ምስጋድ ካብ ጥንቲ ምስ ውሽጣዊ ባህሪ ወዲሰብ ተተሓሒዙ ክኸይድ ዝጸነሐ ኢዩ፣ ከምኡ ክገብር ዝድርኾ ኣብ ውሽጣዊ መንፈሱ ገለ ነገር ከምዘሎ ኢዩ ብተመራመርቲ ዝሕበር።

ካብቲ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስናዮ ተበጊስና ሓደ ሕቶ ክንሓትት ንኽእል፣ እቲ ጥንታዊ ወዲሰብ ዘምልኾ ኣምላኽ ንኽገብር ዝገብሮ ዝነበረ ውሽጣዊ ድሪኺት እንታይ ኮን ነይሩ ይኸውን?

ሎሚ ቦታ ወዲሰብ ምስቲ ተመራመርቲ መጀመርታን መወዳእታን ዘይብሉ ኢሎም ዝገልጽዎ ኣዝዩ ሰፊሕ ኣድማስ ብምንጽጻር እንተሪኢናዮ እቲ መልሲ ብሩህ ይኸውን፣ ወዲሰብ ይኹን ባህሪ ፍጹማት ኣይኮኑን፣ ሰብ ሓይሉ ውሱን፡ ድኹም፡ ድኻን በተኽን ኢዩ፣ ነታ ናብርኡ ጥራሕ ኣብ ኣዝዩ ብዙሕ ረቛሒታት ይሙርኮስ፣ እዞም ንናብርኡ ዘገድሱ መሰረታውያን ነገራት ንባዕሎም ኣብ ሓደ ግዜ ክርከቡ ኣይክእሉን፣ ምናልባት ሓደ-ሓደ እዋን ብቐሊልን ባህርያውን መንገዲ ኣብ ኢዱ ክኣትዉ ይኽእሉ ይኾኑ፣ ሓደ-ሓደ ግዜ ግን ኣመና ኢዮም ዝሕረምዎ፣ ክረኽቦም ዝቃለስ ኣገደስትን ጠቐምትን ነገራት ብርግጽ ኣለዉ፣ ይኹን’ምበር ኩሉ ኣብ ኢዱ ስለዘይኮነ ሓደ ግዜ ይዕወተሎም ሓደ ግዜ ድማ ይኸስሮም፣ ክከላኸሎም ዘይክእል ኣመና ጎዳእቲ ኣጋጣሚታት ውን ኣለዉ፣ ናይ ሙሉእ ዕድሚኡ ስራሕ ኣብ ሓጸርቲ ካሊእታት ክዓኑ ይኽእል፣ ዕድሉ ኣብ ዘይደልዮን ዘይተጸበዮን ሰዓት ብሃንደበት ሞት ተምጻሉ፣ ብዘይክኡ ሕማም፡ ስቅያትን ባህርያዊ ሓደጋታትን ንሓጎሱ ብምጽራር ይሻመዉዎ፣ ካብዚ ኩሉ ክናገፍ እኳ እንተተቓለሰ ምስ ዓወትን ውድቐትን ኢዩ ዝጋጠም።

ብዕብየቶምን ምዕሩግነቶምን ጥራሕ ዘርዕድዎ፡ ዓበይቲ እምባታት፡ ወሓይዝ፡ ገዘፍቲ እንስሳታትን ብዙሓት ካልኦት ነገራትን ኣለዉ፣ ብምንቅጥቃጥ መሬትን ማዕበላትን ይፍተን፣ ልዕሊኡ ቁሊሕ እንተበለ ድማ ደበናታት ሰማይ እናተኣኻኸቡን እናጸለሙን ከለዉ ይርእዮም፣ ከቢድ ድምጺ ነጎዳን ንጸልማት ዝቐድድ በርቅን ይዕዘብ፣ ዕልቕልቕ ዘኸትል ዝናብ ይመጾ፣ ናብ ጸሓይ፡ ወርሒን ከዋኽብትን ድማ የቃልብ፣ ወትሩ ከኣ ኣብ ርጉእን ቀጻልን ምንቅስቃስ ይረኽቦም፣ ማዕረ ክንደይ ዓበይቲ፡ ሓያላትን ውቁባትን ምኻኖም ይግንዘብ፣ ምስ’ቶም ዝዕዘቦም ኣካላት ባህሪ ብምውድዳር ናቱ ቦታን ዓቅምን ኣዝዩ ንእሽቶ ምዃኑ ኣጸቢቑ ይርዳእ፣ እዞም ክስተታት እዚኦም ብሓደ ሸነኽ፡ ንቕሓቱ ድማ ብኻልእ ሸነኽ ንድኹምነቱ፡ ትሑትነቱን ሓጋዚ ኣልቦነቱን የዘኻኽርዎ፣ ጥንታዊ ሓሳብ ኣምልኾ እምበኣር ካብዚ ምንጪ’ዚ እንተተበገሰ ዘይባህርያዊ ኣይኮነን፣ ኣብቲ መጀመርታ ምንጪ ሓይሊ ናይቶም ብዓይኑ ዝርእዮም ዝጠቕምዎን ዝጎድኡዎን ዓበይቲ ክስተታት ካብ ገዛእ ርእሶም ስለዝመስሎ፡ ነዐኦም ኣማልኽቱ ጌሩ ይወስዶም፣ ስለዝኾነ ንኣግራብ፡ እንስሳታት፡ ወሓይዝ፡ እምባታት፡ እሳት፡ ዝናብ፡ ኣየር (ንፋስ)ን ካልኦት ፍጥረታትን ከምልኽ ጀሚሩ፣ እዚ ብርግጽ እቲ ዝበኣሰ ዓይነት ድንቁርና ኢዩ ነይሩ፣ ምኽንያቱ ዝያዳ ክመራመር ምስ ጀመረ፤ እቶም ስልጣንን ሓይልን ኣለዎም ኢሉ ዝኣመነሎም ዓበይቲ ባህርይውያን ነገራት፤ ኣብ ካልእ ሓይሊ ከምዝሙርኮሱን ንገዛእ ርእሶም ክድግፉ ዓቕሚ ከምዘይብሎምን ከስተውዕል ኪኢሉ ኢዩ።

ምኽንያቱ እቲ ዓብን ሓያልን ዝበሎ እንስሳ ልክዕ ከምቲ ደቂቅ ጀርም ክመውት ከሎ ይርእዮ፣ ዓበይቲ ፈለጋት መሊኦም ዕልቕልቕ ክብሉ ከምዘይጸንሑ ምስ ግዜ ይነጽፉ፣ ፍርያምነት መሬት ኣብ ናታ ቁጽጽር ጥራሕ ዘይሙዃኑ፤ የግዳስ ኣብ ማይ ከምዝሙርኮስ፤ ማይ’ውን ንባዕሉ ኣብ ኣየር ከምዝሙርኮስ፤ ኣየር ድማ ከምኡ ኣብ ካልእ ጠንቂ ከምዝድገፍ ይበርሃሉ።

እቲ ኣብዚ ዝጠቐስናዮ ደረጃ ንቕሓት ዝበጸሐ ሓንጎል ወዲሰብ፤ እቶም ዝሓሰቦም ኣማልኽቲ ካብዘይኮኑ፤ ሓንጎሉ ናብ ካልኦት ተኽእሎታት ክጠውዮ ጀመረ፣ መለኮታዊ ባህሪ ዘለዎም ምስጢራውያን ሓይልታት ንዝተፈላለዩ ክስተታት ክቆጻጸሩ ስልጣን ከምዘለዎም ኣመነ፣ እዚ ካልእ ዓይነት ድንቁርና ብወገኑ ናብ ኣምልኾ ቁጽሪ ዘይብሎም ኣማልኽቲ ኢዩ ርዒሙ፣ “ኣምላኽ ጸሓይ”፡ “ኣምላኽ ወርሒ”፡ “ኣምላኽ ኣየር” ወ.ዘ.ተ.፣ ገሊኦም ድማ ነቲ ዝኣምኑሉ ኣምላኽ ዝውክል ቅርጻ ብምቕራጽ ነቶም ምልክታት ከምልኹ ጀመሩ፣ ገና ሕጂ’ውን እቲ ሓቂ ካብ ዓይኒ ወዲሰብ ተኸዊሉ ተረፈ።

ወዲሰብ ብትምህርትን ምዕባለን እናገስገሰ ክመጽእ ምስ ጀመረ፡ ንከባቢኡን ባህርያዊ ኩነታትን ኣጸቢቁ ክርዳእ ከኣለ፣ ንከባቢኡን ኣድማስን ብሓፈሻ ዝቆጻጸር ሓያል ሕግን ቁጽጽርን ከምዘሎ ድማ ኣመነ፣ ካብቲ ሕጊ ፈልከት ዘይብል ፍጹምን ምዕሩይን ምብራቕን ምዕራብን ጸሓይ፤ ኣብ ንፋሳት፡ ኣብ ዝናብ፡ ኣብ ምንቅስቓስ ከዋኽብትን ለውጥታት ወቕቲታትን፤ ኮታ ኣብ ኩሉ ስርዓታት ዝተፈላለዩ ሓይልታት ብዘደንቕ ውህደት ብሓባር ክዓዩ ከለዉ ተዓዘበ፣ እዚ ኣመና ዓቢን በሊሕን ሓይሊ፤ ንዝተፈላለዩ ጠንቅታት ኣድማስ ኣብ ሓደ ዝተደልየ እዋን ብሓባር ተዋሃሂዶም ብምስራሕ ዝተደልየ ውጺኢት ከተግብሩ ይገብሮም፣ ኩሉ ኣካላት ባህሪ ነቲ ሓደ ላዕለዋይ ሕጊ ተማእዚዙ ብምዕሩይ መንገድን ብዘይምቅይያርን ክኸይድ ዝገብሮ ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ከም ዘሎ። ወላ ነቲ ኣብ ብዙሓት ኣማልኽቲ ዝኣምን ሰብ ብሩህ ኮነ። …………………………… ይቕጽል……

2ይ ክፋል

ኣሰላሙዓለይኩም ወራሕመቱላሂ ወበረካትሁ!!

ዓቒዳ/እምነት 2ይ ክፋል.

እምባኣር ኩቡራት ሙእሚኒን የሕዋተይ ወዲ ሰብ ዋላ"ኳ ነዚ ካብ ኩሉ ዝዓበየ ኣምላኽ ብዝተፈላለየ ኣስማት ይጸውዓዮ ዳኣ’ምበር ካብ ጸላም ድንቁርንኡስ ገና ኣይተላቐቐን።

ምኽንያቱ ምስቲ ዓቢ ኣምላኽ ነቶም ዝተፈላለዩ ነኣሽቱ ኣማልኽቲ ምምላኽ’ውን ኣይቛረጸን፣ እቲ መሎኮታዊ ንግስነት ምስቲ መሬታዊ ንግስነት ሓደ ኢዩ ዝኸውን ኢሉ ገመተ፣ ስለዝኾነ ከምቲ ሓደ መራሒ ዝተፈላለዩ ሚኒስተራት፡ እሙናት መሻርኽቲ፡ ኣማሓደርትን ሰራሕተኛታት ቤት ጽሕፈትን ዝህልውዎ፤ ከምኡ ድማ ኣብ ትሕቲ’ቲ ላዕለዋይ ኣምላኽ ዝዓዩ ዝተፈላለዩ ነኣሽቱ ኣማልኽቲ ኣለዉ በለ፣ ብዘይናቶም ፍቓድን ቡራኴን ድልየቱ ዝረክብ ኮይኑ ስለዘይስመዖ፡ ነዓኣቶም ድማ ብማዕረ ኣምለኾም፣ ፍልጠት እናወሰኸ ብዝኸደ ግን በቶም ብዙሓት ሰብ-ሰርሖ ነኣሽቱ ኣማልኽቲ ዝነበሮ ዕግበት እናጎደለ ከደ፣ ብኡ መጠን ቁጽሪ ናይቶም ዘምልኾም ኣማልኽቲ እናቐነሶም ከደ፣ ኣብ መወዳእታ ነቲ ሓደ ዓቢ ኣምላኽ ጥራሕ ኣትረፈ፣ እዚ ኣብ መወዳእታ ዝማዕበለ ኣምር ኣምላኽ እወንታዊ እኳ እንተመሰለ፡ ገና ተረፍመረፍ ካብ ሕሉፍ ባእታታት ድንቁርና ግን ሓቚፉ ይርከብ፣ ገለ ህዝብታት ኣምላኽ ምስሊ ሰብ ዝሓዘ ኢዩ ይብሉ፣ ገሊኦም ድማ ኣምላኽ ብ ናይ ሰብ መልክዕ ናብ ምሬት መጺኡ ነይሩ፣ ካልኦት ከኣ ኣምላኽ ንኣድማስ ምስ ሃነጸ ኣዝዩ ስለ ዝደኸመ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ዕረፍቲ’ዩ ዘሎ ይብሉ።

ካልእ ጉጅለ ድማ ኣምላኽ ብሞንጎኝነት ቁዱሳት ሰባትን መላእኽትን እንተዘይኮይኑ ጾሎትን ምሕጽንታን ኣይሰምዕን፣ ገለ ድማ ባዕሎም ንዝቐረጽዎ ምስሊ ኣምላኽ ኣብ ቅድሚኦም ከይገበሩ ወይ ብእምሮኦም ነቲ ስእሊ ከይሓሰቡ ክጽልዩ ኣይክእሉን፣ ኣብዚ ብምህሮን ሓበሬታን ዝልለ ዘመን ድማ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሓሳባት ገና ብሰፊሑ እናተተግበሩ ይርከቡ ኣለዉ።

  • ተውሒድ (ኣምልኾ ሓደ ኣላህ ጥራሕ)

ብርግጽ እቲ ጥርዚ ናይ ኣፍልጦ ኣላህ ኢዩ፣ ኣላህ ንኩሎም ነቢያቱ ወይ ልኡኻቱ ብቐንዱ ተውሒድ ከስተምህሩ ኢዩ ልኢኽዎም፣ ኣፍልጦ ተውሒድ ሒዙ መጀመርታ ዝመጸ ኣቦና ኣዳም ነይሩ፣ ተመሳሳሊ መልእኽቲ ነናብ ህዝቦም ከብጽሑ ድማ ነቢይ ኑሕ/ኖህ፡ ኢብራሂም/ኣብራሃም፡ ሙሳ/ሙሴ፡ ዒሳ/ኢየሱስ ክርስቶስ (ናይ ኣላህ ሰላም ኣብ ልዕሊ ኩሎም ይውረድ) ካብ ኣላህ ተላኢኾም መጺኦም፣ ነዚ ትምህርቲ’ዚ ናይ መወዳእታ ቅርጹን መዕለቢኡን ከትሕዞ ድማ ነቢይ ሙሓመድ (ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም) ደምዳሚ ወይ ዛዛሚ ነብያት ኣላህ ብሙዃን ናብ መላእ ዓለም መጺኡ፣ ጽሩይ፡ ሓቐኛን ፍጹምን ኣምር ኣላህ ድማ ኣመሓላሊፉልና ኣሎ፣ ወዲሰብ ከሓዲ ፈጣሪኡ ዝኸውን ንምህሮ ናይቶም ዝሓለፉ ነቢያት ብምውንዛፍ። ኣብ ናይ ውልቁ ግጉይ ትንተናታት፡ ግምታትን ኣድልዎ ዘለዎ ኣተሮጓጉማን ምስ ዝሙርኮስ ጥራሕ ኢዩ።

ትርጉም ላ ኢላሃ ኢላ’ላህ ኣዝዩ ሰፊሕ ኢዩ። ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተገለጸ ግን “ብዘይካ ሓደ ኣላህ ካልእ ኣምላኽ የለን” ተባሂሉ ብሓጺሩ ክትርጎም ይኽእል፣ ስለዝኾነ ብዘይካ ኣላህ ሓደ’ኳ ፍጡር ወዲሰብ ይኹን ማተርያላዊ ነገር፡ ንክምለኽ ዝግበኦ መለኮታዊ ሓይልን ስልጣንን ዝውንን የልቦን፣ ኩሉ ፍጡር ዘበለ ጎደሎን ዘይሙሉእን ኢዩ፣ እቲ ክንኣምነሉ ዘለና ሓደ ኣምላኽ ግን ፍጹም ኢዩ፣ ንሱ መለኮታዊ መለለይታት ይውንን፣ ኣዛዚ ናይ ኩሎም ክስተታት ድማ ኢዩ።

ፈጣሪ ናይዚ ምዕሩግን ሰፊሕን ኣድማስ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ሓጋጊ ስርዓት ባህርን ተቖጻጻሪኡን ኣማሓዳሪኡን’ውን ኢዩ፣ ምስዚ ጎይታ ኩሉ እንርእዮን ዘይንርእዮን ዘበለ ፈጣሪ ዝዳረግ ሓደ’ኳ የለን፣ ኣብ ሞሎኮታውነቱ ዝኾነ መሻርኽቲ የብሉን፣ ነዚ ኣምላኽ’ዚ ኢና ንሕና ኣመንቲ እስልምና “ኣላህ” ንብሎ።

ብርግጽ ብዘይኩኡ ካልእ ኣምልኽ ብፍጹም የለን፣ ጽልዋ ተውሒድ ኣብ መነባብሮ ወድሰብ እስከ ሕጂ ቀጺልና ጽልዋ ናይዛ መሰረት እምነት እስልምና ዝኾነት ሓረግ ማለት “ላ ኢላሃ ኢላ’ላህ” ነስተውዕል፣ ብኣ ዝኣመነ ኣብ ዓለማዊ ህይወቱን ኣብቲ ድሕሪ ሞት ዘሎ ዘልኣለማዊ ህይወትን ዕዉት ኢዩ፣ በንጻሩ ካብቲ ሓቀኛ ኣምላኽ ወጻኢ ንካልእ ዘምለኸ ግን ክሳርኡ ኣብ ዓለም ጥራሕ ኣይኮነን።

  • 1. ኣማኒ ናይዛ ከሊማህ (ላ ኢላሃ ኢላ’ላህ) ጸቢብ ኣተሓሳስባ ዘለዎ ሰብ ኣይኮነን፣ ነቲ ሓቐኛን እንኮን ፈጣሪ ሰማያትን መሬትን ዝኾነ ጎይታ ኢዩ ዝኣምን፣ እወ ነቲ ጎይታ ምዕራብን ምብራቕን ዝኾነ ሓደ ኣላህ፣ ምንጪ ኩሉ ፍጥረት ካብ ሓደ ኣላህ ምዃኑ ስለ ዝኣምን ዝሕድሶ ነገር የለን፣ ተደናጋጽነቱ፡ ፍቕሩ፡

ሓልዮቱን ኣገልግሎታቱን ንሓደ ጸቢብ ጉጅለ ጥራሕ ዝጠመተ ኣይኮነን። ኣጠማምቱኡ ዓቢ፡ ደረት ንቕሓቱን ፍልጠቱን ድማ ከምቲ ንግስነት ኣላህ/ ኣምላኽ ሰፊሕ ኢዩ፣ እዚ ብልጫ’ዚ እቶም ጠቕላላ ኣብ ኣምላኽ ዘይኣምኑ፡ ኣብ ብዙሓት ኣማልኽቲ ዝኣምኑን ኣብ ካልኦት ፍጡራት ኣካላት ዝኣምኑን ክረኽብዎ ዘይክእሉ ዓቢ ብልጫ ኢዩ።

  • 2. ኣማኒ ላ ኢላሃ ኢላ’ላህ (ተውሒድ) ዝለዓለ ርእሰ-ክብሪ ኣለዎ፣ ኣላህ ወናኒ

ኩሉ ሓይሊ ምዃኑ ስለ ዝኣምን፡ ካብኡ ወጻኢ ረብሓታቱ ከይክልክሉሉ ወይ ከይጎድእዎ ዝፈርሖም ኣካላት የብሉን፣ ሽሻይ ዝህብን ዝኸልእን፡ ህይወት ዝሰኩዕን ህይወት ዝወስድን ሓደ ኣላህ ምዃኑ ኣንዳዕዲዑ ስለ ዝርዳእ፡ ብፍርሒ ዝሰግደሉን ዝመሻኸነሉን ሰብ ይኹን ካልእ ፍጡር የልቦን።

ንጸሎት የእዳዉ ናብ ኣላህ ጥራሕ እንተዘይኮይኑ ናብ መላእኽቲ ይኹኑ ካልኦት ቅዱሳት ሰባት ኣይዝርግሕን፣ ዕብየት ናይ ኣላህ እንተዘይኮይኑ ናይዝኾነ ካልእ ኣይዓጦን ኢዩ፣ ንመላእኽቲ ይኹኑ ቁዱሳት ሰባት ንዖኦም ዝግባእ ክብሪ ዝህቦም’ኳ እንተኾነ፡ ምስ ኣላህን ልዕሊ ኣላህን ግን ኣይሰርዖምን ኢዩ፣ እዚ ርትዓዊ ኣረኣእያ’ዚ ብርግጽ ንተውሒድ ብምፍላጥን ምርዳእን ጥራሕ ክንረኽቦ እንኽእል ብልጫ ኢዩ።

  • 3. እምነት ተውሒድ ንሓደ ኣማኒ ርትዓውነትን ትሕትናን ኢዩ ዘመንጭወሉ፣

ሓሶትን ምስሉይነትን ኣብ ጥቕኡ ኣየቕርብን፣ ገታር፡ ትዕቢተኛን ሓሳድን ሰብ’ውን ኣይከውንን፣ ስሰዐ፡ ሸፈጥ፡ ዓብላልነትን ቅድም ነዓይን ኩሉ ነዓይን ዝብል እኩይ ሓሳባት ኣብ ኣእምርኡ ቦታ የብሎምን፣ ኩሉ እቲ ዝውንኖ ናይ ኣላህ ምዃኑ፡ ኣላህ ድማ ኣብ ዝደለዮ እዋን ክወስዶ ከምዝኽእል ስለዝፈልጥ፡ ብዘለዎ ጥዕና ይኹን ሃብቲ ኣይንየትን፣ በንጻሩ ኣብቲ ብርቂ ዝኾነ ሓደ ኣላህ ዘይኣምን ሰብ፤ ኣብ ዓለማዊ ህይወቱ ዓወት ምስ ዝረክብ፤ ዓወቱ ምስ ብልሑን ውልቃዊ ጻዕሩን ጥራሕ ኢዩ ዘተኣሳስሮ፣ ስለዝኾነ ድማ መን ከማይ ብምባል ብትዕቢት ኣይትሓዙኒ ኢዩ ዝብል።

  • 4. ምንጪ ዓወትን ድሕነትን ጽሬት መንፈስን ሰናይ ግብርን ጥራሕ ምዃኖም ስለ

ዝግንዘብ፤ ኣማኒ ተውሒድ ብሰናይ ተግባር ኢዩ ዝመላለስ፣ ከምቶም ኢ-ዚሄራውያንን ብዙሐ-ዚሄራውያንን ኣብ ዘይጭበጥ ትምኒት እናንሳፈፈ ኣይነብርን፣ ገለ ካብኣቶም ወዲ ኣምላኽ ንሓጥያትና ሓጺብዎ ኢዩ ይብሉ፣ ገሊኦም ድማ ሕሩያት ኣምላኽ ስለዝኾና ኣምላኽ ኣይቐጽዓናን ይብሉ፣ ገሊኦም ድማ እቶም ቁዱሳት ኢዮም እናበሉ ዘምለኽዎም ፍጡራት ሞንጎኛታት ብሙዃን ከድሕኑና እዮም ኢሎም ይሓልሙ፣ እቲ ትርጉም ዘይብሉ ተስፋታት ኣመና ብዙሕ ኢዮ፣ ድሒና ኢና፡ እከለ ክወሓሰና ኢዩ፡ ወ.ዘ.ተ. ስለ ዝብሉ ነቲ ተዓዛቢን ሰማዒን ኩሉ ዝኾነ ሓያል ኣላህ ኣይፈልጥዎን፣ ጽባሕ ንግሆ ኣብ መዓልቲ ፍርዲ ኣብ ቅድሚ ጎይታ ቀሪቦም ን እምነቶምን ተግባራቶምን በብሓደ ክሕተትሉ ምዃኖም ይዝንግዑ፣ ስለዝኾነ ብቕይዲ በተኽነት ነብሶም ዝኣዘዘቶም ወትሩ ብምምላእ ጊላታት ድልየታቶምን ስምዒታቶምን ይኾኑ፣ ኣማኒ ሓደ ኣላህ (ተውሒድ) ግን ከምኡ ኣይገብርን።

ዝብሎን ዝገብሮን ዘበለ ኩሉ ከምዝሕተተሉ ስለዝፈልጥ ብሓላፍነታዊ መንገዲ ኢዩ ዝንቐሳቐስ፣ እዚ ስነ-ምግባር እዚ ውጽኢት ተውሒድ ወይ ላ ኢላሃ ኢላ’ላህ ኢዩ።

  • 5. ኣማኒ ላ ኢላሃ ኢላ’ላህ፡ ተስፋ ኣይቆርጽን ኢዩ፣ ርህራሄን በረከትን ኣላህ ወሰን ከም ዘይብሉ ስለ ዝፈልጥ ብተስፋ ዝተመለአ እዮ፣ ኣብቲ ወጣሪ ኩነታት’ውን እንተኾነ። ደገፍ ኣላህ ከምዘይፍለዮ ካብ ውሽጢ ልቡ’ዩ ዝኣምን፣ ኣብቲ ናይ ህይወት ሓፍ ኮፍ ክጽገም ከሎ፡ ጥዕና ስኢኑ ክሳቐ ከሎ ኣላህ ይዕዘቦ ምህላዉ ስለዝፈልጥ፡ ኣየማርርን ኢዩ፣ ኣላህ ኣብ ዝፈቐዶ ክርህዎን ክጥዕይን ምዃኑ እንተዘይኮነ ድማ ኣብቲ ዘልኣለማዊ ህይወት ዓስቢ ትዕግስቱ ብርግጽ ክኽፈል ምዃኑ ኣጸቢቑ ኢዩ ዝፈልጥ፣ ካብኡ ንላዕሊ ንዑኡ ዝሓይሽ ዝፈልጠሉ እቲ ፈላጥ ኣላህ ዶ ኣይኮነን?፣

በንጻሩ ብ ሓደ ኣላህ ዘይኣምን ሰብ ኣተሓሳስብኡ ኣዝዩ ጸቢብ እዩ፣ ሽግር ምስ ዘጋጥሞ ዓለም ከም ኣፍ ዑንቂ ትጸቦ፤ ዘልዕሎን ዝጭብጦን ኣይፈልጥን፤ ዝውስኾ እኳ እንተዘይብሉ ጸርጸር ይብል የማርር፤ ኣብ ሚዛን ኣጠማምትኡ፡ ካብቲ ተጻዋርነቱን ትዕግስቱን እቶም ጎኒፎሞ ዘለዉ ጸገማት ዝኸብዱ ስለ ዝመስሎ ነፍሰ-ቅትለት ይፍጽም፣ እታ ነብሱ ናቱ ዘይሙዃና ኣበይ’ሞ ኢልዎ!።

  • 6. ሓደ ሰብ ኣማኒ ሓደ ኣላህ ምስ ዝኸውን ቆራጽን ጅግናን’ውን ይኸውን ኢዩ። ምኽንያቱ ጃጃዊ ወይ ፈራሕ ዝገብሩ ክልተ ቀንዲ ምኽንያታት ኢዮም።

ሀ). ልዑል ፍቕሪ ህይወትን ክቱር ፍርሒ ሞትን ለ).ካብ ኣላህ ወጻኢ ሞት ዘምጽእን ሞት ዝከላኸልን ኣካል ኣሎ ኢልካ ምሕሳብን ኢየን።

ይኹን’ምበር ሙሉእ እምነት ተውሒድ እንተልዩ እዘን ክልተ ምኽንያታት ፍጹም ቦታ የብለንን፣ ዝኾነ ሰብ ህይወቱ፡ ንብረቱን ካልእ ነገራትን ናይ ኣላህ ምዃኑ ተውሒድ ምስ መሃሮ፡ ዓቀኑ ዚሓለፎ ፍቕሪ ህይወትን ፍርሒ ሞትን ንእለቱ ኢየን ዝጠፍኣሉ፣ ምእንቲ ኣላህ ዝድለ መስዋእቲ ክኸፍል ድማ ድሉው ይኸውን፣ ዝተራቐቐ ኣጽዋር ይኹን ዝሓየለ ሰብን እንስሳን ብዘይፍቓድ ኣላህ ህይወቱ ክወስዱ ከምዘይክእሉ ምስ ፈለጠ ድማ ካብታ ካልአይቲ ፍርሒ ይናገፍ፣ ዝኸበደ ሕማም ይሕመም፡ ኩሎም ሓይልታት ተጠርኒፎም የጥቕዕዎ፡ ካብታ ኣላህ ዝወሰነሉ ዕለት ኣየጉድል ኣይውስኽ፣ በዚ ምኽንያት’ዚ ካብ ኣማኒ ሓደ ኣላህ ዝኾነ ሰብ ዝተብዕ ሓደ’ኳ የለን።

  • 7. እቲ ዝዓበየ ጽልዋ ተውሒድ ወይ “ላ ኢላሃ ኢላ’ላህ” ግን ካልእ ኢዩ፣ ንሱ

ድማ ተኣዛዝን ተምበርካኽን ሕጊ ኣላህ ከምትኸውን ይገብረካ፣ ሓደ ኣማኒ ተውሒድ፡ ንዑኡ ኣላህ ካብ ዝኾነ ካልእ እቲ ዝቐረበ ኢዩ፣ ጸልማት ጉልባብ ጌሩ ወይ ብሓደ ኩርናዕ ተኸዊሉ ሓጥያት እንተፈጸመ’ውን ካብ ሰብ እምበር ካብ ኣላህ ከምዘይሕባእ ይፈልጥ፣ ኣላህ ፈላጢ ሕቡእን ግሉጽን’ዶ ኣይኮነን!!!

ንዝኾነ ከተታልል ትኽእል ንኣላህ ምትላል ግን ብጥራሽ ኣይከኣልን፣ ስለዚ ሙስሊም ንሙዃን እቲ ዝዓበየን ቀንድን ቅድመ-ኩነት ኣብዛ ረዛን ኢስላማዊት ከሊማህ ማለት ኣብ “ላ ኢላሃ ኢላ’ላህ” ምእማን የድሊ፣ ኣብቲ ቀዳማይ ምዕራፍ ከምዝረኣናዮ ሙስሊም ማለት ንፈጣሪኡ ስዩም ብምባል ዝተንበርከኸ ወይ ኢዱ ዝሃበ ማለት ኢዩ።

ነቢይ ሙሓመድ (ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም) ነዚ ረዚን ምህሮ ኢዮም ኣመሓላሊፎም፣ ላ ኢላሃ ኢላ’ላህ ዝብል ኣምር እምነ-ኩርናዕ እስልምናን እምነትን ኢዩ፣ ካልኦት ትእዛዛትን ሕጊታትን እስልምና ኣብዚ መሰረት’ዚ እዮም ዝትከሉ፣ ብርግጽ እስልምና ዘይተንከፎ ኣርእስቲ የለን።

እንሻኣሏህ ይቕጽል…………………

ኣሰላሙዓለይኩም ወራሕመቱላሂ ወበረካትሁ!! ኩቡራት ሙእሚኒን የሕዋተይ እቲ ካልኣይ ሩክኒ ሚን ኣርካን ኣል ኢማን እምነት ብመላእኽቲ እዩ!!

  • 2. እምነት ብመላእኽቲ ኣላህ

ነቢይ ሙሓመድ (ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም) ብ ህላወ መላእኽቲ ኣላህ ክንኣምን እውን ኣዚዙና ኢዩ፣ ካብቶም ዝጠቐስናዮም ሽዱሽተ ዓንድታት እምነት፤ ድሕሪ እምነት ብሓደ ኣላህ፤ እዚ እምነት’ዚ ብካልኣይ ደረጃ ኢዩ ዝስራዕ።

ነቢይ ሙሓመድ ሰ,ዓ,ወ ብዘመሓላለፉልና ሓበሬታ መሰረት፡ መላእኽቲ ፍጡራት ኣላህ እዮም፣ ኣብ መሎኮታውነት ኣላህ ግና ዝኾነ ብጽሒት የብሎምን፣ መላእኽቲ ኣላህ እሙናት ኣምለኽቱን ኣተግበርቲ ትእዛዛቱን ጥራሕ እዮም፣ ዝተኣዘዝዎ ዕዮ ብምልኣትን ብጽፈትን የከናውኑ፣ ብዘይፍቓድ ኣላህ ሓንቲ እመት’ውን ትኹን ኣይንቀሳቐሱን፣ ብድልየቶም ዝኾነ ነገር ክገብሩ ሓንቲ ስልጣን የብሎምን፡፡

ናታቶም ውጥን ወይ ፕሮጀክታት ከቕርቡን ብዛዕባ ዝኾነ ሰብ ምስ ኣላህ ከማልዱን (ክምሕጸኑ) ፍቓድ ኮነ ክእለት የብሎምን፣ ነዓኣቶም ምምላኽን ምሕጽንታ ምቕራብን ንወዲሰብ ውርደትን ሕስረትን ጥራሕ ኢዩ፣ ምኽንያቱ ኣላህ ኣብታ ንኣዳም ዝፈጠረላ ቀዳመይቲ መዓልቲ ፡ መላእኽቲ ን ኣዳም ክሰግዱሉ ኢዩ ኣዚዝዎም።

ኣላህ ንወዲሰብ ካብኣቶም ንላዕሊ ንቕሓትን ፍልጠትን ኢዩ ሂብዎ፣ ወዲሰብ እቲ መላእኽቲ ዝሰገዱሉ ዝኸበረ ፍጥረት ክንሱ ከመይ ኢሉ ነቶም ዝሰገዱሉ ፍጡራት የምልኽ?፣ ብርግጽ ንሓደ ዘስተውዕል ሰብ ካብ ንመላእኽቲ ምምላኽ ዝዓቢ ወርደት ከቶ የልቦን፣ ነቢይ ሙሓመድ (ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም) ን መላእኽቲ ከይነምልኾምን ምስ ኣላህ ከይነዛምዶምን ብጽኑዕ ኣጠንቂቖምና ኢዮም።

በቲ ነዓኣቶም ዝምልከት ብሉኡኽ ኣላህ ነቢይ ሙሓመድ (ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም) ዝተዋህበና ሓበሬታ ብምቕባል ህላዌኦም ምእማን ጥራሕ ኢዩ እቲ ካባና ዝድለ፣ መላእኽቲ ኣላህ ሕሩያት ፍጡራቱ እዮም፣ ካብ ሓጥያት/ዘንቢ ነጻ እዮም ጥራሕ ዘይኮነ፡ በቲ ኣላህ ዝሃቦም ባህሪ ካብ ትእዛዛቱ ወጻኢ ክሕንግዱ ብፍጹም ኣይክእሉን፣ ነቢይና ሰ,ዓ,ወ ከም ዝሓበሩና መላእኽቲ ኣላህ ብኹሉ ሸነኻት ኣኽቢቦምና እዮም ዝርከቡ፣ ኣብ ዝተንቀሳቐስናዮ ቦታ ወትሩ የሰንዩና፣ ኩሉ እቲ እንፍጽሞ ሕማቕን ጽቡቕን ተግባራት ድማ እናተዓዘቡ ይስንዱ፣ ድሕሪ ሞት ኣብ መዓልቲ ፍርዲ ናይቲ ኣብ መሬት ከለና ዝገበርናዮ ሙሉእ ጸብጻብ ናይ ነፍሲ-ወከፍ ሰብ ኣብ ቅድሚ ኣላህ የረክቡ፣ ኩሉ እቲ ዝተመዝገበ ብሙሉኡ ሚእቲ ካብ ሚእቲ ቁኑዕ ኮይኑ ድማ ክንረኽቦ ኢና።

ብዛዕባ ውሽጣዊ ባህርያት መላእኽቲ ዝተሓበርናዮ’ኳ እንተዘየለ፡ ገለ ብዛዕባ ክብሮምን መለለይታቶምን ግን ተጠቒሱልና ኣሎ፣ ከምቲ ኣቀዲሙ ዝተጠቕሰ ብሃለዋቶም ክንኣምን ድማ ንሕተት፣ ካብዚ ወጻኢ ብዛዕባ ፍጥረቶም፡ ዓይነቶምን መለለይታቶምን ክንፈልጠሉ እንኽእል ካልእ መንገዲ ወለሓደ የለን፣ ብቕርጻ ይኹን ብቅብኣ ወይ ብዝኾነ መልክዕ ብምስሊ ከነዳልዎም እንተፈቲንና ብኣጠማምታ እስልምና ዓቢ ሓጥያት ኢዩ።

ነቲ ዝተነገረና ብምስዓብ ክንኣምን ጥራሕ ኢዩ ዝግባእ፣ መላእኽቲ ዝበሃሉ የለዉን ኢላካ ምንጻግ ግን ኩፍር ወይ ክሕደት ኢዩ፣ ምኽንያቱ ሓደ እንነጽገሉ መርትዖ የብልናን ካልኣይ ድማ ከምኡ ብምባልና ን ኣስተምህሮ ንነቢይ ሙሓመድ (ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም) ዳርጋ ምንጻግ ኢዩ ዝቑጸር፣ ብሓጺሩ ብመላእኽቲ ኣላህ ንኣምነሉ ቀሊል ምኽንያት ልኡኽ ጎይታ ዝኾኑ ነቢይ ሙሓመድ (ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም) ክንኣምን ስለ ዝኣዘዙና ኢዩ።

እቲ ሳልሳይ ድማ እምነት ብመጻሕፍቲ ኣላህ እዩ።

  • 3. እምነት ብመጻሕፍቲ ኣላህ

እቲ ነቢይ ሙሓመድ (ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም) ክንኣምነሉ ዝኣዘዙና ሳልሳይ ዓንዲ እምነት ብመጻሕፍቲ ኣላህ ምእማን ኢዩ ነይሩ፣ ቅድሚ ነቢይ ሙሓመድ (ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም) ኣላህ ናብ ዝተፈላለዩ ልኡኻቱ ቁዱሳት መጻሕፍቲ ልኢኹ እዩ፣ ልክዕ በቲ ንቁርኣን ዝሰደደሉ ኣገባብ ድማ እዩ ሊኢኽዎም፣ ገለ ካብቶም ኣላህ ዝለኣኾም መጻሕፍቲ ኣብ ቁርኣን ዝተጠቐሱ ኣለዉ ንሳቶም ድማ÷

  • 1) ተውራት
  • 2) ዘቡር
  • 3) ኢንጂል
  • 4) ቁርኣን እዮም።

እዞም ኣርባዕተ መጻሕፍቲ ኣላህ፡ ኣብ ቅዱስ ቁርኣን ብስም ዝተጠቕሱ እዮም፣ ናይቲ ኣላህ ናብ ካልኦት ነቢያቱ ዝለኣኾም ኣስማት መጻሕፍቲ ግን ኣብ ቁርኣን ኣይተሓበረን፣ ስለዝኾነ በቶም ኣብ ዝተፈላለዩ ክፍሊ ዓለም ዘለዉ ሃይማኖታውያን መጻሕፍቲ ኣፍና መሊእና ምንጮም ካብ ኣላህ እዩ ወይ ኣይፋሉን ኢልና ኪንዛረብ ኣይንኽእልን፣ ብሓፈሻ ግን ዝኾነ ይኹን ኣላህ ዝለኣኾ መጽሓፍ ካብ ኣላህ ክሳዕ ዝኾነ ቅኑዕ ኢዩ፣ መዝሙር ዳዊት፡ ቶራህ ናይ ሙሴን ወንጌል ናይ ኢየሱስን ግን ምስ ኣይሁድን ክርስትያንን ኣለዉ፣ እንተኾነ ኣላህ ኣብ ቁርኣን ከምዝሕብረና እቶም መጻሕፍቲ በቲ ኣላህ ዝለኣኾም መልክዕ መቦቆላዊ ትሕዝቶኦም ከምቲ ዝተላእኮ ኣይተዓቀበን፣ ምቅይያራትን ተወሰኽቲ ሓሳባትን ተገይርሎም ኢዩ፣ ስለዝኾነ እቲ መበቆላዊ ትሕዝቶ ቃል ኣምላኽ ምስቲ ድሒሩ ብሓንጎል ሰባት ዝተወሰኸ ስለዝተሓዋወሰ ብዙሕ ምግሕማጥ ኣልዎ።

እቲ ኣብቶም መጻሕፍቲ ዝተኻየደ ብልሽውናን ብከላን ኣዝዩ ግሉጽን መጠነ-ሰፊሕን ስለዝኾነ፡ ሎሚ ብዙሓት ኣይሁድን ክርስትያንን ነዚ ርኡይ ሓቂ ይቕበልዎ እዮም፣ እቲ መቦቆላዊ ጽሑፍ ዘይኮነ። ትርጉሙ ጥራሕ ኣብ ኢዶም ምህላዉ ይዛረቡ፣ እዚ ተተርጒሙ ዝተዳለወ ንባዕሉ ኣብ ነዊሕ ዘመናት ብዙሕ ለውጢ ከም እተገብረሉን ሕጂ’ውን እንተኾነ ኣብ ሓደ ከምዘይረገአ ተፈሊጡ ኣሎ፣ ነዞም መጻሕፍቲ ብጥንቃቐ ከነጽንዖም እንተፈቲና፡ ቃል ኣምላኽ ክኾኑ ዘይክእሉ ሑጥበ-ጽሑፋትን ጥቕስታትን ኣለዉ፣ ብሓፈሻ እቶም ጽሑፋት ብጣዕሚ ስለዝተሓዋወሱ፡ ኣብ መብዛሕትኡ ኣየናይ ካብ ኣምላኽ ኣየናይ ከ ብሰብ ዝተሓወሰ ምዃኑ ንምፍላይ የሸግር እዩ፣ ሓደ ሙስሊም ብመጻሕፍቲ ኣላህ ይኣምን ኢዩ ክበሃል ከሎ፡ በቲ ሕጂ ሒዞሞ ዘለዉ ትሕዝቶ ዘይኮነ፡ ኣላህ ብርግጽ ቅድሚ ቅዱስ ቁርኣን ጽፉፋት መጻሕፍቲ ሊኢኹ ምንባሩ ምቕባል ንማለት ጥራሕ እዩ፣ እቶም ካብ ኣላህ ናብ ዝተፈላለዩ ነብያት ዝተላእኩ መጻሕፍቲ ምንጮም ካብ ሓደ ኣላህ እዩ ነይሩ፣ እቲ ን መጻሕፍቲ ሙሴ፡ መዝሙር ዳዊትን ወንጌል ኢየሱስን ልኢኹ፣ ብተመሳሳሊ እቲ ነቶም ዝጠቐስናዮም መጻሕፍቲ ዝለኣኸ ሓደ ኣላህ ናይ መወዳእታን ዛዛሚን ኪዳኑ ዝኾነ ቅዱስ ቁርኣን ናብ መላእ ህዝቢ ዓለም ልኢኽዎ፣ ኣላህ ንቅዱስ ቁርኣን ከም መሎኮታዊ መጽሓፍ ምልኣኹ ሓድሽን ዘገርምን ፍጻሜ ኣይኮነን።

ቅዱስ ቁርኣን ንሓቐኛ መልእኽታት ናይቶም ዝጸነቱን ዝተበረዙን መጻሕፍቲ ደጊሙ ክኹልዕን ከረጋግጽን ኢዩ መጺኡ፣ ኣብ ሞንጎ ቁርኣንን እቶም ኣቀዲሞም ዝተላእኩ መጻሕፍቲ ኣላህን ዓበይቲ ፍልልያት ኣለዉ ኣሕጽር ኣቢልና ገለ ካብቶም ብቐንዲ ዝጥቐሱ ጥራሕ ንርአ÷

  • 1. መብዛሕቶም ካብቶም ኣቀዲሞም ዝተላእኩ ጽሑፋት፡ እቲ መቦቆላዊ ጽሑፎም ጠቕላላ ጠፊኡ እዩ፣ ሎሚ ናቶም ትርጉም ጥራሕ እዩ ተዓቂቡ ዘሎ፣

በንጻሩ ቁርኣን በቲ መቦቆላዊ ትሕዝቱኡን ቛንቁኡን ሓንቲ ንጽል ፊደል ከይጎደለቶ ልክዕ ከምታ ናብ ነቢይ ሙሓመድ (ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም) ዝተላእካ ብኽብሪ ተዓቂቡ ይርከብ፣ ከም’ቶም ቀዳሞት ጽሑፋት ዝኾነ በደል ከይወርዶ ኣላህ ባዕለይ ክሕልዎ እየ ኢሉ ቃል ኣትይሉ እዩ።

  • 2. ካብ መጀመርታ ክሳዕ መወዳእታ ትሕዝቶ ቁርኣን ብሙሉኡ ቃል ኣላህ ዝተመልአ እዩ፣ ዘይከም’ቶም ቀዳሞት ጽሑፋት፡ ቃል ኣምላኽ ምስ ናይ ሰባት ጸብጻባት ዝተሓዋወሰ ኣይኮነን፣ ጽርየት ቁርኣን ወላ በቶም ጸላእቱ ከይተረፈ

ዝተመስከረ እዩ።

  • 3. ቁርኣን ናብ ሓደ ነቢይ ዝተላእከ መሎኮታዊ መጽሓፍ እዩ፣ ዘይከም’ቶም ቀዳሞት ጽሑፋት ብዙሓት ጸሓፍቲ ኢዶም ዘንበሩሉን ዝተኣኻከበን ኣይኮነን፣ ናይ ነፍሲ-ወከፍ ምዕራፍ ትኹን ጥቕሲ ካብ ኣላህ ዝተላእከትሉ ግዜ፡ ቦታን ሽዑ ዝነበረ ኩነታትን ብንጹር እውን ክፍለጥ ይከኣል።
  • 4. እቶም ቀዳሞት ቁዱሳት መጻሕፍቲ ዝተላእኩሉ ቛንቋታት እቶም ካብ ዝሞቱ ነዊሕ ዝገበሩ ቛንቋታት ኢዮም፣ ኣብዚ ሕጂ እዋን ዝኾነ ህዝቢ ይኹን ሕብረተሰብ ንዘረባን ጽሕፈትን ዝጥቐመሎም ሓደ’ኳ የለን፣ ነቶም ቛንቋታት ንፈልጦምን ንርደኦምን ኢና ዝብሉ ሰባት ኣዝዮም ውሑዳት እዮም፣ እቶም

ቁዱሳት ጽሑፋት ወላ’ውን በቲ ዝተላእክዎ መልክዕ ተዓቂቦም እንተ ዝጸንሑ ነይሮም፡ ኣብዚ ግዜና በቲ ሓቐኛ መንፈሶምን ትርጉሞምን ተረዲእካ ኣብግብሪ ምውዓሎም ኣመና መሸገረ ነይሩ፣ በንጻሩ ቁርኣን ዝተላእከሉ ቛንቋ ገና ብህይወት ዘሎ ቛንቋ እዩ፣ ሚልዮናት ኣህዛብ ይዛረብዎ፣ ካልኦት ሚልዮናት ድማ ይርድእዎን ይፈልጥዎን፣ ሎሚ ቛንቋ ዓረብኛ ዳርጋ ኣብ ሙሉእ ዓለም ዘለዋ ዩኒቨርሲታት ዘስተምህራሉ ቛንቋ ኢዩ፣ ዝኾነ ሰብ ክመሃሮ ይኽእል ኢዩ።

እቲ ንኽመሃሮ ግዜ ዘይብሉ ሰብ፡ ነቲ ቛንቋ ዝፈልጥ ሰብ ኣብ ዝኾነ ቦታ ኪረክብ ስለዝኽእል። እንተወሓደ ንቁርኣን ነቢቡ ክገልጸሉ ይኽእል ኢዩ።

  • 5. ቀዳሞት ቁዱሳት መጻሕፍቲ ናብ ውሱናት ሕብረተሰብን ንውሱን ግዜን ከገልግሉ ጥራሕ እዮም ተላኢኾም፣ ነቲ ናይ ሽዑ እዋን ዝጠቕሙ ዝተፈላለዩ ትእዛዛት ድማ ዝሓዙ እዮም፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣድላይነት የብሎምን ጥራሕ ዘይኮነ፡ ነቶም ዝእዝዝዎም ትእዛዛት ከምቲ ዝድለ ከተተግብሮም ኣዝዩ ኣሸጋሪ እዩ።

ከምቲ ዝተጠቐሰ ዕላማ እቶም ጽሑፋት ንውሱን ግዜ’ምበር ንዘልኣለም ክቕጽሉ ኣይኮኑን፣ ወላ’ቶም ዝተቐበልዎም ኣህዛብ ንዝተወሰነ እዋናት ክጥቐሙሎም ጥራሕ እዮም ተላኢኾም፣ በንጻሩ ቁርኣን ንመላእ ህዝቢ ዓለምን ንኩሉ ግዜን ዝተለኣኸ ቃል ኣምላኽ እዩ። ንፍሉያት ኣህዛብ እናረቖሐ ዘይኮነ ንወዲሰብ ብሓፈሻ እዩ ዝዛረብ፣ ዘልኣለማዊ ሕጊ ሰብኣውነት ድማ ኢዩ።

  • 6. ቀዳሞት ቁዱሳት ጽሑፋት ንስነ-ምግባራውን ሞራላውን ህይወት ወዲሰብ

ዝምህሩ ኣይኮኑን ኢልካ ምኽሓድ ርትዓውነት ዘይብሉን ስምዒታውን ዘረባ ኢዩ፣ ክብሪታት ወዲሰብ ንክጸንዕ ብርግጽ ዓቢ ኣበርክቶ ነይርዎም እዩ። ይኹን’ምበር ልክዕ ከም ናይ ቅዱስ ቁርኣን ብኹሉ መዳያቶም ኣጠቓላሊ መልሲ ዝህቡ ኣይኮኑን፣ ገሊኦም ኣብ ሓደ ኣርእስቲ ጥራሕ ዘተኮረ ትምህርቲ ይህቡ፡ ገሊኦም ድማ ኣብ ካልእ ጉዳይ የተኩሩ፣ ኮታ ንኹሉ ግዜ ዝኸውን መምርሒን ስርዓትን ክውንኑ ብዙሕ ዝተርፎም ኣሎ፣ ቁርኣን በንጻሩ ዘይትንክፎ ጉዳይ ናይ ህይወት የለን፣ ካብቲ ዝደቐቐ ክሳዕ እቲ ዝለዓለ ጉዳያት ህይወት ሓቚፉ ይርከብ፣ በዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱን ካልኦት እልቢ ዘይብሎም ምኽንያታትን ኣደናቒ ባህርያት ቁርኣንን እዩ ‘ምበኣር መላእ ህዝቢ ዓለም ናብኡ ክኣምን ብኣላህ ዝእዘዝ፣ ኩሉ’ቲ ናይ ቀደም ጽሑፋት ኣወንዚፉ ነዚ ደምዳሚ ኪዳን ኣላህ ዝኾነ ቁርኣን ክስዕብ ኣሎዎ፣ ምኽንያቱ ትሕዝቶ ናይቶም ዘይተበረዙ ቀዳሞት ጽሑፋት ኣላህ ደጊሙ ኣብ ቁርኣን ኣስፊርዎ ኢዩ።

ስለዚ ኣብ እስልምና ኣንቱእሚኑቢኪታቢሂ ወይ “ብመጻሕፍቱ ክትኣምን” ክበሃል ከሎ፡ ነቶም ኣላህ ዝለኣኾም መጻሕፍቲ ኣላህ ብርግጽ ከምዝለኣኾም ምምስካር ማለት ጥራሕ ኢዩ፣ ኩሎም እቶም ዝተላእኩ መጻሕፍቲ ኣላህ ቁኑዓት ሙዃኖም፤ ኣኣብ ዝተላኣኽዎ ወቕቲ ንዝነበሩ ኣህዛብ ጥራሕ ከም እተላእኩን፤ በቲ ቁርኣን ዝተላእከሉ ዕላማ ከምእተላእኩን ምምስካር ሓደ ካብ ዓንድታት እምነት (ኣርካን ኣል ኢማን) ኢዩ፣ ንቁርኣን ብዝምልከት ግን ክንኣምን ጥራሕ ዘይኮነ ክንስዕቦ’ውን ንሕተት!! ንቁርኣን ብዝምልከት፦

  • ብፍጹምን ብዘይኩነትን ቃል ኣላህ ምዃኑ፤
  • ብዘይውልውል ሓቂ ምዃኑ፤
  • ሓንቲ ንጽል ነጥቢ’ውን ትኹን ከይጎደሎ ከምእተዓቀበ፤
  • ኩሉ እቲ ኣብ ቁርኣን ዝጥቀስ ብሙሉኡ ሓቂ ምዃኑ፤
  • ኩሉ ሰብ ትእዛዛት ቁርኣን ከኽብር ሕልናዊ ሓላፍነት ከምዘለዎን፤
  • ዝኾነ ኣንጻር ቁርኣን ዝለዓል ጠቐነ ንጹግ ምዃኑን ምእማን የድሊ!!!

……………እንሻኣላህ ይቕጽል …………

ኣሰላሙዓለይኩም ወራሕመቱላሂ ወበረካትሁ!! ኩቡራት ሙእሚኒን የሕዋተይ እቲ ራብዓይ ሩክኒ ሚን ኣርካን ኣል ኢማን እምነት ብሉኡኻት እዩ!!

ዓቒዳ/እምነት 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል!!!

  • 4. እምነት ብልኡኻት/ነቢያትኣላህ

ኩቡራት ሙእሚኒን የሕዋተይ ኣብ’ቶም ዝሓለፉ ምዕራፋት ከምዝተጠቐሰ፡ ኣላህ ናብ ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርናዓት ዓለም ዝርከቡ ኣህዛብ ሉኡኻቱ ሰዲዱ እዩ፣ እቶም ዝተፈላለዩን ኣመና ብዙሓትን ዝኾኑ ነብያቱ ዘስተምሃርዎ ወይ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ግን ሙሉእ ብሙሉእ ሓደ ዓይነት መልእኽቲ እዩ ዝነበረ።

እቲ መልእኽቲ ድማ “እስልምና” ይበሃል። ማለት ንኣምልኾ ሓደ ኣላህ ስዩም ብምባል ኢድካ ምሃብ ጥራህ እዩ ነይሩ እቲ ምህሮታቶም፣ ነቢይ ሙሓመድ (ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም) ነዚ ኣቦና ኣዳም ዝፈለሞ ምህሮ ቀጺልዎን ኣጠቓሊሉ ኣምጺእዎን እምበር ሓድሽ ትምህርቲ ኣየመሓላለፈን፣ ስለዝኾነ ልኡኻት ኣላህ መልእኽቶም ሓደ ስለ ዝነበረ፡ ኣላህ ባዕሉ ብኹሎም ክንኣምን ይእዝዘና፣ ንሓደ ኣሚንካ ንሓደ ካልእ ምኽሓድ ግን ጌጋ እዩ፣ ምኽንያቱ ብደቂቕ እንተ ኣስተውዒልናሉ ንሓደ ምእማን ነቲ ሓደ ምኽሓድ ማለት ንኹሎም ብጠቕላላ ከም ምንጻግ ማለት ኢዩ፣ ሕመረት ናይ’ዚ ኣምር ምእንቲ ኣጸቢቕና ክንርደኦ፡ እስከ ነዛ ንእሽቶ ኣብነት ንርአ÷

ዓሰርተ ሰባት ብፊደል ይኹን ብመንፈስ ፈጺሙ ዘይፍለ ሓንቲ ዓይነት ዓረፍተ-ነገር (ምሉእ ሓሳብ) ገበሩ ንበል። ንሓንቲ ካብዘን ዓረፍተ-ነገራት ቅንዕቲ’ያ ኢልና እንተተቐቢልና፡ ነተን ዝተረፋ ትሸዓተ ዓረፍተ-ነገራት ድማ ብርግጽ ክንቅበለን ኣለና፣ ምኽንያቱ እተን ዝተረፋ ትሸዓተ ምሉኣት ሓሳባት ካብታ ዝተቐበልናያ ምልእቲ ሓሳብ ዝፈልየን ወለሓንቲ የለን፣ ብተመሳሳሊ ንሓንቲ ካብተን ዓረፍተ-ነገራት እንተ ነጺግና ድማ ንኹሉ ከምዝነጸግና እዩ ዝቑጸር፣ ምኽንያቱ ኩለን እተን ዓረፍተ-ነገራት ሓንቲ ዓይነት ስለዝኾና።

ስለ’ዚ ኢዩ እምበኣር ኣብ ሃይማኖት እስልምና ብኹሎም ልኡኻት ኣላህ ምእማን ብጣዕሚ ኣገዳሲ ዝኸውን፣ ብኩሎም ነብያት እመን ዳኣ’ምበር። ፍልይ ኣቢልካ ንሓደ ነቢይ ኣይኣምነሉን’የ ምባል፤ ክሕደት ወይ ኩፉር ኢዩ ዝቁጸር፣ ኣብ ቅዱስ ቁርኣን ዕስራን ሓሙሽተን ነቢያት ብስም ተጠቒሶም ኣለዉ። ነዚኣቶም ብግቡእ ክንኣምነሎም ከለና፡ ነቶም ኣብ ቁርኣን ዘይተጠቐሱ ግን ኣላህ ሊኢኸዮም ኢየ ዝበለ ነቢያት ድማ ብድምዱሙ ሓቀኛታት ሉኻት ኣላህ ምንባሮም ንቕበል።

ክሎም ነቢያት ኣላህ ማዕረ እዮም ኢልና ኣለና፣ ከየበላለጽና ድማ ንኣምነሎምን ንቕበሎምን፣ ንማዕርነቶም ከየፍረስና ስለስተ ፍልልያት ግን ከነስተውዕል ንኽእል።

  • 1. ኩሎም እቶም ቀዳሞት ነቢያት ንዝተወሰኑ ናታቶም ሕብረተሰባትን ንሓጺር ግዜን እዮም ተላኢኾም፣ በንጻሩ ነቢይ ሙሓመድ (ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም) ግን ንመላእ ደቂ ኣዳምን ክሳዕ መኸተምታ ዓለም ንኹሉ እዋንን ኢዩ ተልእኾኡ።
  • 2. ናይ መብዛሕቶም ነብያት መጻሕፍቲ ይኹን ኣስተምህሮታቶም ዝጠፈአ

ክጠፍእ ከሎ፡ እቲ ዝተረፈ ድማ የእዳው ደቂ ሰባት ኣትይዎ ኢዩ። በንጻር’ዚ ቁርኣን ይኹን፡ ኣስተምህሮታት ነቢይ ሙሓመድ (ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም)፡ መደረታቱ፡ ልምድታቱን ሞራላውነቱን ብግቡእ ተዓቂቡ ኣሎ። ስለዝኾነ ካብቶም ቀዳሞት ነብያት ብዝያዳ ገና ህይወት ለቢሱ ዘሎ ሰብኣዊ መንነት (ፐርሰናሊቲ) ናይ ነቢይ ሙሓመድ (ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም) ኢዩ።

ብ ኣሰር እግሪ ናይዚ ናይ መወዳእታ ልኡኽ ኣላህ ዝኾነ ነቢይ ድማ ተኣማሚንካ ንሓደ ጎይታ ክትግዛእ ትኽእል።

  • 3. ኣላህ ናብቶም ዝሓለፉ ኣህዛብ መልእኽተኛታቱ ክሰድድ ከሎ፡ ምስቲ ናታቶም

ግዜ ዝኸይድ ሕግታትን መምርሒታትን እናሃበ ኢዩ ዝልእኮም ዝነበረ። ስለዝኾነ እቲ ቀጺሉ ዝመጽእ ነቢይ ወይ ልኡኽ ኣላህ ድማ ኣብቲ ዝጸነሐ ሕግታት ምቅይያራትን ምምሕያሻትን ይገብር ነበረ። ምኽንያቱ እቲ ግዜን እቶም ኣህዛብን ምስቶም ቅድሚኦም ዝነበሩ ብዙሕ ፍልልያት ኢዩ ዘለዎም። ነፍሲ-ወከፍ ስዒቡ ዝመጸ ነቢይ ነቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ሕግታት እናመሓየሸን እናጸረበን ክሳዕ ነቢይ ሙሓመድ (ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም) ኣብጺሖሞ። ነቢይ ሙሓመድ (ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም) ድማ ነቲ ዘይተማለአ ሕግታት ብምጽፋፍ፡ ንኹሉ መዳያት ህይወት ሓደ ብሓደ ዝትንክፍ ጎደሎ ዘይብሉ ሃብታምን ውዱእን ስርዓት ብምቕራብ፡ ነቲ ናይ ነብያት ሰንሰለት ዛዚምዎ።

ፍትዋት የሕዋተይ ብዘይወገንነት እንተ መርሚርናዮ፡ ኩሉ’ቲ ነዚ ህሉውን መጻእን ሕብረተሰባት ዘገድስ፡ ፍቕሪ፡ ሓልዮት፡ ምክብባርን ስኒትን ዘንግስ፡ ክስራሓሉ ዝኽእልን ዘልኣለማዊ ባህሪ ዘለዎን ስርዓታት ናይቶም ዝሓለፉ ነብያት ብምልኣት ኣብ እስልምና ተጠቓሊሉ ኢና ንረኽቦ። ንነቢይ ሙሓመድ (ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም) ምኽታል እምበኣር ንኹሎም እቶም ዝሓለፉ ቀዳሞት ነብያት ከም ምኽታል ማለት እዩ።

ስለዚ ሓቀኛ ተምበርካኺ ኣላህ ወይ ሙስሊም ንሙኳን ኣብ ነቢይ ሙሓመድ (ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም) ሙሉእ እምነት ክህልወና ይግባእ፣ እዚ ማለት ድማ፦ ሓቀኛ ልኡኽ ኣላህ ምዃኑ ምቕባል፣ ኣስተምህሩኡ ካብ ጌጋታትን ብልሽውናን ነጻን ፍጹምን ምዃኑ ምምስካር፣ ነቢይ ሙሓመድ (ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም) ናይ መወዳእታን ዛዛሚን ናይቶም ሰንሰለታውያን ነቢያት ምዃኑን ብድሕሪኡ ዝኾነ ነቢይ ከምዘይመጽእን ምእማንን የድሊ።

እቲ ሓምሻይ እምነት ብመወዳእታ ማዓልቲ ማለት (ብየውም ኣልቅያማህ).

  • 5. እምነት ብ መወዳእታ መዓልቲ

ኩቡራት ሙእሚኒን የሕዋተይ ኣብ እስልምና እምነት ብ መወዳእታ መዓልቲ ሓደ ካብ ዓንድታት ኢማን/እምነት ኢዩ፣ ነቢይ ሙሓመድ (ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም) ብ “ህይወት ድሕሪ ሞት” ወይ ድማ ድሕሪ ሞት ትንሳኤ ከምዘሎ ክንኣምን ይእዝዙና።

ሓደ መዓልቲ ኣብቲ ኣላህ ዝወሰኖ ዕለት ዓለማዊ ህይወት ክፍጸም ኢዩ፣ ኩሉ ነገር ድማ ጠቕላላ ኪዓኑ ኢዩ፣ እዚ መዓልቲ’ዚ “ቅያማ” ወይ መወዳእታ መዓልቲ ተባሂሉ ይፍለጥ፣ ካብ ኣዳም ጀሚሩ ክሳዕ እታ መወዳእታ መዓልቲ ዝነበርና ኩላትና ደቂ ሰባት ዳግም ብህይወት ክንምለስ ኢና፣ ኣብ ቅድሚ ኣላህ ቀሪብና ድማ ግቡእ ፍርድና ንቕበል፣ እዚ ፍጻሜ “ሓሽር” ወይ ትንሳኤ ይበሃል።

ካብቲ ዝደቐቐ ክሳዕ’ቲ ዝለዓለ ዝፈጸምናዮም ተግባራት ብሙሉኦም ተሰኒዶም ስለዝጸንሑ፡ ንናይ መወዳእታ ፍርዲ ናብ ኣላህ ክንቀርብ ኢና፣ ስለዝኾነ ድማ እቲ ብሓደ ኣላህ ዝኣመነን ሰናይ ግብሪ ዘብዘሐን ሰብ ዝለዓለ ዓወት ብምጉንጻፍ ዓስቡ ይኽፈል፣ በንጻሩ እቲ ብዘይካ ኣላህ ንካልእ ዘምለኸን እከይ ተግባራቱን ሓጥያታቱን ዝበዘሐ ድማ ውርደትን መቕጻዕትን ይቕበሎ፣ ኣብቲ እዋን’ቲ ነፍሲ-ወከፍ ሰብ ብውልቁ ተሓታታይ ኢዩ፣ ሓላፍነት ዝስከመሉ ሓደ’ኳ የልቦን።

ኩቡራት ሙእሚኒን የሕዋተይ ብእምነትናን ተግባርናን ዳኣምበር፡ ካልእ ሰብ ብዝፈጸሞ ሓጥያት ብፍጹም ኣይንሕተትን፣ ወዲ ሰብ ካብ ሓጥያት ነጻ ኮይኑ ኢዩ ዝፍጠር፣ እቲ ለዋህ፡ ደንጋጽን ሩህሩህን ኣላህ ኣቦና ኣዳም ዝሓጠዮ ሓጥያት ኣሰኪሙ ኣይፈጥረናን ኢዩ፣ ኣላህ ብለውሃቱ ንኣዳም ነቲ ዝገበሮ ሓጥያት ኣብ እዋኑ ይቕረ ስለዝበለሉ፤ ዝሰጋገር መቦቆላዊ ሓጥያት ዝበሃል ነገር የሎን፣ ስለዝኾነ ንድሕነሉ ወይ ንሳቐየሉ እንኮ ጠንቂ። እምነትናን ተግባራትናን ጥራሕ ኢዩ፣ መወዳእታ መዓልቲ እምበኣር እቶም ዕዉታት ናብ ናይ ዘልኣለም ህይወትን ፍሰሃን ዝርከባ ገነት ዝኣትዉላ መዓልቲ ክትከውን ከላ፡ እቶም ሓጢኣተኛታት፡ ገበነኛታትን ኣምለኽቲ ካልኦት ፍጡራት ዝኾኑ ድማ ናብታ ናይ ዘልኣለማዊ ስቅያት ዝርከባ ገሃነመ-እሳት ዝድርበዩላ ማዓልቲ ኢያ።

እቲ ሻድሻይ እነት ድማ እምነት ብ ኣልቕድር ቅድመ ድንጋገ ሕማቕ ይኹን ጹቡቕ ዘበለ ኩሉ ነገር ብፍቓድ ኣላህ ከምዝፍጸም ምእማን።

  • 6. እምነት ብ ኣልቐድር/ ቅድመ-ድንጋጌ

ሕማቕ ይኹን ጽቡቕ ዘበለ ኩሉ ነገር ብፍቓድ ኣላህ ኢዩ ዝፍጸም፣ ኣላህ ከጋጥም ዝወሰኖ ዝኾነ ነገር ድማ ካብ ምግጣም ዝዓግቶ ዝኾነ ሓይሊ የለን፣ ስለዚ በቲ ኣላህ ኣቀዲሙ ዝደንገጎ ኩሉ ምእማን ኣካል ኢስላማዊ እምነት ኢዩ፣ ኣላህ ነቶም ዛጊት ዘጋጠሙን ብሕጂ ዘጋጥሙን ገና ከይጋጠሙ ከለዉ ከምዝፈልጦም ምእማን የድሊ፣ ኩነታት ፍጡራቱ፡ ተግባራቶም፡ ዝጸንሕዎ ዕድመ ብንጹር ዝፈልጥ ኣላህ ጥራሕ ኢዩ፣ ስለዚ ዝኾነ ሰብ ብመሎኮታዊ ቅድመ-ድንጋገ ወይ ኣልቐድር እንተኣሚኑ፡ እዞም ዝስዕቡ ረብሓታት ኪጎናጸፍ ይኽእል÷

  • 1. ጸጋታቱ ናብ ኣላህ ብምሙርኳስ ኢዩ ዝጥቐመሎም ምኽንያቱ እቶም ጸጋታት ይኹኑ ጠንቕታቶም ብመለኮታዊ ቅድመ-ድንጋገ ኣላህ ዝተወሃብዎ ምዃኖም ስለ ዝፈልጥ።
  • 2. ዝህብን ዝኸልእን ዘጥዕን ዘሕምምን ዘምውትን ዘተስእን ሓደ ኣላህ ምዃኑ

ስለዝፈልጥ፤ ኣቀዲሙ ብምድንጋጉ ክቅይሮ’ውን ስለ ዘይክእል፤ ንዘለዎ ብምቕባል ናይ ኣእምሮ ቅሳነትን ህድኣትን ኢዩ ዝረክብ፣ ጽሟቕ ትሕዝቶ ናይቶም ኣብዚ ምዕራፍ ዝተጠቕሱ ኣምራት ሽዱሽተ ዓንድታት እምነት ኣብእስልምና÷

1. እምነትብኣላህ፡ ንኣላህ ብንቕሓት ፈሊጥካን ተረዲእካን ከተምልኾን ክትግዘኦን ከምዘለካ፡ ኣብ ኣምልኾቱ ዝኾነ ፍጡር ወዲ-ሰብ ይኹን ኣማልኽቲ ክትሕውስ ከምዘይብልካ።

2. እምነት ብመላእኽቲ ኣላህ፡ ንኣላህ (ሱ,ወ) እሙናት ኣምለኽቱን ኣተግበርቲ ትእዛዛቱን ዝኾኑ መላእኽቲ ከም ዘለዉዎ፤ ኣብ ሞሎኮታውነቱ ዝኾነ ብጽሒት ከምዘይብሎምን ንዖኦም ምምላኽ መጠነ-ገዚፍ ሓጥያት ምዃኑን ምእማን።

3. እምነትብመጻሕፍቲ ኣላህ፡ ቅድሚ ቅዱስ ቁርኣን ኣላህ መጻሕፍቲ ከምዝለኣኸ ምእማን፣ ካብኣቶም ኣብ ቁርኣን ዝተጠቕሱ ኣርባዕተ መጻሕፍቲ ኣላህ እዞም ዝስዕቡ እዮም፦

  • “ቶራህ” ናይ ነቢይ ሙሳ/ሙሴ፡
  • “ዘቡር/መዝሙር ናይ ነቢይ ዳውድ/ዳዊት
  • ኢንጂል/ወንጌል ናይ ነቢይ ዒሳ/ኢየሱስ ክኾኑ ከለዉ፤ እቲ እንኽተሎ መጽሓፍ ግን ቅዱስ ቁርኣን ናብ ነቢይ ሙሓመድ (ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም) ዝወረደ መጽሓፍ ኢዩ።

4. እምነትብልኡኻት ኣላህ፡ ኣላህ ናብ ኩሎም ህዝብታት ዓለም ነቢያት ወይ ልኡኻት ከም ዝለኣኸ፤ እቶም ኩሎም ዝተላእኩ ነቢያት ነናብ ህዝቦም ከምዝለኣኾም፤ ነቢይ ሙሓመድ (ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም) ግና ደምዳሚ/ዛዛሚ ነቢይነት ብሙዃን ናብ መላእ ህዝብታት ዓለም ከም እተላእከ፤ ተልእኹኡ ክሳዕ መወዳእታ መዓልቲ ዓለም ከምዝቕጽልን፤ ብድሕሪኡ ዝመጽእ ነቢይ ከምዘየለን ምእማንን፣ ኣብ ቁርኣን ብስም ዝተጠቐሱ 25 ነቢያት ኣለዉ።

5. እምነት ብመወዳእታ መዓልቲ፡ ዓለማዊ ህይወታዊ ሓደ መዓልቲ ከምዘብቅዕ፤ ብድሕሪ ሞት ህይወት ከምዘሎን ኩሉ ፍጡር በቲ ኣብ ዓለም ከሎ ዝፈጸሞ ተግባራት ፍትሓዊ ዓስቡ ከምዝኽፈልን ምእማን።

6. እምነትብቅድመ-ድንጋገ፡ ኩሉ ኣብ ህይወት ከለና እንረኽቦ ሕማቕ ይኹን ጽቡቕ ካብ ኣላህ ምዃኑን ኣላህ ኣቐዲሙ ከምዝወሰኖ ወይ ጽሑፍ ምዃኑ ምእማን የድሊ።

ወሏሁ ኣዕለም!!!

ወሰላሙዓለይኩም ወራሕመቱላሂ ወበረካትሁ!!!