ዓለም-ለኻዊ መዓልቲ ቋንቋ ኣደ ፪፬፬፮

ካብ ዊኪፐድያ፣ ናጻ ኢንሳይክሎፐድያ

፪፩ የካቲት ዓለም-ለኻዊ መዓልቲ ቋንቋ ኣደ ኢዩ። እዚ መዓልቲ እዚ ብ፩፱፱፱ ብዩነስኮ (UNESCO) ዝተሓንጸጸ ኢዩ። ዕላማኡ፡ ኣብ ዓለም ምሉእ ዘሎ ሰብ ቋንቋኡ ኪጥቀምን ብቋንቋኡ ኪጥቀም ዕድል ኪረክብን ንምትብባዕ ኢዩ።

በዚ ምኽንያት፡ ኣብዛ መዓልቲ እዚኣ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት፡ ገለ ቋንቋታት ንኸይጠፍኣ ንምክልኻል፡ ብቛንቋ ኣደኻ ክትምሃር ምእንቲ ኪክኣልን ኣብ መንጎ ብዙሓት ባህልታት ምርድዳእ ኪህሉን ብዜመልክት ዝተፈላለየ መደባት ከቢሩ ይውዕል።

እዚ ትካል'ዚ ንሻብዓይ ግዜኡ ኢዩ ዜብዕሎ ዘሎ። ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ሽወደን፡ ብዝተፈላልየ መገዲ ከቢሩ ውዒሉ። ከም ኣብነት፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዩልስታ ብዓቢ ድምቀት ከቢሩ ኣምስዩ።

እዚ በዓል'ዚ ብክልት፫ ተማሃሮ ኢዩ ተኸፊቱ። ሓለቓ ቤት ትምህርቲ ዩልስታ፡ ኤልሳቤጥ ከኣ ነቲ ኣብኡ ዝነበረ ተዓዛቢ፡ " እንቋዕ ብደሓን ምጻእኩም። ቤት ትምህርትና፡ ካብ ዝተፈላለየ ወገናት ዓለም ዝመጹን ዝተፈላለየ ቋንቋታት ዚዛረቡን ተመሃሮ ዝሓቘፈ ቤት ትምህርቲ ብምዃኑ ብዙሕ የሐብነናን የሐጕሰናን፡ ስል ዝዀነ ከኣ፡ ነዛ መዓልቲ እዚኣ ከነኽብራ ይግባእ" ድሕሪ ምባላ ነቲ መድረኽ ነቶም ነቲ በዓል ዚመርሓ ዝነበራ ተመሃሮ ኣተሓላሊፋትለን።

ነቲ በዓል ተመሃሮ ጥራይ ዘይኰኑ፡ ወለዶምን ናእሽቱ ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን እውን ተኻፊሎሞ። እዚ ብብዙሓት ስድራ-ቤታት ዝደመቐ በዓል፡ ነታ ቤት ትምህርቲ ብፍላይን፡ ንሽወደን ድማ ብሓፈሻኡን፡ ብዝሐ ባህላውያን ገይሩወን ኣምስዩ። ተመሃሮ፡ ብዝተፈላለየ ቋንቋታት ግጥምታት ነቢቦም።

ነፍሲ ወከፍ ጕጅለ ተመሃሮ ነናይ ሃገሮምን ባህሎምን ሳዕስዒታት ኣብ ዘርአዩሉ እዋን፣ በቶም ጕጅለ ጥራይ ከይተወሰነ፡ ካብ ካልኦት ጕጅለታት'ውን ዘዘሊሎም ናብ ስዕስዒት እናተሓወሱዎም፣ ሓደ ዓቢን ናይ ሓባርን ባህሊ መሲሉ ኣምስዩ።

ቋንቋ ትግርኛ'ውን ሓንቲ ካብዘን ቋንቋታት እዚኣተን ኰይና ኣምስያ። ተመሃሪት ልዋም ተስፋይ ነዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ግጥሚ ነቢባቶ።ትዕግስቲ ኣብራሃን ልዋም ፍትዊን ከኣ ናብ ቋንቋ ሽወደን ተጒመናኦ። ተመሃሮ ትግርኛ፡ ብቛንቛ ትግርኛ ኪዛረቡን ኪነቡን ከለው፡ ባህላዊ ሳዕሲዒቶም ኪስዕስዑ ከለውን ክትርኢ ኣዝዩ የሐጕስ። ብዝያዳ ንኺምዕብል ግን ሓገዝ ወለዲ የድልዮ።

ወረጃን ሓጎስ ዝመልኦን ምሸት! ኣገናዕ!!!