ዝብእን ወኻርያን

ካብ ዊኪፐድያ፣ ናጻ ኢንሳይክሎፐድያ

ዝብእን ወኻርያን:

ሓደ እዋን ሓንቲ ወኻርያ ነበረት። እዛ ወኻርያ ክልተ ውላዳት ወለደት። ነቲ ሓደ ውላዳ ከበዶም ነቲ ሓደ ከኣ ሸበዶም ዚብል ስም ሃበቶም። እዛ ወኻርያ ንግሆ ተሲኣ፡ ንደቃ መግቢ ከተናዲ ትኸይድ ነበረት።

ቅድሚ ምውጻኣ፡ ንደቃ "እዞም ደቀይ! ንዓይ እንተ ዘይኰይኑ፡ ንኻልእ ማዕጾ ከይትኸፍቱ። ኣነ መጺአ፡ ሸበዶም፡ ከበዶም፡ ክፈቱኒ ምስ በልክኹም ጥራይ ትኸፍቱ!" በለቶም።

ንሳቶም ከኣ ሕራይ በሉዋ።