ሓቀኛ ቤተክርስትያን የሱስ

ካብ ዊኪፐድያ፣ ናጻ ኢንሳይክሎፐድያ

እቲ “ሓቀኛ ቤተክርስትያን የሱስ” ሓደ ነጻ ዝዀነ ቤተክርስትያን ኰይኑ፡ ብ1917 ዓ.ም. ኣብ በይጂንግ፡ ቺና ዝቘመ ኢዩ። ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ 48 ሃገራትን ሽዱሽተ ክፍሊ ዓለማትን ኣስታት 2,5 ሚልዮን ዝዀኑ ኣባላት ኣለዉዎ። እዚ ቤትክርስትያን እዚ ኣካል ናይቲ ኣብ መበል ዕስራ ክፍለ ዘመን ዝተቐልቀለ ጕጅለ ክርስትያናዊ ፕሮተስታንት ኢዩ። ዕላማኡ፡ ቅድሚ ካልኣይ ምጽኣት ክርስቶስ ንዅለን ሃገራት ወንጌል ንምስባኽ ኢዩ።

እተን ዓሰርተ ቀንዲ እምነታት ናይ’ዚ ቤተክርስትያን እዘን ዚስዕባ ኢየን፡-

  1. መንፈስ ቅዱስ
  2. ጥምቀት
  3. ሕጽበተ-እግሪ
  4. ቅዱስ ቍርባን
  5. መዓልቲ ሰንበት
  6. የሱስ ክርስቶስ
  7. መጽሓፍ ቅዱስ
  8. ድሕነት
  9. ቤተክርስትያን
  10. መወዳእታ ፍርዲ