ሕማም ቫይረስ ኢቦላ

ካብ ዊኪፐድያ፣ ናጻ ኢንሳይክሎፐድያ
Ebola virus disease
ፍሉይነት infectious diseases
ዊኪፐድያ ሕክምናዊ ምኽሪ ኣይህብን እዩ ሕክምናዊ መጠንቀቕታ 

{{#ifeq:|

ሕማም ቫይረስ ኢቦላ (EVD) ወይ ምድማይን ረስንንg ዜስዕብ ኢቦላ (EHF፡ ብቫይረስ ኢቦላ ዚስዕብ ሕማም ደቂ ሰባት እዩ። ምልካፍ’ቲ ቫይረስ’ቲ ካብ ዘጋጠመሉ እዋን፡ ካብ ክልተ መዓልታት ክሳዕ ሰለስተ ሳምንታት ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ረስኒ፣ ቊስሊ ጐሮሮ፣ቃንዛ ጭዋዳ ከምኡውን ሕማም ርእሲ ዝኣመሰሉ ምልክታት የርኢ። ብፍላይ ድማ ዕግርግር-ምባል፣ ተምላስ ከምኡውን ውጽኣት ቀጺሉ የጋጥም፣ ስራሕ ጸላም ከብዲ ከምኡውን ኲሊትከምዚጐድል ድማ ይገብር። ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ገለ ሰባት፡ ጸገማት ምድማይ ከጋጥሞም ይጅምር እዩ።[1]

እዚ ቫይረስ፡ ንደም ወይ ፈሳሲ ኣካልናይ ዝተለኽፈ እንስሳ (መብዛሕቱ ግዜ ኣህባይ ወይ መንካዕ ፍረታትብምትንካፍ ኪመጽእ ይኽእል። [1] ኣብ ንቡር ከባቢ፡ ብመገዲ ኣየር ከምዚመሓላለፍ ዝተሰነደ ነገር የለን።.[2] መንካዕ ፍረታት፡ ንሰን ከይተለኽፋ ንቫይረስ ብምጻር ከመሓላልፋ ከምዝኽእላ ይእመን። እቲ ሕማም ድማ ኣብ ሰብ መልከፍቲ ምስኣጋጠመ ኣብ መንጐ ሰባት ኪመሓላለፍ ይኽእል። እቶም ካብቲ ሕማም ዝደሓኑ ደቀ-ተባዕትዮ፡ ንኸባቢ ክልተ ኣዋርሕ ዚኸውን ብመገዲ ዘርኢ ተባዕታይ ኣቢሎም ነቲ ሕማም ከመሓላልፉ ይኽእሉ እዮም። ነጸርታ ሕማም ንምክያድ፡ ፈለማ ከም ዓሶሸሮኽ ከምኡውን ካልእ ምድማይን ረስንን ዜስዕብ ቫይረስንዝኣመሰለ ተመሳሳሊ ምልክታት ናይ ካልእ ሕማማት ተለሊዩ ከምዚእለ ይግበር። ነቲ ነጸርታ ንምርግጋጽ ድማ ቅምሶታት ደም ብምውሳድ፡ ጸረ-ነፍሳት’ቲ ቫይረስ፡ RNA’ቲ ቫይረስ ወይ ባዕሉ’ቲ ቫይረስ እንተልዩ መርመራ ይግበረሉ።[1]

ምክልኻል፡ ካብ ዝተለኽፉ ኣህባይን ሓሰማታትን ናብ ሰባት ንዝህሉ ምልባዕ’ቲ ሕማም ከምዚጐድል ምግባር ዜጠቓልል እዩ። እዚ ድማ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ እንሳታት መልከፍቲ ንኸይስዕቡ ብምክትታል ከምኡውን እቲ ሕማም ኣብ ዝተረኽበሉ እዋን ንዕኦም ብምቕታል ነቲ ረሳታቶም ብግቡእ ብምእላይን ኪግበር ይከኣል። ንስጋ ብግቡእ ከምዚበስል ምግባርን ስጋ ኣብ ዝትሓዘሉ እዋን በጃ ኽዳን ምውዳይን፡ , ከምኡውን ኣብ ከባቢ’ቲ ዝሓመመ ሰብ ኣብ እትኾነሉ እዋን በጃ ኽዳን ምውዳይን ኣእዳው ምሕጻብን ሓጋዚ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ቅምሶታት ናይቲ በቲ ሕማም ካብ ዝሓመሙ ሰባት ዝወጽእ ፈሳሲ ኣካልን ትሹታትን፡ ብፍሉይ ጥንቃቐ ክትሓዝ ይግባእ።[1]

ፍሉይ ሕክምና ናይቲ ሕማም እኳ እንተዘየለ፡ ነቶም ዝተለኽፉ ሰባት ንምሕጋዝ ዚግበር ጻዕርታት፡ ንፍወሳ ኦኣርኤስ (oral rehydration therapy)(ብውሑድ ሽኮርን ጨውን ዝተዳለወ ማይ ከምዝሰትዩ ምግባር) ወይ ብመትኒ ዚውሃብ ፈሳሲየጠቓልል።[1] እዚ ሕማም’ዚ፡ ልዑል መጠነ ሞትኣለዎ፥ ካብቶም በቲ ቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት ድማ ካብ 50% ክሳዕ 90% ይሞቱ።[1][3] ሕማም ኢቦላ ቫይረስ፡ ፈለማ ኣብ ሱዳን ከምኡውን ደሞክራስያዊ ረፑብሊክ ኮንኮ ተራእዩ። እዚ ሕማም’ዚ፡ ኣብ ትሮፒካዊ ከባቢታት ትሕተ-ሳህራ ኣፍሪቃ ኣብ ዝህሉ ለበዳታት ከም ልሙድ የጋጥም።[1] ካብ 1976 (ፈለማ ካብ ዝተራእየሉ እዋን) ክሳዕ 2013፡ ኣብ ዓመት ትሕቲ 1,000 ሰባት በቲ ሕማም ይልከፉ ነይሮም።[1][4] እቲ ክሳዕ ሕጂ ዘጋጠመ ዝዓበየ ለበዳ፡ እቲ ኣብዚ እዋን ንጊኒሴራ ላዮንላይበርያ ከምኡውን ብመጠኑ ንናይጀርያዜጥቅዕ ዘሎ ለበዳ ኢቦላ ምዕራብ ኣፍሪቃ 2014እዩ።[5][6] ክሳዕ ነሓሰ 2014፡ ልዕሊ 1600 ሕሙማት ተለኺፎም ኣለዉ።[7] ክታበት ንምምዕባል ቀጻሊ ጻዕርታት ይግበር እኳ እንተሃለወ፡ ዝተረኽበ ነገር ምንም የለን። [1]

መወከሲታት[ኣመዓራርይ | ኮድ ኣመዓራርይ]

  1. a b c d e f g h i Lua error in ሞድዩል:Citation/CS1 at line 4390: attempt to index field 'date_names' (a nil value).
  2. Lua error in ሞድዩል:Citation/CS1 at line 4390: attempt to index field 'date_names' (a nil value).
  3. Lua error in ሞድዩል:Citation/CS1 at line 4390: attempt to index field 'date_names' (a nil value).
  4. Lua error in ሞድዩል:Citation/CS1 at line 4390: attempt to index field 'date_names' (a nil value).
  5. Lua error in ሞድዩል:Citation/CS1 at line 4390: attempt to index field 'date_names' (a nil value).
  6. Lua error in ሞድዩል:Citation/CS1 at line 4390: attempt to index field 'date_names' (a nil value).
  7. Lua error in ሞድዩል:Citation/CS1 at line 4390: attempt to index field 'date_names' (a nil value).
ዝርዝር ጽሑፋት
  • Lua error in ሞድዩል:Citation/CS1 at line 4390: attempt to index field 'date_names' (a nil value).
  • Lua error in ሞድዩል:Citation/CS1 at line 4390: attempt to index field 'date_names' (a nil value).
  • Lua error in ሞድዩል:Citation/CS1 at line 4390: attempt to index field 'date_names' (a nil value).
  • Lua error in ሞድዩል:Citation/CS1 at line 4390: attempt to index field 'date_names' (a nil value).
  • Lua error in ሞድዩል:Citation/CS1 at line 4390: attempt to index field 'date_names' (a nil value).
  • Lua error in ሞድዩል:Citation/CS1 at line 4390: attempt to index field 'date_names' (a nil value).

ናይ ካልእ መወከሲ መርበባት-ሓበሬታ[ኣመዓራርይ | ኮድ ኣመዓራርይ]