ሕማም ቻጋስ

ካብ ዊኪፐድያ፣ ናጻ ኢንሳይክሎፐድያ
ሕማም ቻጋስ

Photomicrograph of Giemsa-stained Trypanosoma cruzi
ፍሉይነት infectious diseases
parasitology
ዊኪፐድያ ሕክምናዊ ምኽሪ ኣይህብን እዩ ሕክምናዊ መጠንቀቕታ 

{{#ifeq:|

ሕማም ቻጋስ (Chagas) ሞደል:IPAc-en ወይ ኣሜሪካን ትራይፓኖሶሚያሲስ፡ ብTrypanosoma cruzi ዚፍለጥ ፕሮቶዝዋ ዚመጽእ ትሮፒካዊ ሕማም ፓራሳይት (ጽግዕተኛ) እዩ። [1] መብዛሕቱ ግዜ፡ ብሰዓምቲ ሓሸራታት ዝፍለጡ ሓሸራታት ይመሓላለፍ። [1] ምልክታት፡ ኣብ ግዜ መልከፍቲ ዚቐያየር እዩ። ኣብ ፋልማይ ደረጅኡ፡ ብቐንዱ ምልክታት ኣየርእን እዩ ወይ ድማ ፈኲስ ዚበለ እዩ፣ ከም ረስኒ፡ ሕበጥ ሱር ዕያገነዳ (lymph nodes)፡ ሕማም ርእሲ ወይ ኣብቲ እተነኽሰሉ ከባቢ ዘጋጥም ሕበጥ ከጠቓልል ይኽእል።[1] ድሕሪ 8–12 ሳምንታት፡ እቶም ዝተለኽፉ ሰባት፡ ናብ ሕዱር ደረጃ’ቲ ሕማም ይኣትዉ፣ ኣብ 60–70% ድማ ተወሳኺ ምልክታት ብፍጹም ኣይርአይን።[2][3] እቶም ዝተረፉ 30 ወይ 40% ዝተለኽፉ ሰባት ድማ ፋልማይ መልከፍቲ ካብ ዘጋጠመሉ ግዜ ካብ 10 ክሳዕ 30 ዓመታት ኣብ ዘሎ ግዜ ተወሳኺ ምልክታት የማዕብሉ። [3] እዚ ድማ ምውሳኽ ዕብየት ቨንትሪክል ልቢ ዜጠቓልል ኮይኑ፡ ካብ 20 ክሳዕ 30% ሰባት ድማ ድኻም ልቢ የጋጥሞም።[1] ምውሳኽ ዕብየት ሻሕለለ ወይ ምውሳኽ ዕብየት ረጒድ መዓንጣ፡ ኣብ 10% ሰባት ከጋጥም ይኽእል።[1]

T. cruzi ፡ መብዛሕቱ ግዜ፡ ካብ ንኡስ ቤተሰብ ትርያቶሚናይ (Triatominae) ብዝኾኑ ደም ዝመጽዉ “ሰዓምቲ ሓሸራታት” ይመሓላለፍ።[4] እዚ ሓሸራታት፡ ኣብ ኣርጀንቲና፡ ቦሊቭያ፡ ቺለን ፓራጓይን፡ vinchuca፣ ኣብ ብራዚል፡ barbeiro (ባርበር)፣ ኣብ ኮሎምብያ፡ pito ፣ ኣብ ማእከላይ ኣሜሪካ፡ chinche፣ ከምኡውን ኣብ ቨነዝዌላ፡ chipo ዜጠቓልል ብሓያሎ ከባብያዊ ኣስማት ይጽውዑ። እዚ ሕማም፡ ብመገዲ ምስግጋር ደምምስግጋር ኦርጋን (ክፍሊ ኣካላት)፡ ብፓራሳይት ዝተመረዘ ምግቢ ብምብላዕ ከምኡውን ካብ ኣደ ናብ ዕሸላኣቢሉ ኪመሓላለፍ ይኽእል። [1] ነጸርታ’ቲ ኣብ ፋልማይ ደረጃ ዘሎ ሕማም፡ ማይክሮስኮፕ ብምጥቃም ነቲ ፓራሳይት ኣብ ደም እንተሃልዩ ብምርኣይ ይካየድ።[3] ሕዱር ሕማም ድማ ኣብ ደም ንዝርከብ T. cruzi ዚቃወም ጸረነፍሳት ብምርካብ ኪንጸር ይከኣል።[3]

ምክልኻል ሕማም፡ ብዓቢኡ ንሰዓምቲ ሓሸራታት ምጥፋእን መንከስቲ ምውጋድን የጠቓልል። [1] እቲ ካልእ ጻዕርታት ምክልኻል ሕማም ድማ ነቲ ዝሰጋገር ደም መርመራ ምግባር ዜጠቓልል እዩ።[1] ክታበት፡ ክሳዕ 2013 ኣይተመስርሐን።[1] ፋልማይ መልከፍትታት፡ ብበንዝኒዳዞል ወይ ኒፉርቲሞክስ እተባህለ መድሃኒት ብምጥቃም ሕክምና ይግበረሉ።[1] እቲ መድሃኒት ኣብ ፋልማይ ደረጅኡ ምስዝውሃብ ድማ እቲ ሕማም ዳርጋ ኲሉ ግዜ ይፍውስ እዩ፣ እንተኾነ ግን እቲ ሕማም ቻጋስ ንነዊሕ ግዜ ምስዝጸንሕ፡ ውጽኢቱ ትሑት ይኸውን። [1] እቲ ሕማም ሕዱር ኣብ ዝኾነሉ ግዜ ምስእትጥቀመሉ፡ ናብ ናይ መወዳእታ ደረጃ ምልክታት ንኸይምዕብል ከደንጒ ወይ ክዕንቅጽ ይኽእል።[1] በንዝኒዳዞለን ኒፉርቲሞክስን፡ ኣብቶም ከባቢ 40% ዝኾኑ ዝተለኽፉ ሰባት፡ [1] ከም ሕማም ቆርበት፡ ምምራዝ ሓንጐልን ቁጥዐ ስርዓተ ምዕቓቕን ዝኣመሰለ ግዝያዊ ጐድናዊ ሳዕቤናታት የስዕብ እዩ።[2][5][6]

መብዛሕቶም ኣብ ሜክሲኮማእከላይ ኣሜሪካ ከምኡውን ደቡብ ኣሜሪካ ዝርከቡ ካብ 7 ክሳዕ 8 ሚልዮን ሰባት፡ ሕማም ቻጋስ ከምዘለዎም ይግመት። [1] ኣብ 2006፡ ኣብ ዓመት ንኸባቢ 12,500 ሞት ምኽንያት ኮይኑ።[2] እዚ ሕማም ዘለዎም መብዛሕቶም ሰባት፡ ድኻታት እዮም[2] ከምኡውን እዚ ሕማም’ዚ ዘለዎም ሰባት፡ ብእኡ ከምእተለኽፉ ኣይፈልጡን እዮም።[7] ኣዝዩ ብዙሕ ምንቅስቓስ ህዝቢ፡ ሕማም ቻጋስ ንዝርከን ከባቢባት ከምዝውስኽ ይገብር ኣሎ፣ ኣብዚ ግዜ’ዚ ድማ ንብዙሓት ሃገራት ኤውሮጳን ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን የካትት ኣሎ። [1] ክሳዕ 2014 ኣብ ዘሎ ዓመታት ድማ ወሰኽ’ቲ ሕማም ኣብዚ ከባቢታት ተራእዩ። [8] እዚ ሕማም፡ ፈለማ ኣብ 1909 ብካርሎስ ቻጋስ ዝተረኽበ ኮይኑ፡ ብስሙ ድማ ይጽዋዕ ኣሎ።[1] ንልዕሊ 150 ካልኦት እንሳታት ድማ የጥቅዕ።[2]

References[ኣመዓራርይ | ኮድ ኣመዓራርይ]

  1. a b c d e f g h i j k l m n o p Lua error in ሞድዩል:Citation/CS1 at line 4390: attempt to index field 'date_names' (a nil value).
  2. a b c d e Lua error in ሞድዩል:Citation/CS1 at line 4390: attempt to index field 'date_names' (a nil value).
  3. a b c d Lua error in ሞድዩል:Citation/CS1 at line 4390: attempt to index field 'date_names' (a nil value).
  4. Lua error in ሞድዩል:Citation/CS1 at line 4390: attempt to index field 'date_names' (a nil value).
  5. Lua error in ሞድዩል:Citation/CS1 at line 4390: attempt to index field 'date_names' (a nil value).
  6. Lua error in ሞድዩል:Citation/CS1 at line 4390: attempt to index field 'date_names' (a nil value).
  7. Lua error in ሞድዩል:Citation/CS1 at line 4390: attempt to index field 'date_names' (a nil value).
  8. Lua error in ሞድዩል:Citation/CS1 at line 4390: attempt to index field 'date_names' (a nil value). ሞደል:Open access