መደብ:ፊዚክስ

ካብ ዊኪፐድያ፣ ናጻ ኢንሳይክሎፐድያ

ፊዚክስ ባህሪኣዊ ስነፍልጠት ኮይኑ ብዛዕባ ሕመረታት ነገራትን ምንቅስቃሳቶምን ጠባያቶምን ብሓገዝ ህዋን ግዘን ምሶኦም

ብዝተኣሳሰር ኣካልን ሓይልን ዘጽንዕ ስነፍልጠት እዩ።

ፊዚክስ ሓደ ካብቶም ቀንዲ መሰረታት ናይ ስነፍልጠት ስነስርዓት ኮይኑ ቀንዲ ዕላምኡ ኸኣ ጠባያት ዩኒቨርስ ምርዳእ እዩ።

ናይ ዓውደ ፊዚክስ ክኢላ ኸኣ ፊዝስት ተባሂሉ ይጽዋዕ።

ፊዚክስ ሓደ ካብቶም ጀመርቲ ኣካዳምያዊ ስነስርዓታት ኮይኑ ብሰንኪ ዘለዎ ምትእስሳር ምስ ስነከዋኽብቲ ወይ ኣስትሮኖሚ ዕድሚኡ ክሳብ ልዕሊ ክልተ ሽሕ ወይ ክልተ ሚለንያ ዕድመ ከም ዘለዎ ይግመት፣ፊዚክስ፣ስነቐመም ወይ ከምስትሪ፣ስነሂወት ወይ ባዮሎጂ ገለ ጨንፈራት ቁጽሪን ኣካላት ናይ ተፈጥሮኣዊ ፍልስፍናን ወይ ውን ናቹራል ፊሎዞፊ እዮም ኔሮም። እንተ ኾነ ግን ኣብ ዓሰርተዉ ሸዉዓተ ክፍለ ዘመን ኣብ ግዜ ዑደት ስነፍልጠት ወይ ውን ሳይንትፊክ ሬቮልሸን ተባሂሉ ኣብ ዝግለጽ ግዜ እዞም ተፈጥረኣዊ ፍልስፍናታት ብ ፍሉይ መጽናዕቲ ክርኣዩ ጀሚሮም ፊዚክስ ከኣ ምስ ካልኦት ኢንተርድስፕልነሪ ማለት ክልተ ወይ ካብ ክልተ ንላዕሊ  ኣካዳምያዊ ስነስርዓት ከም በዓል ባዮ ፊዚክስን ፣ካንቶም ስነቐመምን ክትሓናፈጽ ጀሚሩ ። መወዳእታ ፊዚክስ ክግለጽ ዝከኣል ኣይኮነን

መብዛሕትኡ ግዜ ሓደስቲ ናይ ፊዚክስ ሓሳባት ብዛዕባ መሰረት ኣሰራርሐኦም መጽናዕተኦም ብ ኻልእ ስነፍልጠት ይግለጽን ካልኦት ኣካዳምያዊያን ስነስርዓታት ከም በዓል ስነ ቁጽርን ስነ ፍልስፍናን ኣማራጺ የቕርብ

    ስጉሚ ኣብ ፊዚክስ መብዛሕትኡ ግዜ ዕድላት ናይ ምዕባለ ይኸፍት ገለ ኣብነት ረብሓታት ኣብ ምርዳእ ኤለክትሮ ማግነት ዝም፣ሶሊድ ስተይት ፊዚክስ፣ኑክለር ፊዝክስን ቐጥታዊ ዉጽኢት  ኣብ ምዕባለን ዓርሞሸሻዊ ሓደስቲ ዉጽኢታት ለውጢ ኣብ ዘመናን ከም ኣብነት ተለቭጅን፣ኮምፒተር፣ኤለትሮኒካዊ ኣቑሑት ገዛ፣ኑክላይር ኣጽዋርን ኣምጺኡ ስጉሚ ኣብ ተርሞዳይናሚክስ ምዕባለ ኣብ ኢንዳስትራላይዘሽን ኣምጺኡ ስጉሚ ኣብ መካኒክስ ከኣ ሞራል ኣብ ምዕባለ ናይ ካልኩለስ ኣምጺኡ።

ገጻት ኣብ መደብ «ፊዚክስ»

This category contains only the following page.