ማዕጾ:ፍልስፍና

ካብ ዊኪፐድያ፣ ናጻ ኢንሳይክሎፐድያ

ፍልስፍና ካብ philosofy ዝብል ናይ ቋንቋ ግሪኽ ቃል ዝተረኽበ ስም እዩ። Philo ማለት ፍቕሪ ክኸውን ከሎ፡ sofy ወይ sofia ማለት ድማ ጥበብ ማለት እዩ። ስለዚ ተደሚሩ ክንበብ ከሎ ፡ ፍቕሪ ጥበብ ተባሂሉ ክትርጐም ይኽእል። እዚ ዓውዲ'ዚ መሰረት ናይ ኩሎም ዓውድታት እዩ እንተ በልናዮ ምግናን ኣይከውንን። ምኽንያቱ ቅድሚ ዝኾነ ነገር ኣብ ግብሪ ምውዓሉ ብሓሳብ ስለ ዝጅምር። ብፍላይ ከም ኣካዳምያዊ ተግሳጽ ጌርካ ኺርአ ኸሎ ብዛዕባ መሰረታዊ ባህርይ ፍልጠትን ክውንነትን ህላወን ዚግበር መጽናዕቲ ። ሓደ ፍሉይ ኣገባብ ፍልስፍናዊ ኣተሓሳስባ ። ንብዙሕ ስማ፦ ፍልስፍና "ፍልስፍና ሾፐንሃውር" ብዛዕባ ሓደ ጨንፈር ፍልጠት ወይ ተመክሮ ዚገልጽ ክልሰ-ሓሳባዊ መሰረት ዚግበር መጽናዕቲ። "ፍልስፍና ስነ-ፍልጠት"