ሩስያ
| ፈደረሽን ሩስያ Российская Федерация | ||||
|---|---|---|---|---|
| ||||
|
ሃገራዊ መዝሙር፦ Государственный гимн Российской Федерации | ||||
| ርእሰ ከተማ |
ሞስኮ 55°45′02″ሰ 37°37′03″ምብ / 55.750555555556, 37.6175 | |||
| ወግዓዊ ቋንቋ | ሩስኛ | |||
| ዜግነት ህዝቢ | ሩስያዊ/ -ት | |||
| ዓይነት መንግስቲ | ፈደራላዊት ሪፓብሊክ | |||
| • ፕረዚደንት | ቭላድሚር ፑቲን | |||
| ሓጋጊ ኣካል | ፈደራላዊ ባይቶ ሩስያ | |||
| ስፍሓት | ||||
| • ጠቕላላ | 17,098,246 ትርብዒት ኪ.ሜ. | |||
| ብዝሒ ህዝቢ | ||||
| • ግምት (2021) | 146,171,015 ተቐመጥቲ | |||
| ባጤራ | ሩብል (₽) | |||
| ዞባ ግዜ | UTC+2 ክሳዕ +12 | |||
| ኮድ ኣይሶ | 643 / RUS / RU | |||
| ዓውዲ ኢንተርነት |
.ru .рф | |||
| ኮድ ኣ.ኦ.ኮ | RUS | |||
|
ኣባልነት
| ||||
ሩስያ (ብሩስኛ፦ Россия) ወይ ብወግዒ ፈደረሽን ሩስያ (ብሩስኛ፦ Российская Федерация)፣ ንሰሜናዊ ኤውሮጳን ኤስያን ዘጠቓለለ ኣብ ዓለም ዝሰፍሐት ሃገር እያ። ርእሰ ከተማኣ ሞስኮ እያ።
ምዕራባዊ ክፋል ሩስያ ኣብ 9ይ ክፍለ ዘመን ብቀቢላታት ስላቭ ዝተሰፈረ ኮይኑ፡ ካብ 9ይ ክሳዕ መበል 12 ክፍለ ዘመን ድማ ኣካል ናይ ሓንቲ ዓባይ ኤውሮጳዊት ሃገር ኮይና ማእከላ ኣብ ኪየቭ (ሎሚ ርእሰ ከተማ ዩክሬን) ኮይና፡ ብ1240 ብዘላቒት ኤስያውያን ተታሒዛ። ኣብ መበል 13-14 ክፍለ ዘመን፡ ርእሰ ምምሕዳር ሞስኮ ኣብ ውሽጢ ግዝኣት ወርቃዊ ጭፍራ ተቐልቂሉ፡ ኣብ መወዳእታ መበል 15 ክፍለ ዘመን ድሕሪ ምፍራስ ጭፍራ ድማ ፍልይቲ ሃገር ኮይና። ካልእ ኣገዳሲት ከተማ ቬሊኪ ኖቭጎሮድ ዲሞክራስያዊ ልምድታት ዓቂባ፤ ኣብ ሰሜናዊ ሩስያ ማእከል ሪፓብሊክ ኖቭጎሮድ ኮይና ብ1478 ብሞስኮ ተታሒዛ። ካብ መበል 16 ክሳብ 19 ክፍለ ዘመን ዝበዝሕ ህዝቢ ሩስያ መሃይም ባሮት ናይ ገዛእ ርእሱ መንግስቲ እዩ ነይሩ፤ ኣብ ውሽጢ ሩስያ ንጡፍ ንግዲ ሰባት ይካየድ ነበረ፣ እዚ ድማ ብ1861 ጥራይ እዩ ተቐኒሱ። ሩስያ ከም ካልኦት ሃጸያዊ ግዝኣታት ዕጡቕ ፖሊሲ ወጻኢ ብምኽታል ንዝተሳዕራ ሃገራት ሩስያዊ ምግባር ኣካይዳ - ቋንቋታት ውሽጢ ዓዲ ብምእጋድን ብቋንቋ ሩስያ ክትትክኦም ፈቲናን፡ ብቐንዱ ኣብ ሃገራት ምብራቕ ኤውሮጳን ማእከላይ ኤስያን።
ኣብ 1917 ክልተ ሰውራታት ተኻይዱ፡ እቲ ቀዳማይ ንንግስነት ኣውዲቑ ንሩስያ ናብ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ቀይርዋ፡ እቲ ካልኣይ - ኣብ ጥቅምቲ 1917 ብሌኒን ዝምራሕ ዕልዋ መንግስቲ፡ ድሕሪኡ ድማ ብቀይሕ ራዕዲ ዝተዛዘመ ኲናት ሓድሕድ፡ ሞት 16 ሚልዮን ሰባትን ምፍጣር ሶቭየት ሕብረት ኣብ 1922ን ተኻይዱ። ኣብ 1937-1938 ኣብ ዝነበረ ዓመታት ጃምላዊ ዓፈና 700 ሽሕ ሰባት ብዝተፈብረኸ ክሲ ተፈሪዶም ብጥይት ተሃሪሞም፣ ፍርቂ ሚልዮን ድማ ኣብ መዳጎኒ መዓስከራት ጉላግ ተኣሲሮም።
ኣብ ነሓሰ 1939 ሕብረት ሶቭየት ምስ ናዚ ጀርመን ንዓለም ንምክፍፋል ውዕል ፈረመት፣ ኣብ መስከረም 1939 ድማ ብሓባር ንፖላንድ ኣጥቂዖም ካልኣይ ውግእ ዓለም ጀመሩ። ኣብ 1939-1940 ሕብረት ሶቭየት ንፊንላንድ ክትሕዛ ፈቲና ግን ተሳዒራ። ኣብ መፋርቕ 1940 ሕብረት ሶቭየት ንሊትዋንያን ላቲቭያን ኢስቶንያን ስዒራ። ድሕሪ መጥቃዕቲ ናዚ ብ1941ን ምጥሓስ ውዕል 1939ን፡ ሕብረት ሶቭየት ምስ ኣመሪካን ዓባይ ብሪጣንያን ወጊኑ።
- ሞስኮ
- ኣብ ሩስያ ኣብ መበል 19 ክፍለ ዘመን ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት
- ካርታ ናይቲ ኣብ ግዜ ምልኪ ጆሴፍ ስታሊን ዝነበረ መዳጎኒ መዓስከራት ጉላግ።
ብ1961 ሶቭየት ሕብረት ንፈለማ እዋን ሰብ ናብ ጠፈር ኣውሪዳቶ። ኣብ ሰብዓታት ልዕሊ 100 ሽሕ ተቓወምቲ ተኣሲሮም እዮም። ካብ 1979 ክሳብ 1989 ሶቭየት ሕብረት ንኣፍጋኒስታን ክትስዕራ ፈቲና እኳ እንተነበረት ስዕረትን ምፍራስ ቁጠባ ሶቭየትን ኣጋጢምዋ። ካብ 1985 ክሳብ 1991 ሶቭየት ሕብረት ብሰንኪ ዲሞክራስያዊ ጽገናታት ፈሪሳ። ሩስያ ኣብተን ናይ ቀደም ሪፓብሊካት ብዙሕ ውግኣት ጀሚራ።
ኣብ 1999 ፑቲን ኣብ ሩስያ ናብ ስልጣን ብምምዝጋብ ካልኣይ ኲናት ሩስያ ኣንጻር ቸቸንያ ብምክያድ ኣብ 2000 ኣብታ ንእሽቶ ሃገር ብምውራርን ምምራኽን ተዛዚሙ። ኣብ 2008 ሩስያ ንጆርጅያ ወሪራ፡ ኣብ 2014 ድማ ንዩክሬን ወሪራ። ኣብ 2022 ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ምሉእ ወራር ጀሚራ፡ እዚ ድማ ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ኣብ ኤውሮጳ ዝዓበየ ኲናት እዩ። ፑቲን ንዲሞክራስያዊ ተቓወምቲ ብንጥፈት ይዓብጦምን ከም በዓል ኣና ፖሊትኮቭስካያ፡ ቦሪስ ነምትሶቭን ኣሌክሲ ናቫልኒን ዝኣመሰሉ መራሕቲ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓሳት ይቐትል ኣሎ። ኣብ ሩስያ ዝርከቡ ህጻናት ከይተረፉ ብጸረ ኲናት ስምዒታትን ንፑቲን ብዝነበሮም ንእሽቶ ነቐፌታን ይእሰሩ [1] [2][3] [4] [5] [6][7] [8] [9] [10] [11] [12] [13][14] [15] [16] [17] [18] [19] [20] [21] [22] [23] [24] [25] [26] [27]።
- ↑ Александр Литвиненко, Юрий Фельштинский ФСБ ВЗРЫВАЕТ РОССИЮ.
- ↑ [https://www.yabloko.ru/Publ/Book/Fire/fire_002.html Путинизм как высшая и заключительная стадия бандитского капитализма в России]
- ↑ Переписать историю. Почему режим Путина менее стабилен, чем СССР в свои последние дни
- ↑ Putin's Warped Idea of Russian History
- ↑ Vladimir Putin’s Rewriting of History Draws on a Long Tradition of Soviet Myth-Making
- ↑ Inside Putin's push to rewrite Russian history in favor of his war in Ukraine
- ↑ 10 years of Russian annexation of Crimea, reflections on the role of PMCs in hybrid warfare
- ↑ Political Repressions in Russia in 2021
- ↑ Mass protests in Russia in the shadow of repression
- ↑ Repression and Autocracy as Russia Heads into State Duma Elections
- ↑ Навальный Алексей Анатольевич
- ↑ Парамошин Георгий Сергеевич
- ↑ Симонов Михаил Юрьевич
- ↑ Уваров Никита Андреевич
- ↑ Самые юные политзаключенные
- ↑ В России политзаключенным стал 15-летний школьник. ФСБ назвала его участником легиона «Свобода России»
- ↑ Мы считаем политзаключённым отца девочки, нарисовавшей на уроке антивоенный рисунок
- ↑ Турбин Арсений
- ↑ BILD: Український підліток розповів, як російські військові викрали його з Херсона та утримували в таборі в Криму
- ↑ У РФ скоїв самогубство український підліток, якого насильно вивезли до Росії
- ↑ Турлаев Никита Юрьевич
- ↑ Дело Валерия Зайцева и Никиты Турлаева
- ↑ Лизунова Любовь Витальевна
- ↑ Мы считаем политзаключённой Анастасию Улыбышеву
- ↑ Улыбышева Анастасия Александровна
- ↑ Зотова Валерия Игоревна
- ↑ Никуленков Кирилл Андреевич
