ርሑስ ክረምቲ

ካብ ዊኪፐድያ፣ ናጻ ኢንሳይክሎፐድያ

ርሑስ ክረምቲ:

ዝኸበርኩም ተኸታተልቲ መርበብና

እንሆ ዓመት ትምህርቲ ፪፬፬፫-፪፬፬፬ ተወዲኡ፥ ክረምቲ ኣትዩ፥ ኣብያተ ትምህርቲ ተዓጽየን።

ተመሃሮ ነናይ ሓደ ዓመት ፍልጠት ወሲኾም።

ገለ ካብኣቶም ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቶም ፈጺሞም። "ዝኣከብኩሞ ፍልጠት ንባዕልኻትኩምን ንኣከባቢኹምን ንሃገርናን ንዓለምናን ዚጠቅም ይግበሮ!"

ተባሂሎም ተመሪቖም።

መርበብ ቋንቋ-ኣደ፡ ኣብ ምእታው ቀውዒ፡ ትምህርቲ-ሓዘል መደባቱ ሒዙ ኪመጽእ እናኣተስፈወ፡

ሰናይ ዕረፍቲ ይምነየልኩም። ብሰላም የራኽበና!!!

ኣብ ሃገርና

ምዕጻው ኣብያተ ትምህርቲ ብኸመይ ይብዓል ነበረ?

ኣብ ፵ታትን ፶ታትን

ናይ መንግስቲ ኣብያተ ትምህርቲ፡ ብፍላይ ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ከም ኣስመራ፡ ኵለን ብሓባር ኣብ ሓደ ዓቢ ሜዳ ተሰሪዐን፡ በብጽሒተን ብምልዓል፡ ገለ ቤት ትምህርቲ ብመዝሙር፡ ገለ ብትርኢት ምውስዋስ ኣካላት፡ ከምኡ ድማ ብጕያ፡ ብዝላ፡ ብጕስጢ፡ ወዘተ.. ናይ ሓባር ውድድር ብምግባር፡ ይብዓል ነበረ። ነናይ ክፍሎም ብሉጻት ተመሃሮ ኸኣ ካብ ኣመሓደርቲ ብልጫታቶም ይወስዱ ነበሩ።

ኣብቲ በዓል ኵሎም ተመሃሮ ብሓባር ዚዝምሩዋ ዝነበሩ መዝሙር:

ወላዲትና ዓድና

ኣብዛ ዓለም ብመላኣ

ንዓናሲ የልቦን ከምኣ

ግሩም ጸሓይ ኣብ ዋዒኣ ጥዑም'ውን ኣየራ