ስይስቲሰርኮሲስ (Cysticercosis)

ካብ ዊኪፐድያ፣ ናጻ ኢንሳይክሎፐድያ
ስይስቲሰርኮሲs
Cysticercosis
ፍሉይነት infectious diseases
ዊኪፐድያ ሕክምናዊ ምኽሪ ኣይህብን እዩ ሕክምናዊ መጠንቀቕታ 

{{#ifeq:|

ስይስቲሰርኮሲስ (Cysticercosis) ፡ ኣብ ሓቢ ስጋ ሓሰማ (ታኒያ ሶልዩም (Taenia solium)) ብዚርከብ ውልዶ ቅርጺ ኣካል ብዘለዎ (ስይስቲሰርኩስ) ዚስዕብ ረኽሲ ቲሹ እዩ። [1][2] ሰባት፡ ንዓመታት ዚኣክል ውሑድ ዝኾነ ምልክታት ከርእዩ ወይ ምልክታት ከየርእዩ ይኽእሉ እዮም፣ ኣብ ቆርበትን ጭዋዳታትን ድማ ቃንዛ ዘይብሉ ኣስታት ካብ ሓደ ክሳዕ ክልተ ሰንቲሜተር ዚበጽሕ ተሪር ሕበጥ ከማዕብሉ ይኽእሉ እዮም፣ ሓንጐሎም ዝተጠቕዐ እንተኾይኑ ድማ ምልክታት ሕማም ስነ-መትኒ ክህልዎም ይኽእል እዩ።[3][4] እዚ ሕበጥ’ዚ፡ ድሕሪ ኣዋርሕ ወይ ዓመታት፡ ኣዝዩ ኣቐንዛዊ ይኸውን፣ ቀጺሉ ኣዝዩ ብምሕባጥ ድማ ኪሓድጐ ይኽእል። ኣብ ዝምዕብላ ዘለዋ ሃገራት ድማ ሓደ ካብቶም ንወቕዒ ምንፍርፋር ዜስዕቡ ግኑን ሕማም እዩ። [3]

መብዛሕቱ ግዜ፡ እንቛቑሖ ሓቢ ንዘለዎ ምግቢ ብምብላዕ ወይ ማይ ብምስታይ ዚመጽእ እዩ። ዘይተኸሸነ ኣሕምልቲ፡ እቲ ቀንዲ ምንጪ እዩ። [2] እዚ እንቛቑሖ ሓቢ፡ ካብቲ ብቴንያሲስ (taeniasis) ዝፍለጡ ዓበይቲ ሓሰኻታት ኣብ እተለኽፈ ሰብ ኣብ ዚወጽእ ቀልቀል ይርከቡ።[3][5] ቴንያሲስ፡ ጽቡቕ ገይሩ ካብ ዘይተኸሸነ ስጋ ሓሰማ ንዝርከብ ሲይስት (ፍሕ) ብምብላዕ ዚመጽእ ዝተፈልየ ዓይነት ሕማም እዩ።[2] እቶም እዚ ሓቢ ምስ ዘለዎ ሰብ ዝቕመጡ ሰባት፡ ስይስቲሰርኮሲስ ንኽሕዞም ኣብ ዝዓበየ ሓደጋ ይርከቡ።<ር name=CDC/> ነጸርታ ድማ ብኣስፒሬሽን ካብ ሲስይት (ፉሕ) ብምውሳድ ኺካየድ ይከኣል።[3] ኣብ ሓንጐል ንዘጋጥም ሕማም ንምንጻር ድማ ንስእሊ ኮምፕዩተር ውሽጣዊ ኣካላት (CT) ወይ ስእሊ ማግኔታዊ መቓልሕ (MRI) ብምጥቃም ስእልታት ሓንጐል ምውሳድ ኣዝዩ ጠቓሚ እዩ። ኣብ ፈሳሲ ሓንጐልን ዓንዲ ሕቖንን ደምን ዝርከብ ልዑል ቊጽሪ ናይቶም ብኦሲኖፊሊስ (eosinophils) ዝፈለጡ ጸዓዱ ዋህዮታት ደም ድማ ሓበርቲ ምልክታት እዮም።[3]

ውልቃዊ ጽሬት ከምኡውን ንጽሕና ብምጥቃም፡ ረኽሲ ብዚግባእ ኽትከላኸሎ ይከኣል እዩ። እዚ ድማ ንስጋ ሓሰማ ብዚግባእ ምኽሻን፣ ጽሬቱ ዝሓለወ ዓይኒ ምድሪ ምጥቃምን ብሉጽ ኣገልግሎት ዝስተ ማይ ምህላውን የጠቓልል። ንቴንያሲስ ምሕካም፡ እቲ ሕማም ንኸይላባዕ ኣገዳሲ እዩ።[2] ንስርዓተ-መትኒ ዘየጥቅዐ ሕማም ምሕካም ግን ኣየድልይን እዩ።[3] ነቶም ሕማም መትኒ (ኔውሮስይስቲሰርኮሲስ) ዘለዎም ሰባት ንምሕካም፡ ብመድሃኒታት ፕራዚክዋንተል (praziquantel) ወይ ኣልበንዳዞል (albendazole) ኪኸውን ይኽእል። እዚ ድማ ኣዝዩ ነዊሕ ግዜ ኪወስድ ይኽእል እዩ። ኣብ ግዜ ሕክምና ንዘጋጥም ነድሪ ኣካላት ዝፍውስ ስተሮይድ (Steroid) ከምኡውን ንሕማም ምንፍርፋር ዚፍውስ መድሃኒታት ከድሊ ይከኣል እዩ። ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ነቲ ዘጋጠመ ሲይስት ንምእላይ መጥባሕቲ ይግበር እዩ።[2]

ሓቢ ስጋ ሓሰማ፡ ብፍላይ ኣብ እስያ፡ ኣፍሪቃን ደቡብ ኣሜሪካን ግኑን እዩ።[3] ኣብ ገለ ቦታታት ድማ ክሳዕ 25% ናይቲ ህዝቢ ከምዘጥቅዕ ይእመን።[3] ኣብ ምዕቡል ዓለም ድማ እዚ ሕማም’ዚ ኣዝዩ ፍሉጥ ኣይኮነን።[6] ኣብ ዓመተ 2010፡ ኣብ ምሉእ ዓለም፡ ካብቲ ኣብ 1990 ዝነበረ 700 ሞት ወሲኹ፣ ኣብ ኣስታት 1,200 ሰባት ድማ ሞት ኣስዒቡ።[7] ስይስቲሰርኮሲስ፡ ንሓሰማን ላምን ይለክፍ እኳ እንተኾነ፡ መብዛሕቶም ነዊሕ ከይጸንሑ ስለዝሞቱ፡ ምልክታት ሳሕቲ የርእዩ።[2] እዚ ሕማም፡ ኣብ መላእ ታሪኽ ንደቂ ሰብ እናጥቅዐ ዚርከብ ዘሎ እዩ።[6] እዚ ድማ ሓደ ካብቶም ዝተረስዑ ትሮፒካዊ ሕማማት እዩ።[8]

References[ኣመዓራርይ | ኮድ ኣመዓራርይ]

  1. Lua error in ሞድዩል:Citation/CS1 at line 4390: attempt to index field 'date_names' (a nil value).
  2. a b c d e f Lua error in ሞድዩል:Citation/CS1 at line 4390: attempt to index field 'date_names' (a nil value).
  3. a b c d e f g h Lua error in ሞድዩል:Citation/CS1 at line 4390: attempt to index field 'date_names' (a nil value).
  4. Lua error in ሞድዩል:Citation/CS1 at line 4390: attempt to index field 'date_names' (a nil value).
  5. Lua error in ሞድዩል:Citation/CS1 at line 4390: attempt to index field 'date_names' (a nil value).
  6. a b Lua error in ሞድዩል:Citation/CS1 at line 4390: attempt to index field 'date_names' (a nil value).
  7. Lua error in ሞድዩል:Citation/CS1 at line 4390: attempt to index field 'date_names' (a nil value).
  8. Lua error in ሞድዩል:Citation/CS1 at line 4390: attempt to index field 'date_names' (a nil value).