ባዮሎጂ

ካብ ዊኪፐድያ፣ ናጻ ኢንሳይክሎፐድያ

ባዮሎጂ ብዛዕባ ህይወት ዘለዎም ነገራት ዘፅንዕ ናይ ምርምር ክፋል እዩ። ነዚ ፅንዓት ዘካይድ ሰብ ባዮኦልጂስት ተባሂሉ ይፅዋዕ። መብዛሕቱ ግዜ ባዮሎጂ አብ ክልተ ይምቀል። እቶም ክልተ ጨንፈራትውን ቦታኒ (ብዛዕባ ተኽልታት ዘጽንዕ) ከምኡውን ዙሎጂ (ብዛዕባ እንስሳታት ዘፅንዕ) እዮም። እዞም ክልተ ጨንፈራት ከአ ደጊም ናብ ዝተፈላለዩ ጨንፈራትን ፍሉይ ናይ ምርምር ክፋላት ይምቀሉ።

ይኹን እምበር ከም አናቶሚ (ህይወት ናይ ዘለዎም ነገራት ንድፊ ዘጽንዕ ጨንፈር) ን ጀነቲክስ (አብ ልዕሊ ውርሰ ባህሪ ድግበር ፅንዓት) ዝአመስሉ መብዛሕትኦም ጨናፍር ባዮሎጂ ንእንስሣ ይኹን ን አታኽልቲ ብዘየገድስ ንክልቲኦም ክፋል ህይወት የፅንዑ።

ባዮሎጂስትታት መብዛሕትኡ ግዜ ጽንዐቶም ንምክያድ ካብ ጨንፈር ፅንዓት ናቶም ዝተፈልየ ናይ ምርምር ክፋላት ዝጥቀሙሉ ዘዴታትን ሐደስቲ ፍልጠታትን ይጥቀሙ። ንአብነት ተጠቐስና፡ ህይወት አብ ዘለዎም እንስሳታትን አታኽልትን ዝካየዱ ውህደታት ንምርዳእ ክሕግዞም ምእንቲ ፊዚክስኬሚስትሪ አብ ዝተባህሉ ናይ ምርምር ጨንፈራት ይውከሉ።

[ኣመዓራርይ | ኮድ ኣመዓራርይ]