ብልዋም ተስፋይ

ካብ ዊኪፐድያ፣ ናጻ ኢንሳይክሎፐድያ

ብልዋም ተስፋይ:

ሓደ ግዜ ወኻርያን ራዛን ጐረባብቲ ነበራ። ሓደ መዓልቲ ወኻርያ ንራዛ ኣብ ግዜ ምሳሕ ዓደመታ። ራዛ ከኣ ክትምሳሕ መጸት። ጐራሕ ወኻርያ፡ ጽቡቕ ምሳሕ ኣብ ሓደ ገፊሕን ጸፊሕን ሸሓኒ ቀረበትላ። መስኪነይቲ ራዛ ኣፋ ነዊሕ ስለ ዝዀነ ንምብላዕ ጸገማ። ጐራሕ ወኻርያ ንበይና ንዅሉ እቲ መግቢ በልዓቶ።


ዝገበረቶ ከየሕፈራ ኸኣ ንራዛ እናላገጸት፡ ፍቕርቲ ጐረበተይ ብዙሕ ስለ ዘይበላዕኪ ሕዝንቲ ኢየ በለታ።

ራዛ ዘረባኣ ምስ ሰምዐት፡ ኣይኰነን ኣነ ጽቡቕ ምሳሕ በሊዐ፡ የቐንየለይ መሓዛይ። ንስኺ ከኣ ጽባሕ ኣብ ገዛይ ምሳይ ክትምስሒ ዓዲመኪ ኣለኹ በለታ።

ንጽባሒቱ ጐራሕ ወኻርያ ከም ውዕላ ናብ እንዳ ገረቤታ ከደት። ራዛ ከኣ ጽቡቅ ምሳሕ ኣብ ሓደ ነዊሕ ዝኽሳዱ ጥርሙዝ ቀሪባ ኣዳልያ ጸንሓታ።


መኣዲ ምስ ተቐረበ ራዛ ኣጸቢቓ በልዐት። ወኻርያ ግና ኣፋ ኣልሚጻ ተረፈት። ሽዑ ወኻርያ በደላ ተፈለጣ። ርእሳ ኣድኒና ኣውን ከደት። ራዛ ከኣ ብልባ ከምዚ ኢያ ዝገበርክኒ ኢላ ስቕ በለት።

እዚ እንተረሲዕኩም ሞት ትረስዕኩም።