ብጫ ረስኒ

ካብ ዊኪፐድያ፣ ናጻ ኢንሳይክሎፐድያ
ብጫ ረስኒ
ፍሉይነት infectious diseases
ዊኪፐድያ ሕክምናዊ ምኽሪ ኣይህብን እዩ ሕክምናዊ መጠንቀቕታ 

{{#ifeq:|


ብጫ ረስኒ (Yellow fever)፡ ኣቐዲሙ ብብጫ ኣድጊ (yellow jack) ወይ ብጫ ፌራ (yellow plague) ተባሂሉ ዝፍለጥ ሕማም ኮይኑ፡[1] ብርቱዕ ተመሓላላፊ ሕማም እዩ።[2] እቲ ሕማም ኣብ ዝለኽፎም መብዛሕቶም ሕሙማት፡ ከም ረስኒ፡ ቊሪቊሪ ምባል፡ ምጥፋእ ሸውሃት፡ ዕግርግር ምባል፡ ብፍላይ ኣብ ሕቖ ዘጋጥም ቃንዛ ጭዋዳታትን ሕማም ርእስን ዝኣመሰለ ምልክታት ይህልዎም።[2] እቲ ምልክታት ድማ ከም ልሙድ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ መዓልታት ከምዚመሓየሽ ይኸውን።[2] ኣብ ገለ ሰባት ግን ኣብ ውሽጢ ሓደ መዓልቲ እናኸፍኤ ይኸይድ፥ ረስኒ ይምለስ፣ ቃንዛ ከብዲ ይመጽእን ብጫ ቆርበትዘስዕብ መጉዳእቲ ጸላም ከብዲ ይጅምር። [2] እዚ ምስዘጋጥም፡ ሓደጋ ምድማይ ይህሉን ጸገማት ኲሊትናይ ምህላው ተኽእሎ ድማ ይዓብን።[2]

እዚ ሕማም፡ ብቫይረስ ብጫ ረስኒ ዚስዕብ ኮይኑ፡ ብመንከስቲ ኣንስታይ ጣንጡድማ ይመሓላለፍ።[2] ንሰባት፡ ካልኦት ምዕቡላት መጥበውቲከምኡውን ሓያሎ ዓሌታት ጣንጡ ጥራይ ድማ የጥቅዕ።[2] ኣብ ከተማታት፡ ብአይደስ ኢጂብቲ (Aedes aegypti) ዝፍለጣ ዓሌታት ጣንጡ ብቐንዱ ይመሓላለፍ።[2] እዚ ቫይረስ፡ ኣብ ዘርኢ ፍላቪቫይረስ (Flavivirus) ዚምደብቫይረስ ኣርኤንኤ (RNA) እዩ።[3] እዚ ሕማም፡ ብፍላይ ኣብ ፈለማ እዋን ካብ ካልኦት ሕማማት ንኽትፈልዮ ኣጸጋሚ ኪኸውን ይኽእል እዩ።[2] እቲ እተጠርጠረ ሕማም ብጫ ረስኒ ምዃኑ ንምርግጋጽ ድማ መልሰ-ተግባር ሰንሰለት ፖሊመራስ (polymerase chain reaction) ብምጥቃም መርመራ ቅምሶ ደም ኺካየደሉ የድሊ።[4]

ኣንጻር ብጫ ረስኒ ዚውሃብ ውሑስን ውጽኢታውን ክታበት ኣሎ፣ ገለ ሃገራት ድማ ናብአን ዝመጹ ገያሾ ክታበት ክወስዱ የገድዳ እየን። [2] ረኽሲ ንምውጋድ ዚካየድ ካልእ ጻዕርታት፡ ንብዝሒ’ተን ህማም ዘመሓላልፋ ጣንጡ ከምዚጐድል ምግባር ዜጠቓልል እዩ።[2] ብጫ ረስኒ ግኑን ኣብ ዝኾነሉ፡ እሞ ኸኣ ክታበታት ልሙድ ኣብ ዘይኮነሉ ቦታታት፡ ኣቐዲምካ ነቲ ሕማም ምንጻርን ንሰፊሕ ክፍሊ ሕብረተሰብ ክታበታት ምሃብን፡ ምልባዕ’ቲ ሕማም ንኸተወግድ ኣገዳሲ ይገብሮ።[2] እቲ መልከፍቲ ሓንሳእ ምስኣጋጠመ፡ ኣንጻር’ቲ ቫይረስ ዚውሰድ ውጽኢታዊ ዝኾነ ፍሉይ ስጉምታት የለን፣ እቲ ኪግበር ዘለዎ ቀንዲ ነገር ድማ ነቲ ሕማም ምቁጽጻር እዩ።[2] ከቢድ ሕማም ኣብ ዘጋጠመሉ እዋን፡ ሕክምና ምስዘይረኽቡ ንኸባቢ ፍርቂ’ቶም እተለኽፉ ሰባት ሞት የጋጥሞም።[2]

ብጫ ረስኒ፡ ኣብ ነፍስወከፍ ዓመት፡ ን200,000 ሰባት ይለክፍ፣ ኣብ 30,000 ሰባት ድማ ሞት የስዕብ፣[2] ከባቢ 90% እቲ ሕማም ኣብ ኣፍሪቃ የጋጥም።[4] እቲ ሕማም ግኑን ኣብ ዝኾነሉ ክፍሊ ዓለም፡ ከባቢ ቢልዮን ሰባት ይቕመጡ።[2] ኣብ ትሮፒካዊ ቦታታት ደቡብ ኣሜሪካ ከምኡውን ኣፍሪቓግኑን ኮይኑ፡ ኣብ እስያግን ብፍጹም የለን።[5][2] ካብ 1980ታት ጀሚሩ፡ ብዝሒ’ቶም ብጫ ረስኒ ዘጋጥሞም ሰባት እናወሰኸ ይመጽእ ኣሎ።[6][2] እዚ ድማ ነዚ ሕማም ዚከላኸሉ ውሑዳት ሰባት ስለዘለዉ፣ ኣብ ከተማታት ድማ ብዙሓት ሰባት እናተቐመጡ ይመጹ ስለዘለዉ፣ ሰባት ብቐጻሊ ይጉዓዙ ስለዝኾኑ፡ ከምኡውን ምልዋጥ ክሊማ ከምዝኾነ ይእመን።[2] መበቆል’ዚ ሕማም ኣብ ኣፍሪቓ ኮይኑ፡ ኣብ መበል 17 ክፍለ-ዘመን ድማ ብመገዲ ንግዲ ገላዩ ኣቢሉ ናብ ደቡብ ኣሜሪካ ከምዚመሓላለፍ ኮይኑ።[1] ካብ መበል 17 ክፍለ-ዘመን ጀሚሩ፡ ሓያለ ቀንዲ ምልባዕ’ዚ ሕማም’ዚ፡ ኣብ ኣሜሪካ፡ ኣፍሪቃን ኤውሮጳን የጋጥም ኣሎ።[1] ኣብ መበል 18ን መበል 19ን ክፍላ-ዘመናት፡ ብጫ ረስኒ፡ ሓደ ካብቶም ኣዝዮም ሓደገኛታት ተመሓላለፍቲ ሕማማትይርኤ ነይሩ።[1] እዚ ቫይረስ ብጫ ረስኒ፡ እቲ ፈለማ እተረኽበ ቫይረስ ደቂ-ሰብ እዩ።[3]

References[ኣመዓራርይ | ኮድ ኣመዓራርይ]

  1. a b c d Lua error in ሞድዩል:Citation/CS1 at line 4390: attempt to index field 'date_names' (a nil value).
  2. a b c d e f g h i j k l m n o p q r s Lua error in ሞድዩል:Citation/CS1 at line 4390: attempt to index field 'date_names' (a nil value).
  3. a b Lua error in ሞድዩል:Citation/CS1 at line 4390: attempt to index field 'date_names' (a nil value).
  4. a b Lua error in ሞድዩል:Citation/CS1 at line 4390: attempt to index field 'date_names' (a nil value).
  5. Lua error in ሞድዩል:Citation/CS1/Utilities at line 38: bad argument #1 to 'ipairs' (table expected, got nil).
  6. Lua error in ሞድዩል:Citation/CS1 at line 4390: attempt to index field 'date_names' (a nil value).