ንምዕባለ ቋንቋ ሽወደን ውላደይ

ካብ ዊኪፐድያ፣ ናጻ ኢንሳይክሎፐድያ

ንምዕባለ ቋንቋ ሽወደን ውላደይ:

ብኸመይ ክድግፎ እኽእል?

እቲ ጽቡቕ መሰረት መማዕበሊ ቋንቋ ሽወደን ናይ ሓደ ቈልዓ፡ ጽቡቕ ምትሕብባር ኣብ መንጎ ቅድመ-ትምህርትቤት-ትምህርትን ወለድን'ዩ። ቅድመ-ትምህርትን ቤት-ትምህርትን ኣብ ናይቲ ቈልዓ ምምዕባል ቋንቋ ሽወደን ዓቢ ሓላፍነት ኣሎዎ። ስድራቤት’ውን ብዝተፈላለየ መንገዲ፡ ብዝያዳ ኸኣ ኣብ ናይ’ቲ ቈልዓ ስራሕ ትምህርቲ፡ ብዝተፈላለየ ኣገባብ ብምትብባዕ፡ ኪሕግዙ ይኽእሉ። ዋላ እቶም ወለዲ ቋንቋ ሽወደን ብዙሕ ዘይክእሉ እንተዀኑ’ውን፣ ኣብ ናይ’ቲ ተመሃራይ ዕዮ-ቤት ኪሕግዙ ይኽእሉ።

ብዙሓት ወለዲ፡ ደቆም ምስኣቶም ዚጻወቱ ሽወደናውያን መሓዙት እንተዘይብሎም ከመይ ገይሮም ቋንቋ ሽወደን ኪምሃሩ ይኽእሉ ዚብል ሕቶ ኣሎዎም። ወለዲ ኪሓስቡለን ዘሎዎም ብውሑድ ክልተ ነጥብታት ኣለዋ። እታ ቀዳመይቲ፡ እቲ ቈልዓ ብዝተፈላለየ መንገዲ ሽወደን ዚዛረቡ ሰባት ኪረኽበሉ ዚኽእል ዕድላት ኪርከበሉ፤ እቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ከኣ፡ እቲ ቈልዓ ምስ ካልኦት መሓዙትን ዓበይትን - ቋንቋኦም ሽወደን ይኹን ኣይኹን ብዘየገድስ - ቋንቋ ሽወደን ኪጥቀመሉ ዚኽእል ዕድላት ኪረክብ ኢዩ። ንኣብነት ወለዲ እቲ ቈልዓ፡ ሽወደን ዚዛረቡ ቈልዑ ኣብ ዚርከቡዎ ምንቅስቓሳት ከም ኵዕሶ እግሪ፡ መዝሙር፡ ሳዕስዒት ወዘተ… ኪካፈል ኬተባብዑዎ የድሊ።

እታ ካልኣይቲ፡ ነቲ ቈልዓ፡ ኣየናይ ቅድመ-ትምህርትን ቤት-ትምህርትን ከም ዚሰማምዖ ኣብ ግምት ምእታው ኢዩ። እቶም ወለዲ፡ እቶም ኣብ ቅድመ-ትምህርትን ቤት-ትምህርትን ዘለዉ መምህራን፡ ሰፊሕ ፍልጠትን ንቕሓትን ናይ ምዕባለ ድርብ ቋንቋ፡ ትምህርቲ ካልኣይ ቋንቋን ቈልዑ ንኻልኣይ ቋንቋ ከመይ ከም ዚምሃሩን ዚፈልጡ ኪዀኑ ኪጠልቡ መሰል ኣሎዎም። ከምኡ’ውን ወለዲ፡ መምህራን ንናይ ደቆም ቋንቋ ኣደን ሽወ ደንን ብዜማዕብል መንገዲ ዚሰርሑ ኪዀኑ ኪጠልቡ መሰል ኣሎዎም።