ኤልሳቤጥ ልእልቲ ባቫርያ

ካብ ዊኪፐድያ፣ ናጻ ኢንሳይክሎፐድያ

ሞደል:מנהיג ኤልሳቤጥ ብ24 ታሕሳስ 1837 ኣብ ሙኒክ ካብ ማክሲሚልያን ጆሴፍ ልኡል ባቫርያን ሉዶቪካ ልእልቲ ባቫርያን ጓል ማክሲሚልያን ቀዳማይ ዮሴፍ ንጉስ ባቫርያን ካሮሊን ባደንን ተወሊዳ። ካብ ወጋሕታ ንእስነታ "ሲሲ" ትበሃል ነበረት። ሓፍቲ ኣደ ሲሲ ሊቀ ዱቸስ ሶፊ ንፍራንዝ ካርል ሊቀ ዱክ ኦስትርያ ሊቀ ዱክ ቤት ሃብስበርግ ተመርዕያ ኣደ ፍራንዝ ጆሴፍ ሃጸይ ኦስትርያ እያ ነይራ። ኣደ ሲሲን ሓፍታ ሶፊን ንዓባይ ሓፍታ ሄለና መርዓት ናይቲ ሃጸይ ክትከውን ዒላማ ገበራ፡ እቶም ስድራቤታት ምስ ተራኸቡ ግን እቲ ሃጸይ ንኤልሳቤጥ በዓልቲ ቤቱ ክትከውን መሪጹ ብ1854 ኣብ ቪየና ተመርዓዉ።