ናብ ትሕዝቶ ኪድ

ኤርትራ ኤርትራ ኤርትራ

ካብ ዊኪፐድያ፣ ናጻ ኢንሳይክሎፐድያ

ኤርትራ ኤርትራ ኤርትራ ዝብል ሃገራዊ መዝሙር ኤርትራ እዩ። ድሕሪ ናጽነት ሃገር ቁሩብ ጸኒሑ ዝተቐበሎ

ኤርትራ ኤርትራ ኤርትራ፡
በዓል ደማ እናልቀሰ ተደምሲሱ፡
መስዋእታ ብሓርነት ተደቢሱ።
መዋእል ነኺሳ ኣብ ዕላማ፡
ትእምርቲ ጽንዓት ኰይኑ ስማ፡
ኤርትራ'ዛ ሓበን ዉጹዓት፡
ኣመስኪራ ሓቂ ክምትዕውት።
ኤርትራ ኤርትራ፡
ኣብ ዓለም ጨቢጣቶ ግቡእ ክብራ።
ናጽነት ዘምጽኦ ልዑል ኒሕ፡
ንህንጻ ንልምዓት ክንሰርሕ፡
ስልጣነ ከነልብሳ ግርማ፡
ሕድሪ'ለና ግምጃ ክንስልማ።
ኤርትራ ኤርትራ፡
ኣብ ዓለም ጨቢጣቶ ግቡእ ክብራ።