ድርብ ቋንቋነት

ካብ ዊኪፐድያ፣ ናጻ ኢንሳይክሎፐድያ

ድርብ ቋንቋነት:

ዝበዝሑ ህዝብታት ዓለም ሰብ ድርብ ወይ ብዙሕ ቋንቋ ኢዮም።

ድርብ ወይ ብዝሐ-ቋንቋ ንውልቀ-ሰብ ይኹን ንሕብረተ-ሰብ ኣዝዩ ጠቓሚ ኢዩ። ካብ ሓደ ሃገር ናብ ካልእ ሃገር ዝቐየሩ ስድራቤታት፡ ቋንቋ ኣደኦም ምስ ዚዕቅቡ ምስ ሃገሮም ርክቦም ኪቕጽሉ ዝቐለል ይዀነሎም። ካብ ከምዚኦም ዓይነት ስድራ-ቤታት ዝተወልዱ ቈልዑ፡ ቋንቋ ስድራኦም ኪዛረቡ ዚኽእሉ ምስ ዝዀኑ፡ ባህሊ ስድራ-ቤቶም ንኺቕበሉ ዝዓበየ ዕድል ኣሎዎም።

ድርብ ቋንቋ ዘሎዎም ሰባት፡ ጥቕሚ ብዝሐ-ባህልታት ብቐሊሉ የስተ ማቕሩ፡ ሰፊሕ ኣረኣኣያ ዓለም ኪፈጥሩ ከኣ ይኽእሉ።

ቋንቋ ኣደ፡ ንርክብ ኣብ መንጎ ስድራቤታትን ኣዝማድን፡ ንቘልዑ ከኣ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሶም መንነትን ዝምድናን ርግጸኛታት ኪዀኑን ኣዝዩ ጠቓሚ ኢዩ።

ኵሎም ቘልዑ ክልተ ወይ ዝያዳ ቋንቋታት ኣብ ሓደ ግዜ ኬጽንዑ ይኽእሉ ኢዮም። ግን ንኽልቲኡ ቋንቋታት ብማዕረ ዚኽእሉዎ ሳሕቲ ኢዩ።

ቈልዓ፡ ንኽልቲኡ ቋንቋታት ብዝለ ዓለ ደረጃ መታን ኬማዕብሎ፡ ሓገዝ ስድራ-ቤትን ቅድመ ትምህ ርትን ቤት ትምህርትን የድሊ። ምስቲ ቘልዓ ርክብ ዘሎዎም ዓበይቲ፡ እቲ ቘልዓ ቋንቋ ኣደኡ ንኺጥቀም ብዝተፈላለየ መንገዲ ኬተባብዑዎን ኪድግፉዎን ኣድላዪ ኢዩ።


ቋንቋ ውሑዳን ብምጥቃም- ኣብ ስድራ-ቤታት ጥራይ ዘይኰነ፡ ኣብ ቦታ መጻወቲ፡ ኣብ ቅድመ ትምህርቲ፡ ኣብ ክፍልን ኣብ ስራሕን - ስድራ ቤታትን መምህራንን ነቲ ቘልዓ ብዝሐ ቋንቋ ምህላው ባህርያዊ ከም ዝዀነ ብጭቡጥ ኬርእዩዎ ይኽእሉ። ድርብ-ቋንቋነት ብዙሕ ኣወንታዊ ነገራት ስለ ዘሎዎ፣መብዛሕትኦም ክልተ ወይ ሓያለ ቋንቋ ዘሎዎም ስድራ-ቤታት ነዞም ቋንቋታት’ዚኣቶም ኬልግሱዎም ኢልካ ምሕሳብ ብፍጹም ዘይክኣል’ዩ።

እቲ ዝተረፈ ሕብረተ-ሰብ፡ ሰባት ብብዙሕ ቋንቋታት ምዝራቦም ብኣወን ታዊ ዓይኒ ምስ ዚርእዮ፣ ምዕባሌ ክልተ ቋንቋ ይቐልል።