Social omsorg

ካብ ዊኪፐድያ፣ ናጻ ኢንሳይክሎፐድያ

ማሕበራዊ ኣገልግሎት ወይ ድማ ኣሃዱ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ብምምሕዳርዊ ቅርጺ ናይ ነፍሲ ወከፍ ክፍሊ ምምሕዳር ተማእዚዙ ዝኸይድ ኣሃዱ ኮይኑ፣ ፖለቲካዊ፣ ኮነ ማሕበራዊ ሕቶታት ናይ ህዝቢ ንምምላስ ማሕበራዊ ሕጊ ተማእዚዙ ዝዓዪ ኣሃዱ ኢዩ። እት ልክዕ ስሙ ድማ ከከም ዝጥዕም ብነፍሲ ወከፍ ምምሕዳር ክስየም ይኽእል።

ኣሃዱ ማሕበራዊ ኣገልግሎት በቲ ኣብ 2001 (ዓንቀጽ 2001/453) ዝተደንገገ ተማእዚዙ ይሰርሕ። ቅድሚኡ ግን እቲ ሓሳብ (እዚ ሕጂ ማሕበራዊ ኣገልግሎት) ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዘሎ ካልእ ስም ማለት ማሕበራዊ ክንክን ብዝብል ኢዩ ይጽዋዕ ኔሩ። ቅድሚ 1956 ድማ ክንክን ድኻታት ወይ ድማ ምእላይ ድኻታት ተባሂሉ ኢዩ ዝጽዋዕ ዝነበረ።

እቶም ነዚ ዓይነት ኣግለግሎት ዝጥቀሙ ሰባት (ተረባሕቲ ናይዚ ኣገልግሎት ዝኾኑ) ድማ፣ ተገልገልቲ፣ ተጠቀምቲ፣ ዓማዊል፣ ተረባሕቲ ተባሂሎም ከከም ኩነታቱ ይጽዉዑ ኔሮም።