ግብጺ

ዓረባዊት ሪፓብሊክ ግብጺ
جمهوريّة مصرالعربيّة  (ዓረብኛ)
ኣባል ሃገር ሕብረት ኣፍሪቃ


ባንዴራ ሓበሬታ ኣብ ዊኪዳታ ርኣይን ኣመሓይሽን


ሃገራዊ መዝሙርبلادي بلادي بلادي
(ዓረብኛ፦ 'ሃገረይ፣ ሃገረይ፣ ሃገረይ')

ርእሰ ከተማ ካይሮ
30°02′40″ሰ 31°14′09″ምብ / 30.044444444444, 31.235833333333 ሓበሬታ ኣብ ዊኪዳታ ርኣይን ኣመሓይሽን
ወግዓዊ ቋንቋታት ዓረብኛግብጻዊ ዓረብኛ
ዜግነት ህዝቢ ግብጻዊ/ -ት
ምስራዊ/ -ት
ዓይነት መንግስቲ ፍርቂ ፕረዚደንታዊት ሪፓብሊክ
 • ፕረዚደንት ዓብደል ፋታሕ ኣል-ሲሲ
ሓጋጊ ኣካል Parliament of Egypt ሓበሬታ ኣብ ዊኪዳታ ርኣይን ኣመሓይሽን
ስፍሓት  
 • ጠቕላላ 1,010,408 ትርብዒት ኪ.ሜ.
 • ማይ (%) 0,6
ብዝሒ ህዝቢ  
• ግምት (2021) 102,674,145 ተቐመጥቲ
ባጤራ ግብጻዊ ፓውንድ (EGP)
ዞባ ግዜ EAT (UTC +2)
ኮድ ኣይሶ 818 / EGY / EG
ዓውዲ ኢንተርነት .egን .مصرን
ስልካዊ ቅድመ ጥብቆ +20
ኮድ ኣ.ኦ.ኮ EGY ሓበሬታ ኣብ ዊኪዳታ ርኣይን ኣመሓይሽን

ግብጺ፣ ወይ ምስሪ (ብዓረብኛ፦ مصر‎፤ ብቅብጢ፦ Ⲭⲏⲙⲓ)፣ ብወግዒ ዓረባዊት ሪፓብሊክ ግብጺ (ብዓረብኛ፦ جمهوريّة مصرالعربيّة)፣ ስግረ-ኣህጉራዊት ልኡላዊት ሃገር እያ። መብዛሕትኡ ኣብ ጫፍ ሰሜናዊ ምብራቕ ኣፍሪቃ ክትርከብ እንከላ፣ ኣብ ኤስያ ድማ ኣብ ሓውሲ ደሴት ሲና ትርከብ። ብደቡብ ምስ ሱዳን፣ ብምዕራብ ምስ ሊብያ፣ ብሰሜናዊ ምብራቕ ድማ ምስ ጋዛ (ፍልስጤም)ን እስራኤልን ትዳወብ። ብሰሜን ምስ ማእከላይ ባሕሪ ብደቡባዊ ምብራቕ ድማ ምስ ቀይሕ ባሕሪ ትዳወብ።

ዳርጋ ፍርቂ ግብጻውያን ኣብ ከተማታት ይነብሩ፣ ብፍላይ ኣብተን ጽዑቕ ህዝቢ ዝነብረለን ማእከላት ካይሮን፣ ርእሰ ከተማኣ፣ እስክንድርያን ይነብሩ።