ሕማም ዕቡድ ከልቢ

ካብ ዊኪፐድያ፣ ናጻ ኢንሳይክሎፐድያ
Rabies

ኣብ ደረጃ ምልማስ (ልዕሊ-ክፉእ) ዝርከብ ሕማም ዕቡድ ከልቢ ዘለዎ ከልቢ
ፍሉይነት infectious diseases
veterinary medicine
ዊኪፐድያ ሕክምናዊ ምኽሪ ኣይህብን እዩ ሕክምናዊ መጠንቀቕታ 

{{#ifeq:|

ሕማም ዕቡድ ከልቢ ፡ ኣብ ሰባትን ካልኦት ውዑይ ዝደሞም እንስሳታትን ከቢድ ነድሪ ኣእምሮ ብዘስዕብ ቫይራል ዚመሓላለፍ ሕማም እዩ።[1] እቲ ኣቐዲሙ ዝርኤ ምልክታት፡ ረስንን ኣብቲ ዝተነኽሶ ክፋል ኣካል ድማ ጸላዕላዕ/ማርማር ዚብል ስምዒትን ከጠቓልል ይኽእል።[1] እዚ ምልክታት ድማ ቀጺሉ ካብ ዘሎ ሓደ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ምልክታት፥ ማለት ዘይንቡር ምንቅስቓስ ኣካላት፣ ዘይግታእ ስምዒታት፣ ፍርሂ ማይ፣ ንገለ ክፋላት ኣካል ከተንቀሳቕስ ዘይምኽኣል፣ ዕግርግር ምባል ከምኡውን ምስሓት ውኖየኸትል።[1] ሕማም ዕቡድ ከልቢ፡ ምልክትታት ምስተራኣየ፡ መብዛሕቱ ግዜ ሞት የስዕብ።[1] ኣብ መንጐ መልከፍቲ ሕማምን ምርኣይ ምልክታትን ዘሎ ንውሓት ግዜ፡ መብዛሕቱ ግዜ ካብ ሓደ ክሳዕ ሰለስተ ኣዋርሕ እዩ። እንተኾነ ግን፡ እቲ ንውሓት ግዜ፡ ካብ ትሕቲ ሓደ ሰሙን ክሳዕ ልዕሊ ሓደ ዓመት ኪፈላለ ይከኣል እዩ።[1] እቲ ንውሓት ግዜ፡ እቲ ቫይረስ ናብ ማእከላይ ስርዓተ መትኒ ንኽበጽሕ ኣብ ዝጉዓዞ ርሕቐት ዚሙርኮስ እዩ።[2]

ሕማም ዕቡድ ከልቢ፡ ካብ ካልኦት እንስሳታት ናብ ሰባት ኪመሓላለፍ ይኽእል። ሕማም ዕቡድ ከልቢ፡ በቲ ሕማም ዝተለኽፈ እንስሳ ንኻልእ እንስሳ ወይ ሰብ ኣብ ዝፍሕንጭረሉ ወይ ዝነኽሰሉ እዋን ኪመሓላለፍ ይኽእል።[1] ካብ ዝተለኽፈ እንስሳስ ዚወጽእ ምራቕ፡ ምስ ልፋጭ ቆርበት ኣካላት (ሙኮስ መምብረይን) ካልእ እንስሳ ወይ ሰብ ኣብ ዝራኸበሉ እዋን እቲ ሕማም ዕቡድ ከልቢ ከመሓላልፍ ይኽእል።[1] መብዛሕቱ ኣብ ሰባት ዜጋጥም ሕማም ዕቡድ ከልቢ፡ ብሰንኪ መንከስቲ ከልቢ ዚስዕብ እዩ።[1] ኣብተን ሕማም ዕቡድ ከልቢ ብብዝሒ ዘለወን ሃገራት፡ ልዕሊ 99% ሕማም ዕቡድ ከልቢ፡ ብሰንኪ መንከስቲ ከልቢ ዚስዕብ እዩ።[3] ኣብ ኣሜሪካመንካዕ፡ እተን ኣዝየን ቀንዲ ጠንቂ ሕማም ዕቡድ ከልቢ ክኾና ከለዋ፡ ትሕቲ 5% ናይቲ ኣብ ሰባት ዜጋጥም ሕማም ዕቡድ ከልቢ ድማ ብኣኻልብ ይስዕብ።[1][3] ገሃጽቲ እንስሳታት፡ ኣዝዩ ሳሕቲ ኣብ ዝኾነ ግዜ ብሕማም ዕቡድ ከልቢ ይልከፉ።[3] ቫይረስ ሕማም ዕቡድ ከልቢካብ ኣእምሮ ወጻኢ ብዘሎ መትንታትኣቢሉ ናብ ኣእምሮ ይጉዓዝ። እዚ ሕማም፡ ምልክታት ምስተራእየ ጥራይ’ዩ ኪንጸር ዚከኣል።[1]

ፕሮግራማት ምቚጽጻርን ክታበትን እንስሳታት፡ ኣብ ሓያሎ ከባቢታት ዓለም፡ ነቲ ብኣኻልብ ዚስዕብ ሓደጋታት ሕማም ዕቡድ ከልቢ ከምዝቕንስ ይገብር ኣሎ።[1] እቶም ኣብ ከቢድ ሓደጋ ዝርከቡ ሰባት፡ እቲ ሕማም ቅድሚ ምግጣሙ ክኽተቡ ለበዋ ይቐርብ። እቶም ኣብ ልዑል ሓደጋ ዝርከቡ ጉጅለ፡ ምስ መንካዓት ዝሰርሑ ወይ ኣብቲ ሕማም ዕቡድ ከልቢ ብብዝሒ ዝርኣየሉ ቦታታት ዓለም ንነዊሕ ግዜ ዝሰርሑ ጉጅለ ሰባት የጠቓልል።[1] እቶም ንሕማም ዕቡድ ከልቢ ዝተቓልዑ ሰባት ብዚምልከት፥ እቲ ዚሓመመ ሰብ፡ ቅድሚ ምልክታት ሕማም ዕቡድ ከልቢ ምጅማሩ ሕክምና ዝግበረሉ ሰብ፡ ክታበት ሕማም ዕቡድ ከልቢን ሳሕቲ ድማ ኢሙኖግሎቡሊን ሕማም ዕቡድ ከልቢን፡ ንምክልኻል’ዚ ሕማም ውጺኢታዊ እዩ።[1] ንዝተነኽሰን ዝተፈሓንጨረን ኣካል ን15 ደቓይቕ ዝኣክል ግዜ ብሳሙናን ማይን፣ ፖቪዶን ኣዮዲን፣ ወይ መነጻጽሂ ዲተርጀንት ምሕጻብ፡ ነቲ ቫይረስ ኪቐትል ስለዝኽእል፡ ንምትሕልላፍ ሕማም ዕቡድ ከልቢ ንኽከላኸል ብመጠኑ ውጺኢታዊ ይኸውን እዩ።[1] ብሕማም ዕቡድ ከልቢ ዝተለኽፉ ውሑዳት ሰባት ጥራይ’ዮም ብህይወት ሰሪሮም ዘለዉ፣ እዚ ድማ ብእተገብረ ብፕሮቶኮል ሚልዎኪ ዚፍለጥ ሰፊሕ ሕክምና ምስተገብረሎም እዩ።[4]

ሕማም ዕቡድ ከልቢ፡ ኣብ ምሉእ ዓለም ኣብ ዓመት፡ ንኣስታት 26,000 ክሳዕ 55,000 ሞት የስዕብ።[1][5] ልዕሊ 95% ናይቲ ዘጋጥም ሞት፡ ኣብ እስያ ከምኡውን ኣፍሪቃዜጋጥም እዩ።[1] ሕማም ዕቡድ ከልቢ፡ ኣብ ልዕሊ 150 ሃገራት፡ ከምኡውን ብዘይካ ኣብ ኣንታርክቲካ ኣብ ኲለን ኣህጉራት ይርከብ።[1] ሕማም ዕቡድ ከልቢ ኣብ ዘለዎ ከባቢታት ዓለም፡ ልዕሊ 3 ቢልዮን ሰባት ይነብሩ ኣለዉ።[1] ኣብ መብዛሕቱ ቦታታት ኤውሮጳን ኣውስትራልያን፡ ሕማም ዕቡድ ከልቢ፡ ኣብ መንክዓት ጥራይ ይርከብ።[6] ብዙሓት ንኣሽቱ ኣብ ደሴታት ዝርከባ ሃገራት ድማ ብፍጹም ሕማም ዕቡድ ከልቢ የብለንን።[7]

References[ኣመዓራርይ | ኮድ ኣመዓራርይ]

  1. a b c d e f g h i j k l m n o p q r Lua error in ሞድዩል:Citation/CS1 at line 4390: attempt to index field 'date_names' (a nil value).
  2. Lua error in ሞድዩል:Citation/CS1 at line 4390: attempt to index field 'date_names' (a nil value).
  3. a b c Lua error in ሞድዩል:Citation/CS1 at line 4390: attempt to index field 'date_names' (a nil value).
  4. Lua error in ሞድዩል:Citation/CS1 at line 4390: attempt to index field 'date_names' (a nil value).
  5. Lua error in ሞድዩል:Citation/CS1 at line 4390: attempt to index field 'date_names' (a nil value).
  6. Lua error in ሞድዩል:Citation/CS1 at line 4390: attempt to index field 'date_names' (a nil value).
  7. Lua error in ሞድዩል:Citation/CS1 at line 4390: attempt to index field 'date_names' (a nil value).