መቐለ 70 እንደርታ ኤፍ.ሲ

ካብ ዊኪፐድያ፣ ናጻ ኢንሳይክሎፐድያ

መቐለ 70 እንደርታ FC ኣብ መቐለ ኢትዮጵያ ዝመደበሩ ናይ ኢትዮጵያ ኩዕሶ እግሪ ክለብ እዩ። ኣባል ፌደሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ኮይኑ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ላዕለዋይ ዲቪዥን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ፕሪምየር ሊግ ኢትዮጵያ ይፃወት። እታ ክለብ ድሕሪ ምዝዛም ዓመተ ስፖርት 2016-17 ንፈለማ እዋን ናብ ፕሪምየር ሊግ ኢትዮጵያ ደይባ። ኣብ ዓመተ ስፖርት 2018/19 መቐለ 70 እንደርታ ሻምፕዮን ፕሪምየር ሊግ ኢትዮጵያ ኮይና ንኢትዮጵያ ወኪላ ኣብ ሻምፕዮንስ ሊግ ካፍ 2019 ክትሳተፍ ከላ ኣብ ቀዳማይ ዙር ግን ይጎድላ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን እታ ክለብ ኣብ ፕሪምየር ሊግ ኢትዮጵያ 2019/2020 ካብ ዝመርሓ ጋንታታት ሓንቲ እያ [1]