ረስኒ ዚካ

ካብ ዊኪፐድያ፣ ናጻ ኢንሳይክሎፐድያ
ረስኒ ዚካ
ፍሉይነት infectious diseases
neonatology
ዊኪፐድያ ሕክምናዊ ምኽሪ ኣይህብን እዩ ሕክምናዊ መጠንቀቕታ 

{{#ifeq:|


ረስኒ ዚካ (Zika fever)፡ ብብሕማም ቫይረስ ዚካ ዚፍለጥ ኮይኑ፡ ብቫይረስ ዚካ ዚመሓላለፍ ሕማም እዩ።[1] ምልክታት ድማ ምስ ረስኒ ደንጊ (dengue fever) ተመሳሳሊ እዩ።[1] መብዛሕቶም ሕሙማት(60–80%)፡ ዝኾነ ዓይነት ምልክታት ኣየርእዩን እዮም።[2] ምልክታት ኣብ ዝህልወሉ እዋን ድማ ብሓፈሻ ንረስኒ፡ ምቕያሕ ዓይኒ፡ ቃንዛ መላግቦ፡ ቃንዛ ርእሲ ከምኡውን ማኩሎፓኡለር ዕንፉሩር (maculopapular rash) የጠቓልል።[3][1] እቲ ሓፈሻዊ ምልክታት፡ ፈኲስ ኮይኑ፡ ንትሕቲ ሸውዓተ መዓልታት ድማ ዚጸንሕ እዩ።[4] ኣብ 2015፡ ኣብ ፋልማይ ረኽሲ ዘጋጠመ ሞት የለን።[2] እቲ ረኽሲ፡ ምስ ሕማም ድኻም ጭዋዳታት (Guillain–Barré syndrome) ምትእስሳር ዘለዎ እዩ።[2]

ጠንቅን ነጸርታን[ኣመዓራርይ | ኮድ ኣመዓራርይ]

ረስኒ ዚካ፡ ብመንከስቲ ኤይደስ (Aedes) ዝዓይነተን ጣንጡ ብቐንዱ ይመሓላለፍ።[4] ብጾታዊ ርክብን ምስግጋር ደምን ንኺመሓላለፍ ተኽእሎ ክህልዎ ይኽእል እዩ።[4] እዚ ሕማም፡ ኣብ ማህጸን ካብ ኣደ ናብ ቆልዓ ኪመሓላለፍን ንእሽቶ ዝርእሱ ቆልዓ (microcephaly) ከምዚውለድ ኪገብርን ይኽእል።[1][2] ነጸርታ ድማ እቲ ሰብ ምስ ሓመመ RNA ናይቲ ቫይረስ እንተልዩ ንምፍላጥ፡ መርመራ ደም፡ ሽንቲ ወይ ምራቕ ይግበር።[4][1]

ምክልኻልን ሕክምናን[ኣመዓራርይ | ኮድ ኣመዓራርይ]

ምክልኻል፡ እቲ ሕማም ኣብ ዘለዎ ቦታታት ንዘጋጥም መንከስቲ ጣንጡ ከምዚጐድል ምግባር የጠቓልል።[4] እቲ ዚካየድ ጻዕርታት፡ መከላኸሊ ባልዕምጥቃም፣ ንመብዛሕቱ ኣካላት ምሽፋን፥ላሙስያ ጣንጡ ከምኡውን ነቲ ጣንጡ ዝባዝሓሉ ዝዓቖረ ማይ ከምዚእለ ምግባር የጠቓልል።[1] ውጺኢታዊ ዚኾነ ክታበት የለን።[4] ሰበ-ስልጣን ጥዕና ብራዚል፡ ብሰንኪ’ቲ ዘጋጠመ ለበዳ ወለዲ ጥንሲ ኽከላኸላ ከምዘለወን ኣብ 2015 ለበዋ ኣቕሪቦም፣ ጥኑሳት ደቀኣንስትዮ ድማ ናብቲ ለበዳ ዘጋጠመ ቦታታት ክጉዓዛ ከምዘይብለን ምሕጽንታ ቀሪቡ።[5][4] ፍሉይ ሕክምና ዘይብሉ እኳ እንተኾነ፡ ፓራሲታሞል (ኣሰኣሚኖፈን (acetaminophen))፡ ንዘጋጥም ምልክታት ሓገዝ ኪኸውን ይኽእል እዩ።[4] ኣብ ሆስፒታል ደቂስካ ምሕካም ድማ ሳሕቲ የድሊ።[2]

ታሪኽን ስነ-ለበዳን[ኣመዓራርይ | ኮድ ኣመዓራርይ]

ነዚ ሕማም ዘስዕብ ቫይረስ፡ ፈለማ ኣብ 1947 ተለልዩ ተፈሊጡ። [6] እቲ ንሰባት ዘጋጠመ እተሰነደ ለበዳ፡ ኣብ 2007 ኣብ ፈደራላውያን ክፈል-ሃገራት ማክሮነስያ (Federated States of Micronesia) እዩ።[4] ኣብ ጥሪ 2016፡ እቲ ሕማም፡ ኣብ ዕስራ ከባቢታት ኣሜሪካ ኣጋጢሙ።[4] ኣብ ኣፍሪቃ፡ እስያን ፓሲፊክን ከምዘጋጠመ ድማ ይፍለጥ እዩ።[1] ብሰንኪ’ቲ ኣብ 2015 ኣብ ብራዚል ዚጀመረ ለበዳ፡ ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ኣብ የካቲት 2016 ኣህጉራዊ ስክፍታ ህጹጽ ጥዕና ህዝቢ ኣዊጁ።[7]

References[ኣመዓራርይ | ኮድ ኣመዓራርይ]

  1. a b c d e f g Lua error in ሞድዩል:Citation/CS1 at line 4390: attempt to index field 'date_names' (a nil value).
  2. a b c d e Lua error in ሞድዩል:Citation/CS1 at line 4390: attempt to index field 'date_names' (a nil value).
  3. Lua error in ሞድዩል:Citation/CS1 at line 4390: attempt to index field 'date_names' (a nil value).
  4. a b c d e f g h i j Lua error in ሞድዩል:Citation/CS1 at line 4390: attempt to index field 'date_names' (a nil value).
  5. Lua error in ሞድዩል:Citation/CS1 at line 4390: attempt to index field 'date_names' (a nil value).
  6. Lua error in ሞድዩል:Citation/CS1 at line 4390: attempt to index field 'date_names' (a nil value).
  7. Lua error in ሞድዩል:Citation/CS1 at line 4390: attempt to index field 'date_names' (a nil value).