ሰንዓፈ

ካብ ዊኪፐድያ፣ ናጻ ኢንሳይክሎፐድያ
ሰንዓፈ
በለው - ከለው ፡ መጠራ
ዞባ ደቡብ ኣውራጃ ኣከሎ - ጉዛይ 200 ዓድታት
ሃገራዊ ጭርሖ፦ መንነትና ክብረትና
ወግዓዊ ቋንቋ ትግርኛ+ሳሆ
ቋንቋ ስራሕ

ትግርኛ+ዓረብ

ስፍሓት_ቦታ=131 ትርብዒት ኪሎመተር
ብዝሒ ህዝቢ  
• ግምት 35 000 ተቐመጥቲ
  1. 200 ዓድታት
  2. 50 % ትግርኛ 50 % ሳሆ ክልኦት

ሰንዓፈ[ኣመዓራርይ | ኮድ ኣመዓራርይ]

ሰንዓፈ ( senafe በልው-ከልው) ሓንቲ ካብ ከተማታት ኤርትራ ኮይና፡ ኣብ ወሰን ከበሳታት ካብ ርእሰ ከተማ ኣስመራ ንደቡባዊ ኣንፈት 136 ኪ.ሜ ተደኲና ትርከብ። ንኡስ ዞባ ሰንዓፈ ሓደ ካብቶም ዓሰርተው ክልተ ምምሕዳራዊ ወረዳታት ዞባ ደቡብ ኮይኑ ብሰሜን ምስ ዓዲ-ቀይሕ፡ ብምዕራብ ምስ ጸሮና፡ ብምብራቕ ምስ ሰሜናዊ ቀይሕ-ባሕሪ፡ ብደቡብ ድማ ምስ ኢትዮጵያ ትዳወብ። ንኡስ ዞባ ሰንዓፈ ኣስታት ክልተ ሚኢቲ ( ወረዳ ሰንዓፈ ክልተ ሚኢቲ ዓድታት) ገጠራት ተመሓድርን እንክትከውን ኣብ ውሽጣ ድማ ትሽዓተ ከባብያዊ ምምሕዳራት ሓቛፋ ኣላ። እዛ ከተማ ኣብ 118 ዓዳዊ ምምሕዳራዊ ከባቢታት ኣስታት ሚኢቲ (100 ሽሕ) ሽሕ ሰባት ዝነብሩላ ይቕመጥዋ።


ኣብ ምምሕዳር ሰንዓፈ ዝርከብ ዝነውሐ እምባ ሶይራ እዩ። ካልኦት ንሰንዓፈ ዝኸበቡ ነዋሕቲ ኣኽራናት ከም እምባ መጠራእምባ ሳይምእምባ ታሪኻ ኣለዉ እዮም። ከረን እምባ ደርሆፋርክላ፡ ዓይኒ ሰንዓፈ ካላኦትን ኣብ ዙርያ ሰንዓፈ ኮይኖም ንምስላ ዘወቕቡ ተፈጥራዊ ቅርጽታት እዮም። ከተማ ሰንዓፈ ኣብ መንጎ ጎቦታትን እምባታትን እተዶኮነት ኣዝያ ምጭውቲ ንእሽቶን ከተማ እያ። ብምኽንያት ብራኸ ዝሕል ዝበለ ኩነታት ኣየር ዘለዋ፡ ብዙሓት ዓድታት ኣብ ዙርያ ዝሓዘት ዝሓቖፈት እያ። እምባ ክብሃል ስማ ዝጥቀስ ተበሃጊት ከተማ እውን እያ። ኣብ ዓይኒ ሰንዓፈ ኴንካ እንክትጥምት፡ እታ ከተማ ብቤተክርስትያናትን መሳጊድን ወቒባ ትረኣይ። እምባ መጠራን ታሪኻን ተወሳኺ ጽባቐ ዝፈጥሩላ ባህሪያዊ ትዕድልታ እዩም።

ኣብ ሰንዓፈን ከባቢኡ ብብዝሒ ብህዝቢ ትግርኛን ክኸውን እንከሎ ገለ ውሑዳት ህዝቢ ሳሆን እውን ዝነብር ሕብረተሰብ ኣለዉ። መብዛሕቲኡ ብክቡር ባህልን ሃብታም ልምድታትን ዝውንን ህዝቢ ዘለዋ እያ። ብዑናታት መጠራ ፡ በለው ከለው ፡ ቤተክርስትያን እንዳ- ፃድቃን ከምኡ እውን በቲ ኣብቲ ከባቢ ብዘሎ ታሪኻዊ ሓወልቲ ትፍለጥ። ገለ ካብዞም ታሪኻዊ ቦታታት ድማ በለው ከለውመጠራ ብደቡብ ቖሓይቶ ፡ ብሰሜን ድማ ከስከሰ፡ ታሪኻ እዮም።


ኣቀማምጣ[ኣመዓራርይ | ኮድ ኣመዓራርይ]

ንኡስ ዞባ ሰንዓፈ ኣስታት 1231 ትርብዒት ኪ.ሜ ስፍሓት ኣለዋ ። እቲ ዝበረኸ ጫፍ ኤርትራ ዝኾነ እምባ ሶያራ ካብ ጽፍሒ ባሕሪ 3013 ሜትሮ ልዕሊ ጽፍሒ ባሕሪ ተቐሚጡ ኣሎ። እታ ከተማ  ከባቢ ዓሰርተ ሽሕ ጫማ ካብ ጽፍሒ ባሕሪ ተዶኲና ትርከብ።  ዝርጋሐ ማይ ከባቢ 40 0ሚ.ሜ ኣብ ጽቡቕ ክራማት ድማ ከባቢ 900ሚ.ሜ ኣብ ዓመት ኣቢሉ ይረክብ። ኩነታት ኣየር እዚ ከባቢ ንወዲ ሰብ ባህታ ዝፈጥር፡ ንመሬት ብሓምላይ ሳዕሪ ዝሽፍን፡ ዝተፈላለያ ዘቤታዊ እንስሳታት እንተላይ እንስሳታት ገዳም ከም ኢራብ፡ ዓጋዘን፡ መፍለስን ዛግራን ዝፋረያሉን ብዘደንቕ ዝዘላሉን ስለዝኾነ፡ ብዙሓት ተቐማጦ ካልእ ከባቢ መሬቶም ኣብ ከምዚ ዓይነት ሃዋህው ተለዊጡ ብደስታን ፍስሃን ክነብሩ ይሓልሙ ነበሩ። እዚ ቦታ እዚ ፡ እተፈላለየ ታሪኻዊ ኣርከናውን ኣርኪዮሎጂካዊን ጂኦግራፍያውን ኣገዳስነት ዘለዎ ቦታታት እዩ ። ብዘይካ’ቲ ኣብ ውሽጢ’ቲ ንኡስ ዞባ ዝርከቡ ታሪኻዊ ቦታታት ከም መተራ ታሪኻዊ ቦታ፡ ካልኦት ብኣርኪዮሎጂን ታሪኻውን ትርጉም ዘለዎም ቦታታት ከም ቆሃይቶን ተኮንዳዕን ኣለዉ።መጠራ ፡ ብ በለው- ከለው እውን ዝፍለጥ ፡ ካብ ከባቢ 7ይ ቅ.ል.ክ ክሳብ 7ይ ድ.ል.ክ. ሓደ ካብ ጽዑቕ ንግዳዊ ንጥፈታት ዝካየደሉ ዞባ ምዃኑ ይእመን ።

መነባብሮ[ኣመዓራርይ | ኮድ ኣመዓራርይ]

ነበርቲ ከተማ ሰንዓፈ ብማሕረስን መጓሰን ስለ ዝናበሩ፡ ብዙሕ ዓይነት ኣእካል፡ ከም ማሸላ፡ ስርናይ፡ ስገም፡ ባልዶንጋ፡ ዓተርን ብርስንን የእትውን። ብተወሳኺ ዝተፈላለያ እንስሳታት ዘቤት ከም በዓል ጠለቢጊዕ፡ ከፍቲ፡ ኣፍራስ፡ ኣእዱግ፡ ደርሁ የፋርዩ። ኣብ ፍሉያት ንኣሽቱ ኮማት ተመቓቒሎም ህይወቶም በቶም ዝመረጽዎም ዓበይቲ ዓድን መራሕቲ ሃይማኖትን ብሰላም የካይዱ። ማሕበራዊ ምትእስሳሮም ድማ እቶም ሳሆ ኣብ ቀቢላዊ ኣረዳድኣ ዝተሞርኮሰ ክኸውን እንከሎ፣ እቶም ዝተረፋ ኣውራ ኣብ ከባቢታት ዝነብሩ ድማ ኣብ ብሄራዊ፡ ዓዳዊ፡ እንዳውን ፡ ስድራ-ቤታውን ምትእስሳር ዝተሓጽረ ነበረ።

ታሪክ[ኣመዓራርይ | ኮድ ኣመዓራርይ]

መእተዊ፦ ታሪኽ ማለት ዛንታ ሰብ ማለት እዩ። ዛንታ ሰብ ማለት ከኣ ኩሉ’ቲ ሰብ ኣብ ዓለም ካብ ዝቕልቀል ኣትሒዙ ዘሕለፎ ተሞክሮን ዝገበሮ ንጥፈታትን ማለት እዩ። ስለ’ዚ ሰብ ካብ ቅድሚ ዓሰርተታት ኣሽሓት ዓመታት ዝጅምር ነዊሕ ታሪኽ ኣለዎ። ታሪኽ እምበኣር ሕብረተሰብ ካብ ዝተሓተ ደረጃ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ከመይ ኢሉ ብደፋእታ (ቀስ እንዳበለ) ከም ዝተጓዕዘን ከም ዝማዕበለን ዝምህረና ኣገዳሲ ዓውደ ፍልጠት እዩ። ታሪኽ ብዛዕባ ዝሓለፈ ተሞክሮ ሕብረተሰባት: ዓወታትን ስዕረታትን: ሓይልን ድኻማትን ይምህረና። ካብኡ ምህሮ ረኺብና ህይወትና ብዝሐሸ ንኽንመርሕ ይሕግዘና። ስለዚ ታሪኽ ማዕከን ፍልጠትን ልቦናን እዩ። ታሪኽ ምምሃር ስልጥንቲ ሃገር ኣብ ምህናጽን ራህዋ ዘለዎ መነባብሮ ኣብ ምፍጣርን ይሕግዘና።

ታሪክ ሰንዓፈ[ኣመዓራርይ | ኮድ ኣመዓራርይ]

Map

ኣመጻጽኣ መበቆላዊ ስም ሰንዓፈ ብዙሕ ንጹር እኳ እንተ ዘይኮነ፡ ብኣፈ ታሪክ ከምዝንገር ግን ካብ ሰንዓ የመን ናብ ደብባዊ ወገን እንዳ ተጓዕዙ ቀንዮም ኣብ ዓቐብ ታሪኻ ኣዕረፉ። ጸልማት ስለዝነበረ ክዕርፉ ኣግማሎም ኣራጊፎም ደቐሱ። ንጽባሒቱ ኣንጊሆም ክነቕሉ ክብሉ ሰፈራታት ዘለዎ ክንዮ ማዕዶጎቦ ተዓዘቡ። ሰንዓፈ ኣብ መንጎ ጎቦታትን እምባታትን እተዶኮነት ልጎም ምስረኣዩ፡ ነትታዝገደፍዋ ሃገር ዘኪሮም ሰንዓፈ ኢሎም ይበሃል። በዚ መሰረት ሰንዓፈ ማለት ሰንዓ ኣብዚ ኣላ ማለት እዩ። ኾይኑ ግን ሰንዓፈ ናይ ጥንቲ ስማ ከምዘይነበረ ብዙሓት ምንጭታት ይሕብሩ እዮም። ሓደ ካብ ናይ ጥንቲ ስማት ሰንዓፈ በለው ከለውመጠራከስከሰ እዮም። ቅድሚ ሰንዓፈ ምስማያ "ሓኪር" ተባሂላ ትጽዋዕ ነይራ እያ። "ሓኪር" ዝብል ቃል ካብ "ሓኾረ" ዝብል ናይ ትግርኛ "ትግርይና" ግሲ ዝነቐለ ኮይኑ ምድያብ ዝብል እውን የስምዕ እዩ። ብ ከባቢ 1454 ኣቢሉ ዝተወስደ ምድራዊ ስእሊ ናይ ሰንዓፈ ኣብ ቀዳሞት መዝገብ ናይ ምድራዊ ስእሊ ኣብ ሃገረ ግብጺ ኖቨሎ ተሰኒዱ ይርከብ ኣሎ።

ቕድመ ታሪኽ[ኣመዓራርይ | ኮድ ኣመዓራርይ]

ምድረ-ፑንት 4000 ዓመታት ይገብር እዚ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘሎ ዞባ: ማለት ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራ: ሱዳን: ጅቡቲን ሰሜናዊ ክፋል ሶማልያን ምድረ-ፑንት ይበሃል ነበረ። ግብጻውያን ክነግዱ ብባሕሪ ናብ ምድረ-ፑንት ይመጹ ነበሩ። ዕጣን: ከርበ: ወርቂ: ስኒ ሓርማዝን ክንቲት ሰገንን እቶም ቀንዲ ካብ ምድረ-ፑንት ዝውሰዱ ኣቕሑ ነበሩ። ኣብ መበል 8ይ ዘመን ቅድሚ ሓባራዊ መዋዕል (ቅ.ሓ.መ.) ድማ ሓደ ዳዓማት ዝበሃል ንግስነት ተመስሪቱ ነበረ። ዳዓማት ካብ ኣዱሊስ ጀሚሩ ክሳብ ከባቢ ኣኽሱማውያን ዝዝርጋሕ ዓቢ ንግስነት እዩ ነይሩ።

ፋይል:በለው ከለው

ድሕሪ ውደቀት ዳዓማት ሓበሻ ወይ ኣኽሱማውያን ተባሂሎም ዝፍለጡ ሴማውያን ህዝብታት ንጥንታዊት ከተማ ኣኽሱም ከም መቐመጢ መንግስቶም ጌሮም ሸውዓተ ክፍለ ዘመን ክፍለ ዘመን ዝጸንሐ ኣዝዩ ሓያልንን ገዚፍን ስልጣኔኣዊ ስርወ መንግስቲ ኣብ ናይ ሎሚ ትግራይን ከበሳ ኤርትራን ከምኡ ምዕራባዊ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ክምስርቱ ከም ዝኸኣሉ ውን ማንርሆይ ይገልጽ፡፡ እዞም ሓበሻ ወይ ኣኽሱማውያን ዝበሃሉ ህዝቢ ካብቶም ቅድሚኦም ዝነበሩ ሳባውያን ዝፈለቑ ድዮም ዋላስ ካልኦት ዝብል ሕቶ ኣልዒሉ ክምልስ ከሎ፡ ማንሮሆይ “ብጀካ ዝተወሰነ ምምስሳል ሳባውያንን ደኣማታውያንን ብሓበሻ ተዋሒጦም ደኣ ይኾኑ እምበር ንሳቶም ባዕልቶም ነቲ ኣኽሱማዊ ስልጣነ ከምዝቐጸልዎ ዝገልጽ ጽንኩር ሓበሬታ ከም ዘየለ” የቐምጥ፡፡ በቲ በለቲ ኣኽሱማዊ ስልጣነ ካብ ሓያላትን ኣዝዮም ፍሉጣት ጥንታውያን ስልጣነታት ዓለምና ኮይኑ ክወጽእ ናይቲ ዘመን ብሉጽ ካብ ዝበሃሉ ቴክኖሎጂ ስነ ህንጻ፣ መስኖ ሕርሻ፣ ሰርዓተ መንግስቲ፣ ገንዘባዊ ንግዲ፣ ሞጎዓዝያ ባሕሪን ሰብ ዋና ኣግኣዝያን ምኻኖም ብድርሳናት ታሪኽን ኣብ ልዕሊ ምድርን ብዘለው ሓድግታት ከምኡ ውን ብኻዕቲ ዝተረኸቡ ቅርስታት ዝዛረብዎ ሓቂ እዩ፡፡ ዳሕራይ ስርወ መንግስተ ኣኽሱም ሃይማኖት ክርስትና ምስተቐበለ ውን ኣስተምህሮታት ሃይማኖት ክርስትና ሃይማኖት፡ ፍልስፍናን ብበዓል ቁዱስ ያሬድ ዝተምሃዙ ኣምራት ሙዚቃን ግእዛዊ ሰልጣኔታት ከምዝኾኑ ተነጺሩ ዝተቐመጠ እዩ፡፡

ከምዚ ኢሉ እንከሎ ቅድሚ ኣስታት 2300 ዓመታት ከኣ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕርን ከበሳን ብዙሓት ንኣሽቱ ናይ ንግዲ መደበራት ነበራ። እዘን መደበራት ከኣ ምስ ግዜ ናብ ከተማታት ማዕበላ። እተን ቀንዲ ከተማታት ከኣ ኣዱሊስ: ቆሓይቶ: ከስከሰ: ተኾንዳዕ: መጠራ ነበራ። እተን ኣውራ ፍሉጣት ዝነበራ ግን ኣዱሊስን ቆሓይቶን እየን። ኣዱሊስ ከም ዓባይ ጥንታዊት ወደብ: ማእከል ንግድን ፍልጠትን ነበረት። ህንጻታታ ሎሚ ተደቢዩ’ኳ እንተ’ሎ ኣሰሩ ኣብ መጻኢ ብስነፍልጠታዊ ኩዕታ ክወጽእ እዩ። ኣብ’ቲ እዋን’ቲ ከተማታት ብነጋሲ ዝበሃል ሹመኛ ይመሓደራ ነበራ። ነጋሲ ማለት ኣካቢ ግብሪ ማለት እዩ። ግሪኻውያንን ሮማውያንን ክነግዱ ናብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራ ይመጹ ነበሩ: ብዘይካ’ዚ ንግስነት መረዊ ናይ ሱዳን’ውን ምስ ከባቢና ንግዳዊ ርክብ ነበሮ። በዚ መሰረት ጥንታዊ ምምስራት ናይ ሰንዓፈ ዝጀመረ።

ከስከሰ[ኣመዓራርይ | ኮድ ኣመዓራርይ]

ከስከሰ፡ ሓንቲ ካብተን ኣገደስቲ ጥንታውያን ቦታታት ኤርትራ እያ። ከስከሰ ኣብ ኣስታት ዓሰርተ ወሓደ ትርብዒት ኪ.ሜ. ስፍሓት ዘለዎ ንሕርሻ ምቹእ ኣብ ዝኾነ ብሰንሰለታዊ ጎቦታት ዝተኸበ ሓውሲ ስንጭሮ ከባቢ ተደኲና ትርከብ። ኣሰራት ናይዛ ጥንታዊት ስፍራ፡ ኣዝዮም ብዙሓት እኳ እንተኾኑ፡ ኣስታት ዓሰርተ ሜትሮ ቁመት ዘለዎ ዝወደቐ ሓወልቲ፡ 5 ዝተሳባበሩ ዓበይቲ ኣዕኑድ-መሰል ጽሩባት ኣእማን፡ ፍርስራስ መናድቕ ናይ ዓበይትን ንኣሽቱን ገዛውቲ፡ መቓብርን፡ ዝተፈላለዩ ዓይነት ስርሓት ካይላ፡ ካብ እምኒ፡ ኣስራዝን ዑንቊን ዝተሰርሑ መሳርሒታትን መጋያየጺ ኣቕሑትን ይርከቡ።

መጠራ[ኣመዓራርይ | ኮድ ኣመዓራርይ]

በለው-ከለው ብዝብል ቅጽል እትፍለጥ ታሪኻዊት ቦታ መጠራ፡ ካብ ከተማ ሰንዓፈ ንደቡባዊ ምብራቕ ድማ ሓደ ኪ.ሜ. ርሒቓ እትርከብ ጥንታዊት ቦታ እያ። መጠራ ኣብ 7ይ ክፍለ-ዘመን ቅ.ል.ክ. ዝተመስረተት ጥንታዊት ከተማ ኮይና፡ ካብቲ እዋን’ቲ ኣትሒዛ ክሳብ 7ይ ክፍለ-ዘመን ድ.ል.ክ. ኣብ ዝነበረ ንግዳዊ መስመር ንግስነት ኣኽሱም ቀንዲ ተዋሳኢት ምንባራ ይግለጽ። ስልጣነ መጠራን ከባቢኣን ኣብ ንግድን ሕርሻን ዝተመርኮሰ ከም ዝነበረ ይፍለጥ። ብፍላይ ምስ ኣዱሊስ፡ ከስከሰን ቆሓይቶን ብዝነበራ ንግዳዊ ርክብ ኣብ እዋና ስልጥንቲ ንኽትከውን ከም ዝሓገዛ ተመራመርቲ ስነ-ጥንቲ ይሕብሩ። ኣብቲ ከባቢ እትርከብ 2.8 ሜትሮ ቁመት እትውንን ሓወልቲ እውን ኣገዳሲት መስሕብ ናይቲ ከባቢ እያ። ጥንታዊት ከተማ መጠራ ኣብ 1960ታት ብፈረንሳዊ ተመራማሪ ስነ- ጥንቲ ፍራንሲስ ኣንፍረ ብዝተገበረላ መጽናዕቲ ዝተመስከረላ ታሪኽ መንነትን ጥንታውነትን ወለዶታትና እተጉልሕ ኣገዳሲት ጥንታዊት ቦታ እያ።

ዘመናዊት ከተማ ሰንዓፈ [ኣመዓራርይ | ኮድ ኣመዓራርይ]

ምስምምጻእ መግዛእቲ ጥልያን ዘተኣታተዎ ምቅይያራት፡ ንማሕበረ ቁጠባዊ ኩነታት ዜጋታት ተባሂሉ ዝመጽአ ዘይኮነ፡ ብኣንጻሩ-መደባት ኣውጺኣካን ዕላማታት ኣነጺርካን፡ ሓፈሻዊ ረብሓታት ኢጣልያ ንምጭባጥ ተባሂሉ ዝመጽአ ምቅይያራት ኢዩ ነይሩ፣ነዚ ከምዚ ዓይነት ረብሓታት ንምርግጋጽ፣ ኢጣልያውያን ንትሕተ ቅርጺ እታ ሃገር ምምዕባል፣ ነቲ ኣብ 1887 ዝተጀመረ ምስራሕ መገዲ ባቡር ኣብ መፈጸምታ ከምዝበጽሕ ምግባር፣ ሓደሽቲ ጽርግያታት ምስራሕን ምምሕያሽን፣ ንኹሉ ዓይነት ጉዳያት ዘገልግላ ፋብሪካታት ምትካል፣ ሓደስቲ ከተማታት ምህናጽን ሰፋሕቲ ርእሰማላዊ ሕርሻዊ ትካላት ምትካልን ዝኣመሰሉ ንጥፈታት ከካይዱ ጀመሩ።

ከም ውጽኢቱ ንብዙሓት ከተማታት ሰንዓፈ ሓዊስካ ክሃንጽ ጀሚሩ።


ባህላዊ በዓልታ[ኣመዓራርይ | ኮድ ኣመዓራርይ]

ኣብ ንኡስ ዞባ ሰንዓፈ ዝካየድ ያታዊ ጽምብል ኣቡነ-ኣንበስ ከም ንኡስ ፈስቲቫል ክጥቀስ ዝክኣል ኮይኑ፡ ኣብ መጻኢ ሓደ ካብ ቀንዲ ንጥፈታት ዘቤታዊ ቱሪዝም ክኸውን ሰፊሕ ዕድል ዘለዎ ባህላዊ ጽምብል እዩ። ኣብዚ ዞባ ዝርከባ ብሄራትና ከም ኩለን ብሄራትና ኣብ መነባብሮ፡ ጽምብላትን ትልሂትን ኣስተማቒርካ ዘይጽገቡ ዝተፈላለዩ ጥበባትን መሃዝነትን ዝውንና ብሄራት እየን። ገለ ኣብነት ንምጥቀስ፡ ምድላው ባህላዊ መግቢታትን መስተታትን፡ ብወጻእተኛታት ከይተረፈ ተሃራፊ ዝኾነ ወግዒ ቡን፡ መሃዝነት ያታዊ መሳርሒ ሙዚቃ ዋጣ፡ እምብልታ፡ መለኸት፡ ክራር ክጥቀሱ ይኽእሉ። ነዞም ባህላዊ ጸጋታት ከረጋግጽን ከጽንዕን ዝደሊ በጻሒ ኣብ ሃገራውን ዞባውን ዝካየድ ጽምብላት ብኣካል ክሳተፍን ከስተማቕርን ይኽእል።

ወጻኢ ጥብቆታት[ኣመዓራርይ | ኮድ ኣመዓራርይ]

ሞደል:ምምሕዳር ሞደል:Wikivoyage

ሞደል:ምምሕዳር ከተማ ሰንዓፈ ሞደል:ታሪኻዊት ከተማ ሞደል:ዞባ ደቡብ ሞደል:መጠራ

ታሪኻዊት ከተማ በለው ከለው መጠራ ሓኪር ምድብ:እምባ ሶይራ ምድብ:ስመጃና ምድብ:ከስከሰ ምድብ:ኣውሊዕ ሓሓይለ ምድብ:ማርካቶ ምድብ:ዓዶ ጋልባ [[ምድብ:ካንቦ]]

[1]

    • Bulleted list item
    https://shabait.com/2012/10/12/metera-historical/ ብቋንቋ ትግርኛ እትሕተም ልሳን መንግስቲ ኤርትራ ዝኾነት ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ
    • Bulleted list item
    https://en.wikipedia.org/wiki/Senafe
    • Bulleted list item
    https://education.nationalgeographic.org/resource/kingdom-aksum
    • Bulleted list item
    https://www.khanacademy.org/humanities/art-africa/east-africa2/ethiopia/a/the-kingdom-of-aksum
    • Bulleted list item
    ታሪኽ ምድረ ሓበሻ
    • Bulleted list item
    ስልጣኔ ኣኽሱምን ኣዱሊስን
    • Bulleted list item
    https://www.britannica.com/place/Aksum-ancient-kingdom-Africa