ናቕፋ (ከተማ)

ካብ ዊኪፐድያ፣ ናጻ ኢንሳይክሎፐድያ

ናቕፋ ኣብ ዞባ ሰመናዊ ቅይሕ ባሕሪ ኤርትራ እትርከብ ከተማ እያ፣ ናይ ኤርትራ ባጤራ ውን ካብ ናታ ስም ዝተወሰደ እዩ። ናቕፋ ኣብ ግዜ ቃልሲ ናጽነት ኤርትራ ከም ቀንዲ ማእከል ናይ ህዝባዊ ግንባር ሓርንት ኤርትራ ኮይና ኣገልጊላ።

ናቕፋ ብሰንኪ ጽዑቕ ናይ ነፈርቲ መጥቃዕቲ ዓንያ ሓንቲ መስጊድ ጥራሕ ደው ኢላ ተሪፋ፣ ናቕፋ ብድፋዓት ተኸቢባ ትርከብ፣ ኣብ ናይ ግዜ ቃልሲ ሓይልታት ህዝባዊ ግንባር ንከተማ ናቕፋ ምስ ኣተዉ ክሳብ ግዜ ናጽነት ሓይልታት ጸላኢ ኣብ ትሕቲ ኢዱ ንኽትወድቕ ዘይፈተኖ ኣይነበረን ክኾነሉ ድማ ኣይከኣለን በዚ ምኽንያት ናቕፋ ኣደ ጽንዓት ዝብል ስም ሒዛ ። .]]