ክልል ትግራይ

ትግራይ (ዕላዊ ስም:- ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ) ሓንቲ ካብተን ክልላት ኢትዮጵያ ኮይና ኣብ ሰሜናዊ ጫፍ እታ ሃገር ትርከብ ሽዱሽተ ዞባታት ኣለውዋ። ንሳቶም ድማ ዞባ ምብራቕ፥ ዞባ ደቡባዊ ምብራቕ፥ ዞባ ማእከል፥ ዞባ ደቡብ፥ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብን ዞባ ምዕራብን እዮም። ዝነብሩላ ብሄራት ድማ ትግራይ፥ ኩናማ ፣ኢሮብን እዮም ። ብመሰረት ሕገ መንግስቲ ፌደራላዊት ዴሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኢትዮጵያ ክልል ሓደ ተባሂላ ትፅዋዕ። ርእሰ ከተማኣ መቐለ ትበሃል። ካብ ክልላት ኢትዮጵያ ብስፍሓት መሬት ሻድሸይቲ ክትኸውን ከላ ብበዝሒ ህዝቢ ከዓ ሓምሸይቲ እያ። ከም ውቅሮ፣ ዛላምበሳ፣ ዓብዪ ዓዲ፣ ዓድዋ፣ ሓውዜን፥ ሸራሮ፣ ዓዲግራት፣ ኣኽሱም፣ ሽረ እንዳስላሰ፣ ማይጨው፣ ኣላማጣ፥ ማይፀብሪ፥ ዓዲረመፅ፥ ዳንሻ፥ ሑመራ፥ ኮረም፥ ዝበሉ ፍሉጣት ዓበይቲ ከተማታት ኣለውዋ። ብሰሜን ኤርትራ፣ ብምብራቅ ክልል ዓፋር ፣ ብደቡብ ክልል ኣምሓራ ብምዕራብ ብሱዳን ትዋሰን፡፡ ጠቅላላ 50,286 ካሬ ኪ.ሜ. ስፍሓት መሬት እንትሽፍን ብመሰረት 1999 ዓ/ም ዝተካየደ ቆፀራ ህዝቢ በዝሒ ህዝባ 5 ሚልዮን እዩ፤ ሎሚ ግን ናብ ኣስታት 7 ሚልዮን ከምዝዛየደ ይግመት። ትግርኛ ናይታ ክልል ናይ ስራሕ ቋንቋ እዩ። ትግራይ ብጣዕሚ ብዙሓት ተፈጥራዊ፣ ባህላውን ታሪካውን ፀጋታት ዝተዓደለት ስፍራ እያ። ከም ኣብነት ጥንታዊ ቤተ መቅደስ ይሓ፣ ጥንታዊ ሓወልትታት ኣክሱም፣ ካብ 4ይ ክሳብ 15 ክ/ዘመን ከምዝተሰርሑ ዝንገረሎም ልዕሊ 120 ዝኮኑ ካብ ከውሒ ተፈልፊሎም ዝተሃነፁ ኣብያተክርስትያናትን ገዳማትን፣ ከምኡ እውን ካልኦት ብዙሓት ታሪካውን ኣርኪኦሎጂካውን ስፍራታት ዝርከቡላ ኣዝያ ንመስሕብ ቱሪዝም ዝመቸወት ክልል እያ። ከም እምባ ኣላጀን ፅበትን ዝበሉ በረክቲ እምባታት ይርከቡዋ።ከተማ ኣኽሱም ቅድሚ እኒ ሞዛርትን ካልኦት ፍሉጣት ሙዚቀኛታት ዓለምን ዜማታት ግእዝን ኣራራይን ዝመሃዘ መበቆል ቅዱስ ያሬድ እያ። ከም ሓያሎ ዓለማዊ ስልጣነታት ፥ ኣኽሱም ዕዙዝ ስፍራ ዝሓዘት ማእኸል ስልጣነ ዓለም እያ።