ዩቱብ

ካብ ዊኪፐድያ፣ ናጻ ኢንሳይክሎፐድያ
(ካብ ዩትዩብ ተሰጋጊሩ)
ዩቱብ
ዩቱብ ው.ሓ.ኩ. (YouTube, LLC)
ዓይነት መድረኽ ቪድዮ ኣብ መስመር
ኢንዱስትሪ ኢንተርነት
መሰረት 14 ለካቲት 2005 (19 ዓመታት)
መስረትቲ Steve Chen
Jawed Karim
Chad Hurley
ዋና ቤት ጽሕፈት ባንዴራ ኣመሪካ ሳን ብሩኖካሊፎርንያኣመሪካ
ቁልፊ ሰባት ሱዛን ዎጂጽኪ (ዋና ፈጻሚ ስራሕ)
ፍርያት ዩቱብ ፕሪምየም
ዩቱብ ምዩዚክ
ዩቱብ ኪድስ
ዩቱብ ቲቪ
ዩቱብ ጌሚንግ
ዩቱብ ሾርትስ
ወናኒ ኣልፋበት
ሰራሕተኛታት 3,000 (2021)
መርበብ ሓበሬታ
መርበብ ሓበሬታ youtube.com
ምዝገባ ኣማራጽያዊ
ተጠቀምቲ 4.59 ቢልዮን ንጡፋት
ዝርከቡ ቋንቋታት 80

ዩቱብ (ብእንግሊዝኛ፦ YouTube)፣ ኣመሪካዊ መበቆል ዘለዎ ቪድዮታት ንምክፋል ዝዓለመ መርበብ ሓበሬታ እዩ። ዝተፈላለዩ ናይ ፊልም ክሊፓት፣ መደባት ተለቪዥንቪድዮታት ሙዚቃን ዝሓዘ እዩ። ነዚ መድረኽ ትሕዝቶ ዝፈጥሩ ሰባት ብሓፈሻ ዩቱበርስ ተባሂሎም ዝፍለጡ እዮም።

ኣብ ለካቲት 2005 ብሰለስተ ሰራሕተኛታት ፐይፓል ነበር ዝተፈጥረ ኮይኑ፣ ኣብ ጥቅምቲ 2006 ብጉግል ብ1.65 ቢልዮን ዶላር ተዓዲጉ፣ ሕጂ ድማ ከም ሓደ ካብ ትሕተ-ቅርጺ ትካላቱ ኮይኑ ይሰርሕ ኣሎ። ኣብ ኢንተርነት ብዓይነቱ ዝበዝሐ ዝጥቀመሉ መርበብ ሓበሬታ እዩ።