መደብ:ዊኪፐድያ:Articles with local data
ብኣሽኩቴ ዒላላ መቐለ
****************
ዳሓር ደቀይ ኣፍቱ 80ታት...
ሃፋ ድኽነት ገሪፉ
ሃፈፅታ ሰኣኖ ለብሊቡ ምስወደአኒ ጊዜ ቑልዕነተይ ምስ ድኽነተይ ጎኒልጎኒ ነጎደ። ዕድመ ወሲኸ ኣብራኽ ምሰዕበኹ
ሚስጥር ድኽነት ክጋሃደለይ ጀመረ።
ልኣደዋይለ ኻልኣይ ክኾና ሃምለለኒ ፈለጥኹ።
እነዕስለ ጥምየት ድርኩኺት ገዛ ወላዲተይ ረጊፆም ብምእታው ቐልፃም ጭዋዳ ወላዲተይ ምሰልመሱ ልኣይለ የሓደጉለይ ከርሰይ ረመስዎ።
ጊዜ ቐጣን ዘበን ኣድመፀት።
ብነብሱለ ኣብ ሰማንያታት...
ሃፍታም የለ
ስራሕ የለ
እግሪ ልተኸለ መንግስቲ የለ!
ናቱ ጊዜ ሃፍታም ሹፌር ጥራሕ እዩ ልነበረ።ይዝከረኒ ኣብ ልዓበኹሉ መንደር
(ደቂ 06 ትፈልጡዋ ኢኹም)
ተክኤን ትብሃል ኣብ ቀበሌና ሰፋሪት እኽሊ ኾይናስ ንእሽተይ ሕምም ልበለት ቖልዓ ነይራ።ብዪ ተጫዊተ ልበላዕኹዋ ኣምስ ሳንቲም እያ መስለኒ ትወድቀኒ'ሞ ኣልዕል ኣቢላ እንካ እዚኣ ናይኻ እያ ኢላ ካብ መሬት ኣልዒላ ትህበኒ።ካብኡ ኣነለ ውሰድያ ልባዕልኺ ኢለ ተመሊሰ ይህባ።
ታይ ኢላ ሃምልመረቐትኒ ትፈልጡ ዲኹም?
"ኤህ ወደይ እስኻስ ሹፌር ይግበርኻ" የበለትኒ ድያ?
ምርቓታ ሃም ቦኽሪ ዓርኪ መርዓዊ ኣዝሊሉ ሃም ምራኽ ከሰራስረኒ ተሎ ሀዚ ኾይነለ ይዝከረኒ።
ሹፌር ምዃን ኣፍቱ ጊዜ
ፋሓምኻ
ጣፍኻ
ማዓርኻ
ጠስምኻ ኣብዛ ኢድኻ እየን ልነበራ።
ሰበይቲ ሹፌር ዋላ ትቦስር ወሓለ እያ ነበረት።
ተክኤን ምረቕኣ መሊኡ የሰመረላይ እምበይ ካብ ቕድሚ ኣዋርሕ ጀሚሩ መይዳ ኣእዳወይ መሪ ምጭባጠን ኣግሪሙለይ።
ብልኾነ ምርቓ ተክኤን ኣዘኪሩኒ።
ተክኤን ግን ሎሚ ድሕሪ ሰላሳ ዓመት ኣበይ ትህሊ? ኢለ ዘኪረያ።
**
ላብ ድኽነትና ንመለስ ፈተወቲ!
ዳሓር ጨና እኽሊ ጠፊኡና እነይወድይ ኣሕለምለምና።
ታሪኽናይ ተዘክሮናይ ድኽነት ላኾነ ኸደ።ኣብ ቑርፂ ጊዜ ናቑርፂ ጊዜ ሰብ ተስኣነ።
ፅልምትምት ምስበለና
ብርዳእታ ልተገነያ ርብዒት ኹርኹሮይ ስንዳይ ካናዳይ ግን ዋሕስይ ጠበቓይ ኾይነን ኣብ ጎንና ደው በላ።
ግን ዘን እኽሊ እዚአን ልህንደይ ማዕልቲ ኢና ነዋጥጠን ሓደ ፈጣሪይ ኣደዋይ ጥራሕ እዮም ልፈልጡዎ።ምኽንያቱ ኣነ ኣጥሒነ የምፀአላ እሳለ ነፍያ ምስወደአት "በረከትኻ ዳኣ ሕውስ ኣብለሉ ጎይታይ ማዓረይ"
ኢላ ኣፍቱ ልነፈየቶ ሕሩጭ ስእሊ መስቀለ ክርስቶስ ስኢላ መስቀል ልሰኣለት የማነይቲ ኢዳ ስዒማ ላብ ዳ ሕሩጫ ተእትዎ እሳ ስለልኾነት እዩ።
ብትኽቲ ገመድ ሂወትና ወደቓ ቕድሚ ምፅዋዓ ሳላ ዘን ልተገነያ ርዳእታ መሊሳ ተለቆመት።
ፀሓይ ዑደት ሂወት ካብ ኣፍ ምዕራብ ብቀጥታ ላብ ገፅ ምብራቕ ልኣና ትብል ዘረት።መፃኢና እንድዒ እምበይ ልግዚኡስ
ልኾን መድፈኒ ጎሮሮስ የተስኣነይ።
እነይ ወድይ ካብ ድኻም ድኽነት ላብ ኡፈይ ኢልኻ ትንፋስ ልውሰዶ ጊዜ እፎይታ ንሸጋገር ኸኣልና።
መጨረሽኡ ምስ እኽሊ ገፅ ልገፅ ተረኣኢናስ ኣእዳውና ሰዲድና ቖሪስና ኾለስና።
ሃምቱ ንቡርለ መሶብ ኸፊትና ኸደንና።
ተቐጭቐጨ
ተሓምበሸ
ተግዓተ
ተጋገረ።
ኣቑሑ ገዛ ከካብ ልነበርዎ ተንቀሳቐሱ።
ኸብዲ ተዓንገለት።
* *
ዳሓር ግን ጅግና ወላዲተይ ጊዜ ሓያል ዓመታት ወሲዱ ዓይኒ ምስኣንቆሐ ልድኽነት ገፅ ኸሊኣ "ይኣክል" በለቶ።
ኣነለ ሃምኡ ብድሕሪ ወላዲተይ ኾይነ ተሓቢአ ሃምቱ ልበለቶ ይኣክል በልኹዎ።
ረሃፅ ወላዲት ቐትርይ ለይትይ ወሓዘ።
ኣነለ ስረ ምዕጣቕ ጀሚረ ሕፍረተይ ምኽዋል ጀመርኹ።
ኣነ ብዓዲ እሳ ብበረኻ ኾይና ጨናዊ ድኽነት ዓቕሉ ኣፅበብናሉ።
ብለይ መስፈ ዓይኒ ድኽነት ኣንቆረት።
እዙይ ስዒቡ፤
ዓንቀር ምላሽ ሓቦ ወላዲተይ ኣብነት መንደር ኾነ።
ተስፋ መፃኢ ረሓሰ።
ጅግና ወላዲተይ ኣብ ልዕሊ መቓብር ዓንቋል ድኽነት ባንዴራኣ ተኸለት።
*
ምስሊ ገዛና ክቕየር ጀመረ።
መሶብ ወላዲተይ ተሰንጠቕኹ ክብል ተሰምዐ።
ነገር የደለናይ ግን ሕምባሻና ብፀብሒ ኾነ።
ኣደዋይ ዙርያ ኣነለ ኮንጎ ጫማ ምስ ካልሱ ምግባር ጀመርና።
ቴፕ ምስ ካሴታ ተዓደገት።
ስሓቕይ ጭዋታይ ኾነ።
ጫፍ መጀመርያ ታሪክና ኣፀቢቑ ክፀባበቕ ጀመረ።
ጩራ ዓርስኻ ምኽኣል በረቐት።
ኢድ ድኽንት ብጭዋዳ ወላዲተይ ተጠወየ።
ካብ ሽዎ ኣልጋ ላብ ፋሚሊ ኣልጋ ተሸጋገርና።
ፀሓይና ኣብሪቕና ፍረፃዕርና ምቁዳስ ምስጀመርና ግን.......
ብርቕቲ ፀሓይና ኣብለይሰዓታ ዓረበት።ፍትውቲ ወላዲተይ
ሰማያዊ ፃውዒት በፂሑዋ እሳ ብሞት ኣነ ብምህላው ደጊምና ልከይንጋነይ ለሕለፍናዮ ኹሉ ሓቢርና ከይነውግዖ ኾነ።ነቢዐይ ስዒመይ ብለይደልደሉ ኣብራኸይ ላብ መቓብር ኣብፂሐያ ምስተመለስኹ ኣብ ገዛ ሓሊፋ ትፀንሐኒ መሰለኒ።ሞት ወላዲተይ ክኣምን ደንጎኹ።
ዕቡስ ነዃል ሂወተይ መሊሱ ንፋስ ኣተዎ።
ኣብ ዕድመ ንእስነተይ ደርዘንይ ፈረቓይ
ሓዘነይ ሓቒፈ ኣብራኸይ ዓፂፈ ኣብ ዳስ ወላዲተይ ሸውዓተ ቐትሪ ሸውዓተ ለይቲ ምስ ኣዒንተይ ላተብኣስኹ ኣሕለፍኹዎም።
ሓዘን ወላዲተይ ኣብ ኣዕፅምተይ ኣትዩ ኣይወፅእይ በለኒ።
**
ኹሉ ሓሊፉ ሂወት በይንኻ ኣብ ንእስነት ዕድመ ኾይነ ግጥም ጀመርኹ።
ኸበደኒ!
አረ ኣያ....ኢለ ፀዋዕኹ።ኣቤት ወደይ ልብል ሰኣንኹ።
ተስፋ ብለይ ምቑራፅ ደጋጊመ ቕልሰይ ገጠምኹ።ምስወላዲትኻ ኾይንኻ ልገበርኻኒ ባዕለይ እየ ልፈልጦ ልበለ ይመስል ተበቀለኒ።
ብልሓት ወላዲተይ እላዘከርኹ ሞኻኸርኹዎ።የካኣሊ ኢሉ ኣቕበፀኒ።
ሂወት ደጊማ መረረት
ተስፋይ ግን መመሊሱ ለምለመ።
እዙይ ናቕድሚ ሰላሳ ዓመት ታሪከይ እዩ።
ኣሽኩቴ ዒላላ መቐለ
2016 ዓ.ም