ቋንቋ ትግርኛ

ካብ ዊኪፐድያ፣ ናጻ ኢንሳይክሎፐድያ
(ካብ ትግርኛ ተሰጋጊሩ)
ትግርኛ
ዝዝረብ ኣብ ባንዴራ ኤርትራ ኤርትራ
ባንዴራ ኢትዮጵያ ኢትዮጵያ
ከባቢ ኤርትራኢትዮጵያን፣ ብፍላይ ኣብ ትግራይ
ተዛረብቲ 9.85 ሚልዮን (2020)
ስድራ ቤት

ኣፍሮ-ኤስያዊ
  ሴማዊ
    ደቡባዊ ሴማዊ
      ምብራቕ ኣፍሪቃዊ ሴማዊ
          ግእዝ

            ትግርኛ
ጽሕፈት ኢትዮጵያዊ ጽሕፈት
ወግዓዊ ኩነት
ወግዓዊ ኣብ ባንዴራ ኤርትራ ኤርትራ ባንዴራ ክልል ትግራይ ትግራይ
ኮዳት
ኣይሶ 639-1 ti
ኣይሶ 639-2 tir
ኣይሶ 639-3 tir

ትግርኛ ኣብ ኤርትራን ኣብ ሰሜናዊ ኢትዮጵያን ኣብ ክልል ትግራይ ዝዝረብ ሴማዊ ቋንቋ እዩ። ፊደላት ትግርኛ ካብ ኣብ ስልጣኔ ኣኽሱም ዝጀመረ ፊደል ግእዝ ዝፈለቑ እዮም። ኮይኑ ግን ትግርኛ ዶ ወይስ ግእዝ እዩ ዝቕድም ዝብል ሕቶ ክሳብ ሕጂ መጽናዕቲ ዘድልዮ እዩ። ኣብ ካልእ ሓሳብ እውን ግእዝ ዝበሃል ቋንቋ ነይሩ ኣይፈልጥን፡ ስልጣኔ ኣኽሱም ኣብ ጥርዚ ምዕባሌ ምስ በጽሐ፡ ንጽሑፋዊ ጉዳያት ንምግልጋል ከም ፊደል ዝማዕበለ እዩ ዝብሉ እውን ኣለዉ። በዚ ኮነ በቲ ኣብ ዓለም፡ ቋንቋ መትኒ ህይወት ደቂ-ሰባት እዩ። ምናልባት፡ ቋንቋ እንተዘይፍጠር ተበጺሑ ዘሎ ዕቤትን ምዕባለን ክሳብ ክንድ’ዚዶ ምሰጐመ ኢልካ ሕቶ ክተልዕል ድማ ባህርያዊ እዩ። ምኽንያቱ፡ ስኒትን ሓድነትን ንምህዞታት ዝሕግዙ ሓሳባት ግድን ኣብ ሓባራዊ መረዳእታ ሰባት ኪምርኮሱ ኣለዎም። ንባዕሉ ሰባት ብስኒት ማሚቖም ኪነብሩ ዘኽእሎም መሰረታዊ ረቛሒ’ውን ሓይሊ ሓባራዊ ቋንቋ ምዃኑ ዝሰሓት ኣይኮነን። ስለዚ፡ ቋንቋ ቀንዲ ህይወት ወይ እስትንፋስ ሓባራዊ ናብራ ደቂ-ሰባት ምዃኑ ኣየማትእን። በዚ መንጽር፡ ደቂ-ሰባት ማዕረ-ማዕረ ካልእ ንጥፈታቶም ንምዕባለን ዘመናውነትን ዚጥቀምሉ ቋንቋ’ውን ከይትሓለሉ ኪጽዕሩ ይግባእ።

ብርግጽ፡ ቋንቋ ምስ ግዜን ኩነታትን ኪምዕብል ናቱ ዳይናሚካዊ መስርሕ ኣለዎ። ልዕሊ ኩሉ ግን፡ ተጠቀምቲ ወይ ተዛረብቲ ሓደ ቋንቋ ብውሕዱ ንምዕቃቡ፡ ካብኡ ሓሊፉ ድማ ንምዕባለ ዝግልገልሉ ቋንቋ ኣደኦም ክሳብ ህይወቶም ከሕልፍሉ ይረኣዩ’ዮም። ብመሰረቱ፡ ህላወ ይኹን ትንሳኤ ሓደ ቋንቋ ንህላወን ትንሳኤን ተጠቀምቱ’ውን ጸላዊ ስለዝኾነ። ብሓጺሩ፡ ኣብ ሓደ ሃገር ፖለቲካዊ ኣገዳስነት ሓደ ቋንቋ ኣጸቢቑ ኪዓዝዝ እንተኾይኑ፡ ትካላት ቋንቋ ኪምስረታን ኪንቀሳቐሳን ይግባእ። ብዘይካ’ዚ፡ ብፍላይ ትካላት ስርዓተ-ትምህርትን መራኸቢ ብዙሓንን ሓደ ልኡላዊ ሃገር ንዘመናዊ ቅርጺ ይኹን ምዕባለ ሓደ ቋንቋ ወሳኒ ግደ ኣለወን።

ስርዓተ ጽሕፈት[ኣመዓራርይ | ኮድ ኣመዓራርይ]

ስርዓተ ጽሕፈት ብትግርኛ
  ä u i a e (ə) o wi wa we
h  
l  
 
m  
ś  
r  
s  
š  
ḳʰ
b  
v  
t  
č  
n  
ñ  
ʾ  
k
x
w  
ʿ  
z  
ž  
y  
d  
ǧ  
g
 
č̣  
 
 
ṣ́  
f  
p  
  ä u i a e (ə) o wi wa we