ኢትዮጵያ
መልክዕ
(ካብ «Ethiopia» ተሰጋጊሩ)
| ፈደራላዊት ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ የኢትዮጵያ ፌዴራላዊ ዲሞክራሲያዊ ሪፐብሊክ (ኣምሓርኛ) | ||||
|---|---|---|---|---|
| ኣባል ሃገር ሕብረት ኣፍሪቃ | ||||
| ||||
|
ሃገራዊ ጭርሖ፦ የዜግነት ክብር («ናይ ዜግነት ክብሪ») | ||||
|
ሃገራዊ መዝሙር፦ ወደፊት ገስግሺ፣ ውድ እናት ኢትዮጵያ | ||||
| ርእሰ ከተማ |
ኣዲስ ኣበባ 9°01′38″ሰ 38°44′13″ምብ / 9.0272222222222, 38.736944444444 | |||
| ወግዓዊ ቋንቋ | ኣምሓርኛ (ብተግባር) | |||
| • ሓባራዊ ወግዓውያን | ኦሮሞ፣ ሶማሊ፣ ትግርኛን ዓፋርን (ቋንቋታት ስራሕ) | |||
| ዜግነት ህዝቢ | ኢትዮጵያዊ/ -ት | |||
| ዓይነት መንግስቲ | ፈደራላዊት ፓርላማዊት ሪፓብሊክ | |||
| • ፕረዚደንት | ታየ ኣጽቀስላሴ | |||
| • ቀዳማይ ሚኒስተር | ኣብይ ኣሕመድ | |||
| ሓጋጊ ኣካል | ፈደራላዊ ፓርላማዊ ባይቶ | |||
| ስፍሓት | ||||
| • ጠቕላላ | 1,104,300 ትርብዒት ኪ.ሜ. | |||
| • ማይ (%) | 0.7 | |||
| ብዝሒ ህዝቢ | ||||
| • ግምት (2023) | 126,527,064 ተቐመጥቲ | |||
| ባጤራ | ብር (ETB) | |||
| ዞባ ግዜ | UTC +3 | |||
| ኮድ ኣይሶ | 231 / ETH / ET | |||
| ዓውዲ ኢንተርነት | .et | |||
| ተለፎናዊ ቅድመ ጥብቆ |
+251 | |||
| ኮድ ኣ.ኦ.ኮ | ETH | |||
ኢትዮጵያ፣ ብወግዒ ፈደራላዊት ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ (ብኣምሓርኛ፦ የኢትዮጵያ ፌዴራላዊ ዲሞክራሲያዊ ሪፐብሊክ)፣ ቀደም ኣቢሲንያ ተባሂላ እትፍለጥ ዝነበረት፣ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ እትርከብ ብባሕሪ ዘይተዓጽወት ሃገር እያ። ርእሰ ከተማኣ፣ ከምኡ’ውን ዝዓበየትን ዝበዝሐ ህዝቢ ዘለዋን ከተማኣ ኣዲስ ኣበባ እያ። ብሰሜን ብኤርትራ፣ ብሰሜናዊ ምብራቕ ምስ ጅቡቲ፣ ብምብራቕ ብሶማልያ፣ ብደቡብ ብኬንያ፣ ብምዕራብ ድማ ብሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ትዳወብ።