ሞደል:መበገሲ ገጽ:ዝተሓርየ/A

ካብ ዊኪፐድያ፣ ናጻ ኢንሳይክሎፐድያ
ዝተሓርየ ጽሑፍ

ጉግል

ኣርማ ጉግል

ጉግል ው.ሓ.ኩ (ውሱን ሓላፍነት ኩባንያ) (ብእንግሊዝኛ፦ Google LLC)፣ ናይ ኣመሪካዊ ኣልፋበት ቀንዲ መለስተኛ (subsidiary) ኩባንያ እዩ፣ ፍሉይ ክእለቱ ድማ ምስ ኢንተርነትሶፍትዌር፣ ኤለክትሮኒካዊ መሳርሒታትን ካልኦት ቴክኖሎጂታትን ዝተኣሳሰሩ ፍርያትን ኣገልግሎታትን እዮም። ቀንዲ ፍርያት ጉግል ተመሳሳሊ ስም ዘሎ ናይ ኢንተርነት ትሕዝቶ ምድላይ ሞተር እዩ፣ ዋላ እኳ ካልኦት ፍርያትን ኣገልግሎታትን ከምቲ ናይ ጉግል ድራይቭ (Google Drive) ቤት ጽሕፈት ተርታ ኣቕሑ፣ እቲ ጂመይል (Gmail) ዝበሃል ኢመይል፣ ናይ ጉግል ካርታታት (Google Maps)፣ ጉግል ስትሪት ቪውን (Google Street View) ጉግል ኤርዝን (Google Earth) ናይ ካርታ ኣገልግሎታቱ፣ እቲ ናይ ዩትዩብ (YouTube) ቪድዮታት መርበብ ሓበሬታን ካልኦት ናይ መርበብ ሓበሬታ ኣገልግሎታትን ከም ጉግል መጻሕፍቲ (Google Books)፣ ጉግል ዜናን (Google News) ተርጓሚ ጉግልን (Google Translate) የቕርብ እንተኾነ።